ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jr ምዕ. 1 ገጽ 4-13
  • “ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹ”
  • ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ኣፈኛ ሓረየ
  • ከማና ሰብ
  • ካብዛ መጽሓፍ እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧
  • “ትም ኣይብልን”
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • እንታይ ዓይነት ፈተውቲ ኢኻ እትመርጽ፧
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • “እዚ ቓል እዚ ንገሮም”
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልካ መዓልታዊ ትሓትት ዲኻ፧
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
ዝያዳ ርአ
ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
jr ምዕ. 1 ገጽ 4-13

ምዕራፍ ሓደ

“ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹ”

1, 2. በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብቦ ኽትተኣማመን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

“ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ።” (ምሳ. 18:24) ሓቅነት እዘን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ቃላት ኣብ ህይወትካ ተመኪርካዮዶ፧ ናይ ሓቂ ፈታዊኻ ዚብለካ ዘበለ፡ ክትኣምኖ ትኽእል ኢኻ። ጽቡቕ ነገር ኪነግረካ ኸሎ፡ ወይ እንታይ ከም ዚገብር ኪገልጸልካ ኸሎ፡ ትኣምኖ ኢኻ። ምትዕርራይ ዜድልዮ ነገር ኪሕብረካ ኸሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዝበለካ ተቐቢልካ፡ ስጕምቲ ትወስድ ኢኻ። ምኽሪ ኺህበካ ኸሎ እውን፡ ንጥቕምኻ ኸም ዚሓስብ ትተኣማመነሉ ኢኻ። ኣሳልጦ ኽትረክብ እዩ ዚደልየካ። ዕርክነትኩም ነባሪ ምእንቲ ኪኸውን፡ ንስኻ እውን ከምኡ ኢኻ እትምነየሉ።

2 ብብዙሕ መዳያት፡ እቶም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ንኺጽሕፉ ኣምላኽ እተጠቕመሎም ሰባት፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዓይነት ኣዕሩኽ ኪዀኑኻ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ኻብኦም እትሰምዖ ዘበለ፡ ትኣምኖ ኢኻ። ዚብሉኻ ነገራት ንጥቕምኻ ምዃኑ ርግጸኛ ኢኻ። ጥንታውያን እስራኤላውያን ብዛዕባ እቶም ‘ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረቡ ሰባት፡’ ከምኡ እዩ ኺስምዖም ነይርዎ። (2 ጴጥ. 1:20, 21) ኣምላኽ ንኤርምያስ፡ ነታ ዝዓበየት ትንቢታዊት መጽሓፍን ንመጽሓፍ ድጕዓ ኤርምያስን ንኽልተ ኻልኦት መጻሕፍትን ንምጽሓፍ ተጠቒሙሉ እዩ።

3, 4. ገሊኦም ሰባት ንትንቢት ኤርምያስን ንድጕዓ ኤርምያስን ብኸመይ ይርእይወን፧ እዚ ግን ግጉይ ኣረኣእያ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ግለጽ።

3 ገሊኦም ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ንጽሑፋት ኤርምያስ፡ ንዕኦም ከም ዘይኰነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ትንቢት ኤርምያስን ድጕዓ ኤርምያስን፡ ዜፍርህ መጠንቀቕታታትን ዜስካሕክሕ ትንቢታትን ከም ዝሓዛ ጥራይ ገይሮም እዮም ዚርእይወን።a እዚ ብዛዕባ ትንቢት ኤርምያስን ድጕዓ ኤርምያስን ዘለዎም ኣረኣእያ ግን ቅኑዕ ድዩ፧

4 ኤርምያስ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ቐጥታዊ ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓድሓደ ግዜ ዓርኪ ኸምኡ ኸም ዚገብር ኣይትስሕቶን ኢኻ። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ እቶም ኣዕሩኹ ዝነበሩ ሃዋርያት ግጉይ ኣመለኻኽታ ኼርእዩ ኸለዉ፡ ብግልጺ ኣሪምዎም እዩ። (ማር. 9:33-37) ይኹን እምበር፡ ቀንዲ መልእኽቱ፡ ሞገስ ኣምላኽን ናይ መጻኢ ሓጐስን ኣብ ዚርከበሉ መገዲ ዘተኰረ ስለ ዝነበረ፡ ኣወንታዊ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 5:3-10, 43-45) እቲ ምስቲ “ንምቕናዕ” ዚጠቅም “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ዚጽብጸብ ጽሑፋት ኤርምያስ እውን ከምኡ እዩ። (2 ጢሞ. 3:16) ኤርምያስ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ነገልግሎ ኢና እናበሉ፡ ሳዕቤን እቲ ሕማቕ መገዶም ኪዓጽዱ ዚግብኦም ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ኰይኑ ግን፡ ትንቢት ኤርምያስን ድጕዓ ኤርምያስን፡ መልእኽቲ ተስፋ ሒዘን ኣለዋ፣ መጻኢና ብኸመይ ኪባረኽ ከም ዚኽእል ድማ ይገልጻ እየን። ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ ዚገልጽ ትንቢታት ጽሒፉ ኣሎ፣ ሎሚ እውን ኣብ ፍጻመ እቲ ትንቢታት ብቐጥታ ንሳተፍ ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብዘን ክልተ መጻሕፍቲ እዚኣተን፡ ኣወንታውን ዜተባብዕን መልእኽቲ ኽትረክብ ኢኻ።—ኤርምያስ 31:13, 33፣ 33:10, 11፣ ድጕዓ ኤርምያስ 3:22, 23 ኣንብብ።

5. ካብ ጽሑፋት ኤርምያስ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

5 ሕጂ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ እንረኽቦ ሓጐስ ኰነ ንመጻኢ ዘሎና ተስፋ፡ ምስቲ ኤርምያስ ዝጸሓፎ ነገር ይተሓሓዝ እዩ። ሓድነት ዝሰፈኖ ሕውነትና ነዚ ኣብነት ዚኸውን እዩ። ጽሑፋት ኤርምያስ ነዚ ሕውነት እዚ ንኸነደልድልን ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን ይሕግዘና እዩ። ጳውሎስ ከምዚ በለ፦ “ኣሕዋተየ፡ ተሐጐሱ፡ ምሉኣት ኩኑ፡ ጽኑዓት ኩኑ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ፡ ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።” (2 ቈረ. 13:11) ጽሑፋት ኤርምያስ ምስቲ እንሰብኮ መልእኽቲ እውን ብቐጥታ ይተሓሓዝ እዩ። ንሰባት ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ንነግሮም፡ ብዛዕባ መወዳእታ እዚ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ስርዓት ከኣ ነጠንቅቖም እኳ እንተ ዀንና፡ መልእኽትና ተስፋ ዚህብ ብምዃኑ፡ ኣወንታዊ እውን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ኤርምያስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ንመዓልታዊ ህይወትና ብዙሕ ይጠቕመና እዩ። ኵነታትና ምስ ህይወቱን ምስ መልእኽቱን ኣጸቢቑ ይመሳሰል እዩ። ነዚ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ፈለማ ንድሕረ-ባይታን መዝነትን እዚ ኣብነታዊ ነብዪ ንመርምር። ኣምላኽ ንዕኡ፡ “ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹ” በሎ።—ኤር. 1:9።

Picture on page 6

6, 7. ኣምላኽ ንኤርምያስ ከም እተገደሰሉ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታትከ እዩ ኤርምያስ ተወሊዱ፧

6 ውሉድ ኪውለድ ትጽቢት ዚገብሩ ሰብኣይን ሰበይትን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ንውሉዶም ኣብ መጻኢ ዚጽበዮ ነገራት ይሓስቡ እዮም። ‘እንታይ ዓይነት ሰብ ኰን እዩ ኪኸውን፧ ኣብ ህይወቱኸ እንታይ ኪገብር እዩ፧’ ይብሉ እዮም። ወለድኻ ብዛዕባኻ፡ ከምኡ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ወለዲ ኤርምያስ እውን ከምኡ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ኣለዎም። ንዕኡ ግን ፍልይ ዜብሎ ነገር ነይርዎ እዩ። እዚኸ እንታይ እዩ፧ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረታት ብዛዕባ ህይወትን ንጥፈታትን ኤርምያስ ፍሉይ ተገዳስነት ነይርዎ እዩ።—ኤርምያስ 1:5 ኣንብብ።

7 እወ፡ ኤርምያስ ገና ኸይተወልደ ኸሎ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ተጠቒሙሉ እዩ። ኣብቲ ዘርኢ ኽህነት ካብ ዘለዋ ስድራ ቤት ዚውለድ ወዲ፡ ፍሉይ ተገዳስነት ኣሕዲሩ እዩ። እታ ስድራ ቤት ኣብ መፋርቕ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. ኣብታ ብሸነኽ ሰሜን የሩሳሌም እትርከብ ዓዲ ትነብር ነበረት። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኣገዛዝኣ ንጉስ ምናሴ ብምንባራ፡ ዜሐጕስ እዋን ኣይነበረን። (ገጽ 19 ርአ።) ምናሴ ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ን55 ዓመት ዝነገሰሉ እዋን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽፉእ ገበረ። ድሕሪኡ፡ ወዱ ኣሞን እውን ኣብነቱ ሰዓበ። (2 ነገ. 21:1-9, 19-26) እቲ ቐጺሉ ዝነገሰ ንጉስ ይሁዳ ግን፡ ዓብዪ ለውጢ ገበረ። እወ፡ ንጉስ ዮስያስ ንየሆዋ ደለዮ። ኣብ መበል 18 ዓመት ግዝኣቱ፡ ነታ ምድሪ ኻብ ኣምልኾ ጣኦት ኣንጸሃ። እዚ ንወለዲ ኤርምያስ ኣሐጒስዎም ኪኸውን ኣለዎ፣ ኣምላኽ ንወዶም ኣብ ግዜ ንግስና ዮስያስ እዩ መዚዝዎ።—2 ዜና 34:3-8።

ብዛዕባ ትንቢት ኤርምያስን ድጕዓ ኤርምያስን ተገዳስነት ከነሕድር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣምላኽ ኣፈኛ ሓረየ

8. ኤርምያስ እንታይ መዝነት እዩ ተዋሂብዎ፧ ንሱኸ እንታይ ኢሉ መለሰ፧

8 ኣምላኽ ንኤርምያስ፡ “ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ” ኺብሎ ኸሎ፡ ኤርምያስ ወዲ ኽንደይ ዓመት ከም ዝነበረ ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናብ 25 ዓመት ተጸጊዑ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ካህን ቀዳማይ ደረጃ ኣገልግሎቱ ዚጅምር ዝነበረ እውን፡ ኣብዚ ዕድመ እዚ እዩ ነይሩ። (ዘሁ. 8:24) ዝዀነ ዀይኑ፡ ኤርምያስ፡ “ኣይ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ” ኢሉ መለሰ። (ኤር. 1:6) ነቲ ኻብ ነብዪ ትጽቢት ዚግበር ከቢድ ሓላፍነትን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ናይ ምዝራብ ክእለትን ንኺስከም፡ ዕድሚኡ ዘይኣኸለ ወይ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

9, 10. ኤርምያስ ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ መዝነት ተዋሂብዎ፧ እቲ መዝነቱ ጸኒሑ ኣጸጋሚ ዝዀኖ ግን ስለምንታይ እዩ፧

9 ኤርምያስ ኣብቲ ንጉስ ዮስያስ ነቲ ዜፈንፍን ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዜወግደሉን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዜስፋሕፍሓሉን ዝነበረ እዋን እዩ ተመዚዙ። ኣብ መንጎ ኤርምያስን ዮስያስን ክንደይ ዚኣክል ርክብ ምንባሩ ብዘየገድስ፡ እቲ ሃዋህው ንናይ ሓቂ ነብዪ ዚምሽእ ከም ዝነበረ ንጹር እዩ። ጸፎንያስን ናሆምን ኣብ መጀመርታ ዓመታት ግዝኣት ዮስያስ፡ ኣብ ይሁዳ የገልግሉ ነበሩ።b ነብዪት ሑልዳ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ተገልግል እኳ እንተ ነበረት፡ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ኽፉእ እዋን ተነበየት። ኤርምያስ ከኣ ነቲ ኽፉእ እዋን ብዓይኑ ረኣዮ። (2 ነገ. 22:14) አረ ሓድሓደ ግዜስ፡ ከም እኒ ዔቤድ-ሜሌክን ባሩኽን ዝኣመሰሉ ፈተውቱ፡ ካብ ሞት ኣድሒኖምዎ፡ ወይ ካብ ሕሱማት ጸላእቱ ኣዕቊቦምዎ እዮም።

10 ነብዪ ዄንካ ሓያል መልእኽቲ ኸተብጽሕ ፍሉይ መዝነት ከም እተዋህበካ፡ ካብ ኣምላኽ እንተ ዚንገረካ ኸመይ ምተሰምዓካ፧ (ኤርምያስ 1:10 ኣንብብ።) ሓደ ኻብቲ ኤርምያስ ኪእውጆ ዝነበሮ መልእኽቲ እስከ ንርአ። ብ609 ቅ.ክ.፡ ሓይልታት ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ገጾም ይግስግሱ ነበሩ። ንጉስ ጼድቅያስ ከኣ፡ ብኤርምያስ ኣቢሉ ኻብ ኣምላኽ ጽቡቕ መልእኽቲ ኪቕበል ደለየ። እቲ ኣምላኽ ነቲ ንጉስ ዝለኣኸሉ መልእኽቲ ግን፡ ጽቡቕ ኣይነበረን።—ኤርምያስ 21:4-7, 10 ኣንብብ።

ከማና ሰብ

11. ኤርምያስ መዝነቱ ንምፍጻም ኣጸጋሚ ዝዀኖ ስለምንታይ እዩ፧ ግናኸ እንታይ መተባብዒ እዩ ተዋሂብዎ፧

11 ንእኩያት ነገስታትን ንብልሽዋት ካህናትን ንናይ ሓሶት ነብያትን ኣዝዩ ኸቢድ ኵነኔን ፍርድን ከነብጽሕ ከም እተለኣኽና ጌርና እሞ ንሕሰብ። ኤርምያስ ከምኡ ኺገብር እዩ ነይርዎ። ኰይኑ ግን፡ ኤርምያስ ደገፍ ኣምላኽ ነይርዎ እዩ፣ ንሕና እውን ደገፍ ኣምላኽ ኣሎና። (ኤር. 1:7-9) ኣምላኽ ኣብቲ ገና ንእሽቶ ዝነበረ ኤርምያስ ምትእምማን ነበሮ፣ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ድማ ኣተባብዖ፦ “ኣነ ንዅሉ ምድርን ንነገስታት ይሁዳን ንሹማምታን ንኻህናታን ንህዝቢ ሃገራን ከም እተዐርደት ከተማን ከም ዓንዲ ሓጺንን ከም ቀጽሪ ኣስራዝን ገይረ ሎሚ ኣቝመካ እየ። ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም።”—ኤር. 1:18, 19።

12. ገለ ኻብቲ ምስ ኤርምያስ ዜመሳስለና ነገራት እንታይ እዩ፧

12 ኤርምያስ ፈጺሙ ድምብርጽ ዘይብሎ ሰብ ከም ዝነበረ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ከማና ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብ ካልእ መዋእል እኳ ይነብር እንተ ነበረ፡ ከምዚ ንዓና ዜጋጥመና ዘሎ ዅነታት እዩ ዜጋጥሞ ነይሩ። ከምቲ ኤርምያስ ምስቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ዚራኸብ ዝነበረ፡ ንሕና እውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትናን ንጥፈታት ጉባኤናን ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ንራኸብ ኢና። ስለዚ ድማ፡ ካብ ኤርምያስ ክንመሃሮ እንኽእል ነገራት ኣሎ፣ ንሱ እውን ከም ኤልያስ፡ “ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ።” (ያእ. 5:17) ገለ ኻብቲ ኻብ ኤርምያስ ክንመሃሮ እንኽእል ነገራት እስከ ንርአ።

13, 14. ገሊኦም ክርስትያናት ነቲ ኣብ ገጽ 10 ተሳኢሉ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ኤርምያስ ዝወረደ ግፍዒ ኣጸቢቖም ኪርድእዎ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

13 ኣብ ነዊሕ ዓመታት፡ ጽቡቕን ክፉእን ከም ዝረኣኻ መቸም ኣየጠራጥርን እዩ። ኤርምያስ እውን ከምኡ እዩ ኣሕሊፉ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ጳሽሑር ዚበሃል ምርኡይ ካህን ንኤርምያስ ወቕዖ፡ ኣብ ጕንዲ ድማ ኣሰሮ። ኤርምያስ ንሓያሎ ሰዓታት፡ ኣእጋሩን ኣእዳዉን ክሳዱን ብዜጨነቕ መገዲ ኣብ ጕንዲ ተኣሲሩ ነይሩ እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ዚስምዖ ዝነበረ ቓንዛ፡ ነቲ ኻብ ተጻረርቱ ዚፍኖ ዝነበረ ላግጺ እውን ኪጻወር ኣድልይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ንስኻኸ ኣደዳ ላግጽን ግፍዕን እንተ ትኸውን፡ ነቲ ነገር ምተጻወርካዮዶ፧—ኤር. 20:1-4።

Picture on page 10

14 ነቲ ኤርምያስ ዘሕለፎ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንሱ ብዛዕባ ህይወቱ፡ “እተወለድኩላ መዓልቲ ርግምቲ ትኹን፡ . . . ድኻምን ሓዘንን ክርኢ፡ ዕለተይ ከኣ ብሓፍረት ክውድእከ ስለምንታይ ካብ ማሕጸን ወጻእኩ፧” ኢሉ ምዝራቡ ዜገርም ኣይኰነን። (ኤር. 20:14-18) ተስፋ ቘሪጹ ኸም ዝነበረ ንጹር እዩ። ንስኻኸ ኣመና ተስፋ ኻብ ምቝራጽካ እተላዕለ፡ ዘይትረብሕ ወይ ዋላ ሓንቲ ዘይትጠቅም ኰይኑዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧ እሞኸ ሕሉፍ ሓሊፉ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ዋጋ ዘይብሉ ዀይኑዶ ተሰሚዑካ፧ ኵሎም እቶም ከምኡ እተሰምዖም ሰባት፡ ካብቲ ኤርምያስ ዘሕለፎ ተመክሮን ዝረኸቦ ፍረን ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

የሆዋ ንኤርምያስ ምምዛዙ ዜገርም ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ምስ ኤርምያስ ዜመሳስል ኵነታት ኣሎካ፧

15. ነቲ ኤርምያስ ስምዒታቱ ዚቀያየረሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ምምርማርና ኺጠቕመና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

15 ኤርምያስ ነቲ ተስፋ ኸም ዝቘረጸ ዝገለጸሉ ኣብ ኤርምያስ 20:14-18 እነንብቦ ቓላት፡ ንየሆዋ ብዛዕባ ምዝማርን ብዛዕባ ምውዳስን ኪዛረብ ደድሕሪ ምጽናሑ እዩ ኣውሲእዎ። (ኤርምያስ 20:12, 13 ኣንብብ።) ንስኻኸ ስምዒትካ ብቕልጡፍ እተቐያየሩሉ እዋን ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢልካ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሃንደበት ተስፋ ቘሪጽካ ትኸውን። ነቲ ኤርምያስ ዘሕለፎ ተመክሮ ብምምርማር፡ ኵላትና ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ከማና ንቡር ስምዒታት ከም ዝነበሮ ንጹር እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ፈጣሪና ኸም ኣፈኛ ገይሩ እተጠቕመሉ ሰብ ዝገበሮ ተግባራትን እተሰምዖ ስምዒታትን ብምምርማር፡ ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—2 ዜና 36:12, 21, 22፣ እዝ. 1:1።

16. ኤርምያስ፡ ሰበይትን ውሉድን ዘይነበሮ ምዃኑ፡ ኣቓልቦ መን ኪስሕብ ይኽእል፧

16 ገሊኦም ምስ ናይ ኤርምያስ ዚመሳሰል ኵነታት ከም ዘለዎም ኰይኑ ንኺስምዖም ዝደረኾም ካልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። እዚኸ እንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ንኤርምያስ፡ ንኸይምርዖ ብምኽልካል፡ ዘይተለምደን በዳህን መምርሒ ሂብዎ ነይሩ እዩ። (ኤርምያስ 16:2 ኣንብብ።) የሆዋ ንኤርምያስ ከይምርዖ መምርሒ ዝሃቦ ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ብኸመይ ጸለዎ፧ እዚ ኣብዚ ዛንታ ተገሊጹ ዘሎ ነገር፡ ምስ ኵነታት እቶም እንተ ብምርጫ ወይ ኵነታት ስለ ዘየፍቀደሎም ኪምርዓዉ ዘይከኣሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብኸመይ ይመሳሰል፧ ምርዑዋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሓስቡሉ ዚግባእ ኣምላኽ ንኤርምያስ ዝበሎ ነገር ኣሎዶ፧ ነቶም “ኣወዳትን ኣዋልድን” ዘይብሎም ሰብ ሓዳር ዚኸውን ትምህርቲ ኣሎዶ፧ ዛንታ ኤርምያስ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

17. ኣብ ኤርምያስ 38:20 ዚርከብ ቃላት እቲ ነብዪ፡ ብዛዕባ እንታይ ከም እንሓስብ እዩ ኺገብረና ዚኽእል፧

17 ሓደ እዋን፡ ኤርምያስ ነቲ ኣብ ይሁዳ ነጊሱ ዝነበረ ንጉስ፡ “ኪቐንዓካ ነፍስኻውን ብህይወት ክትነብርሲ፡ ኣብዛ ኣነ ዝብለካ ዘሎኹ ቓል ንድምጺ እግዚኣብሄር ደኣ ስማዕ” ኢሉ ተዛሪብዎ እዩ። (ኤር. 38:20) እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ነቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ብሉጽ መምርሒ ይዀነና እዩ። እዚ ድማ ነቲ ምስቶም ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ዘይጀመሩ፡ ግን ከኣ ክንሕግዞም እንኽእል ሰባት ዘሎና ርክብ እውን የጠቓልል እዩ። እቲ ኤርምያስ ምስቶም ንኣምላኽ ዚእዘዙ ሰባት ዝነበሮ ርክብ እውን፡ ንዓና ኣብነት ይዀነና እዩ። እወ፡ ካብ ኤርምያስ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና።

ካብዛ መጽሓፍ እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧

18, 19. ገለ ኻብቲ ንትንቢት ኤርምያስን ንድጕዓ ኤርምያስን ክንምርምረሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧

18 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ትንቢት ኤርምያስን ድጕዓ ኤርምያስን ንኽትምርምረንን ካብአን ንኽትመሃርን ክትሕግዘካ እያ። ብኸመይ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) እዘን ዝጠቐስናየን ክልተ መጻሕፍቲ እውን ኣብዚ ይጠቓለላ እየን።

19 ልክዕ እዩ፡ ኣብ ትንቢት ኤርምያስን ኣብ ድጕዓ ኤርምያስን እተመርኰሰ ጠቓሚ መጽናዕቲ ንምግባር፡ እተፈላለየ መገዲ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ድሕረ-ባይታ ወይ ትርጕም ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ እናመርመረ፡ በብጥቕሲ ኼጽንዐን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ኣብ ትንቢት ኤርምያስን ኣብ ድጕዓ ኤርምያስን እተጠቕሱ ሰባትን ፍጻመታትን ምስዚ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባትን ፍጻመታትን ኣብ ዚመሳሰሉሉ ወይ ዚነጻጸሩሉ መዳይ ኬተኵር ይኽእል እዩ። (ምስ ኤርምያስ 24:6, 7፣ 1 ቈረንቶስ 3:6 ኣረኣኢ።) ኣብ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታን ፍጻመታትን እዘን መጻሕፍቲ ዜተኵር መጽናዕቲ እውን ክንገብር ንኽእል ኢና። (ኤር. 39:1-9) ከም ሓቂ እኳ፡ ኣብዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ዚግበር ምርምር፡ ዓስቢ ዘለዎ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብእተወሰነ መዳይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ የድሊ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እታ “‘ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት’ ምግልጋል” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዋ ምዕራፍ 2 እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ንሓፈሻዊ ታሪኽ እቲ ኤርምያስ ዝነበረሉ እዋንን ኢድ ኣምላኽ ኣብቲ ታሪኽ ዝነበራ እጃምን ክትገልጸልና እያ።

20. ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ንትንቢት ኤርምያስን ንድጕዓ ኤርምያስን ብኸመይ ኢና ኽንምርምረን፧

20 ቀንዲ ዕላማ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ግን፡ ካብዚ እተፈልየ እዩ። ትንቢት ኤርምያስን ድጕዓ ኤርምያስን ንዓና ንክርስትያናት ኣብ ህይወትና ንምሕጋዝ፡ ካብ ኣምላኽ ከም እተዋህባና ውህበት ጌርና ኢና ኽንምርምረን። (ቲቶ. 2:12) እዘን ክልተ መጻሕፍቲ እዚኣተን፡ ‘ንትምህርቲ ዚጠቅም’ ኣኺሉ ዚተርፍ ሓበሬታ ኸም ዘለወን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኸነስተውዕል ኢና። ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ብድሆታት ብቑዓትን ድሉዋትን ኴንና ንኽንገጥመሉ፡ ግብራዊ ምዕዶን ኣብነታትን ሒዘናልና ኣለዋ። ንጽል፡ ምርዑዋት፡ ሽማግለታት፡ ፈለምቲ፡ ዓንገልቲ ገዛ፡ ኣንስቲ ሓዳር፡ ወይ ተመሃሮ ኻብዘን መጻሕፍቲ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ነፍሲ ወከፍና፡ ኣብዘን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ክልተ መጻሕፍቲ፡ ‘ንሰናይ ዘበለ ዜዳልወና’ ሓገዝ ክንረክብ ኢና።—2 ጢሞ. 3:17።

Picture on page 12

21. ነዚ ቐጺሉ ዘሎ መጽናዕቲ ብሃንቀውታ እትጽበዮ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧

21 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ክትጥቀመሉ እትኽእል ነጥብታት ኣናዲ። ትንቢት ኤርምያስን ድጕዓ ኤርምያስን ንሓቅነት እቲ ጳውሎስ፡ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” ኢሉ ዝጸሓፎ ቓላት ዜረጋግጻ ምዃነን ኣየጠራጥርን እዩ።—ሮሜ 15:4።

ካብ መጽናዕቲ ትንቢት ኤርምያስን ድጕዓ ኤርምያስን፡ ንመዓልታዊ ህይወትካ ዚጠቅም እንታይ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል፧

a ኣብ ሓያሎ ቛንቋታት፡ “ዕላል ጭንቂ” ወይ “ቍጥዓ ዝመልኦ ነዊሕ መደረ” ዝትርጕማ ምስ ኤርምያስ እትዛመድ ቃል ኣላ። ዘ ዋሽንግተን ፖስት እትበሃል ጋዜጣ፡ ንሓንቲ ብዛዕባ ኢኮሎጅያውን ለውጢ ዅነታት ኣየርን እትገልጽ ፊልም፡ በዛ ቓል እዚኣ ገሊጻታ ኣላ።

b ኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣንባቆምን ኦብድያን ዳንኤልን ህዝቅኤልን እውን ነብያት ኰይኖም የገልግሉ ነይሮም እዮም። የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ኣብ ዝዓነወትሉ እዋን፡ ኤርምያስ ን40 ዓመት ዚኣክል ኣገልጊሉ ነይሩ እዩ፡ ድሕሪኡ እውን ንልዕሊ 20 ዓመት ብህይወት ጸኒሑ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ