ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መሃልየ መሃልይ 1-8
እታ ሹላማዊት—ክንመስላ ዚግባእ ሰናይ ኣብነት
ንኣምለኽቲ የሆዋ ሰናይ ኣብነት ክትከውን ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧
- ንናይ ሓቂ ፍቕሪ ብጥበብ ተጸበየት 
- ምስ ማንም ሰብ ፍቕራዊ ርክብ ክትምስርት ብኻልኦት ንዚግበረላ ጸቕጢ ተቓወመት 
- ትሕትትን ሚዛናዊትን ንጽህትን እያ ነይራ 
- ፍቕራ ብወርቂ ወይ ብሻሕራ ኺዕደግ ኣይፈቐደትን 
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተት፦
‘ነየናይ ባህርይ እታ ሹላማዊት እየ ክቐድሖ ዘሎኒ፧’