ምዕራፍ ሓሙሽተ
እንታይ ዓይነት ፈተውቲ ኢኻ እትመርጽ፧
1, 2. (ሀ) ክርስትያናት ኣብ ከባቢኦም ካብ ዘለዉ ሰባት እንታይ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞም፧ (ለ) እቲ ኤርምያስ ዝገበሮ ናይ ፈተውቲ ምርጫ ኼገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
መሳርሕትኻ፡ ጐረባብትኻ፡ ወይ መማህርትኻ ኣብ ዓውደ ዓመት፡ ምሳሕ እንተ ዓዲሞምኻ እንታይ ምገበርካ፧ ኣስራሒኻ ኽትሕስወሉ ወይ ዘይሕጋዊ ነገር ክትገብረሉ እንተ ሓቲቱካ፡ እንታይ ምገበርካ፧ ወይ ከኣ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንገለልትነትካ ኣብ ዜበላሹ ንጥፈታት ክትሳተፍ እንተ ሓቲቶምኻኸ፧ ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ዘይምስታፍካ፡ ላግጺ ወይ ዝበኣሰ ነገር ኬምጽኣልካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሕልናኻ ግን ኣብኡ ንኸይትሳተፍ ምኸልከለካ።
2 ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ኤርምያስ ብዙሕ ግዜ ተመሳሳሊ ብድሆታት የጋጥሞ ነበረ። ነብዪ ዀይኑ ኣብ ዘገልገለሉ ዓመታት፡ ምስኡ ርክብ ብዛዕባ ዝነበሮም ውልቀ-ሰባትን ጕጅለታትን ምምርማርካ፡ ብርግጽ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። ገሊኦም መዝነቱ ኸይፍጽም ኪዓናቕፍዎ ፈተኑ። ኤርምያስ ምሳታቶም እተወሰነ ርክብ እኳ እንተ ነበሮ፡ ፈተውቱ ኪዀኑ ግን ኣይመረጾምን። እንተዀነ ግን፡ ኣብቶም እሙን ንኪኸውን ዝደገፍዎን ዘተባብዕዎን ፈተውቱ ኪዀኑ ዝመረጾም ሰባት ብምትኳር፡ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እወ፡ ካብቲ ኤርምያስ ምስ ሰባት ኣብ ዝነበሮ ርክብ ዝገበሮ ውሳነ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና።
ምስ መን ኢኻ እትተዓራረኽ፧
3. ጼድቅያስ ካብ ኤርምያስ እንታይ እዩ ደልዩ ነይሩ፧ ኤርምያስከ እንታይ ምላሽ ሃቦ፧
3 ቅድሚ ዕንወት የሩሳሌም፡ ንጉስ ጼድቅያስ ካብ ኤርምያስ ብተደጋጋሚ ምኽሪ ሓቲቱ እዩ። ስለምንታይ፧ ብዛዕባ መጻኢ ንግስናኡ ዜተባብዕ መልሲ ኺረክብ ይደሊ ስለ ዝነበረ እዩ። ኣምላኽ ጣልቃ ኣትዩ ንይሁዳ ኻብ ጸላእታ ኸም ዜድሕና፡ ካብ ኤርምያስ ኪሰምዕ ይደሊ ነበረ። ጼድቅያስ ብልኡኻቱ ኣቢሉ ንኤርምያስ፡ “ናቡከድናጾር ንጉስ ባቢሎን፡ ኪዋግኣና ይብል አሎ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኵሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዚመልሶ እንተ ዀነስ፡ እስከ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና” ኢሉ ለመኖ። (ኤር. 21:2) ነቲ ንባቢሎን ኢዱ ኺህብ ካብ ኣምላኽ እተዋህቦ መምርሒ ኺስዕብ ኣይደለየን። ሓደ ምሁር ንጼድቅያስ ምስ “ሓደ መረጋገጺ ደልዩ ናብ ሓኪም ደጋጊሙ ዚመላለስ፡ ግን ከኣ እተኣዘዘሉ መድሃኒት ኪወስድ ፍቓደኛ ዘይኰነ ሕሙም” ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ኤርምያስ ግን እንታይ እዩ ገይሩ፧ ንጼድቅያስ፡ ነቲ ኺሰምዖ ዚደልዮ ነገር ብምንጋር፡ ኪፍቶ ምኸኣለ ነይሩ። ስለምንታይ ደኣሉ መልእኽቱ ብምቕያር፡ ካብ ሽግር ኬምልጥ ዘይፈተነ፧ ከምኡ ምግባር ዝኣበየ፡ የሩሳሌም ከም እትወድቕ ንኺእውጅ የሆዋ ስለ ዝነገሮ እዩ።—ኤርምያስ 32:1-5 ኣንብብ።
4. ምስ መሳርሕትናን ምስ ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉ ሰባትን ዕርክነት ብዛዕባ ምምስራት፡ እንታይ ውሳነታት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
4 ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ኵነታትካ ምስ ናይ ኤርምያስ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ምስ ጐረባብትኻ፡ መሳርሕትኻ፡ ወይ መማህርትኻ ርክብ ከም ዘሎካ ኣየጠራጥርን እዩ፣ ስለዚ፡ እዚኣቶም ብጾትካ ኺበሃሉ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግን፡ መምርሒ ኣምላኽ ኪሰምዑ ወይ ኪስዕቡ ኸም ዘይደልዩ እናኣርኣዩ ኽነሶም፡ ምሳታቶም ዕርክነት ክትምስርት ትፍትን ዲኻ፧ ኤርምያስ ንጼድቅያስ ምሉእ ብምሉእ ኬርሕቖ ኣይክእልን እዩ ነይሩ፣ ጼድቅያስ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ምኽሪ ምስዓብ ይኣቢ እኳ እንተ ነበረ፡ ገና ግን ንጉስ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ ኤርምያስ ምስቲ ግጉይ ኣተሓሳስባ እቲ ንጉስ ኪሰማማዕ ወይ ብእኡ ኺፍቶ ግዴታ ኣይነበሮን። ነቲ ንጉስ ዝደለዮ እንተ ዚገብረሉ ነይሩ፡ ካብኡ ብዙሕ ህያባትን ጥቕምታትን ምረኸበ። እንተዀነ ግን፡ በቲ ምስ ጼድቅያስ ንኺቀራረብ እተገብረሉ ጸቕጢ ዀነ በቲ ዘጋጠሞ ፈተና ኣይተምበርክኸን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኤርምያስ ነቲ የሆዋ ዝነገሮ መትከል ኪቕይር ፍቓደኛ ኣይነበረን። ካብዚ ኤርምያስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ እቶም ፈተውትና ኪዀኑ እንመርጾም ሰባት ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን ዜተባብዑና እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም፡ ክንምርምር ከም ዘሎና ንመሃር። ምስቶም ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ወይ ኣብ ከባቢኻ እትረኽቦም ንኣምላኽ ዘየገልግሉ ሰባት ዘሎካ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ኣይትኽእልን ኢኻ። (1 ቈረ. 5:9, 10) ይኹን እምበር፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ፈተውትኻ ኪዀኑ እንተ መሪጽካ፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ኣብ ሓደጋ ተእትዎ ኸም ዘለኻ ኸተስተውዕል ኣሎካ።
ምስ ነቐፍቲ ኽትተዓራረኽ ግቡእ ድዩ፧
5, 6. ገሊኦም ንኤርምያስ ስቕ ኬብልዎ ኢሎም እንታይ እዮም ገይሮም፧
5 ንኤርምያስ ኣሉታዊ ጽልዋ ኺገብረሉ ዝፈተነ፡ ጼድቅያስ ጥራይ ኣይነበረን። ጳሽሑር ዚበሃል ካህን ንኤርምያስ “ወቕዖ፣” ምናልባት ከኣ 39 ገሪፍዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኤር. 20:2፣ ዘዳ. 25:3) ገሊኦም መሳፍንቲ ኣይሁድ እውን ተመሳሳሊ ነገር ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ “ቤት ማእሰርቲ” ኣሰርዎ። ኤርምያስ ኣብ ጸልማት ዝወረሶ ጕድጓድ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝነበረ፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ኸይመውት ፈሪሁ ነበረ። (ኤርምያስ 37:3, 15, 16 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ ንእተወሰነ እዋን ተፈቲሑ ምስ ጸንሐ፡ ካልኦት መሳፍንቲ ንጼድቅያስ፡ “ኣቕትሎ” ኢሎም ተማሕጸንዎ። ንሳቶም ንኤርምያስ፡ ንሰራዊት ይሁዳ ኸም ዜጃጁ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ምእንቲ ኺመውት፡ ናብ ጭቃ ጥራይ ዘለዎ ዔላ ተደርበየ። (ኤር. 38:1-4) ኤርምያስ ካብቲ ዜስካሕክሕ ኣማውታ ኸም ዘምለጠ ኣንቢብካ ኢኻ። ኰይኑ ግን፡ እቶም ለባማት ኪዀኑ ትጽቢት ዚግበረሎም ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ ነብዪ ኣምላኽ እተዛረቦ ዘረባ ነቐፍቲ ኸም ዝዀኑን ከም እተጻረርዎን የርእየና።
6 ይኹን እምበር፡ ሰበ-ስልጣን ጥራይ ኣይኰኑን ጸላእቲ ኤርምያስ ዝነበሩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ገሊኦም ሰብ ኣናቶት ምንባይ እንተ ዘየቋሪጹ ኸም ዚቐትልዎ ኣጕባዕብዑሉ፣ ኤርምያስ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ስለ ዝዓበየ፡ ነዞም ሰብ ኣናቶት ጐረባብቱ ኽንብሎም ንኽእል ኢና። (ኤር. 11:21) ዘረባኡ ስለ ዘይፈተውዎ፡ ኣፈራርህዎ። ኤርምያስ ግን ንጐረባብቱ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እዩ ዓርኩ ኪኸውን መሪጽዎ። ካልኦት ኣብቲ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ቃላት ሓሊፎም፡ ስጕምቲ ኺወስዱ ፈተኑ። ኤርምያስ ንኣይሁድ ክሳውዶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን እንተ ኣእትዮም፡ ብህይወት ከም ዚነብሩ ንምሕባር ኣርዑት ምስ ገበረ፡ ሃናንያ ነቲ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ኣርዑት ካብ ክሳድ ኤርምያስ ወሲዱ ሰባበሮ። እቲ ናይ ሓሶት ነብዪ፡ የሆዋ፡ “ነቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ሰቢረዮ እየ” ኸም ዝበለ ገይሩ ተዛረበ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሃናንያ በታ ዓመት እቲኣ ሞተ፣ ኣየናይ ነብዪ እሙን ምዃኑ ድማ ተረጋገጸ። (ኤር. 28:1-11, 17) ከምቲ ኤርምያስ እተነበዮ የሩሳሌም ምስ ዓነወት፡ ዮሃናንን ካልኦት ሓላቑ ሰራዊትን ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺጸንሑ እተዋህቦም ትእዛዝ ኣምላኽ ምስማዕ ኣበዩ። ንኤርምያስ፡ “ኣታ፡ ሓሶት ተዛረብካ፡ . . . ኣምላኽናስ፤ ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብጺ ኣይትግዐዙ በሎም፡ ኢሉ ኣይለአኸካን” በልዎ። እዚ ኸይኣኽሎም፡ ንኤርምያስን ንባሩኽን ሒዞምዎም ናብ ግብጺ ብምኻድ፡ ንየሆዋ ተዳፈርዎ።—ኤር. 42:1–43:7።
ኤርምያስ ምስ እንታይ ዓይነት ሰባት እዩ ርክብ ነይርዎ፧ ካብ ኣብነት ኤርምያስ እንታይ ትመሃር፧
7. ንየሆዋ ምስ ዘሎካ ተኣማንነት ዚተኣሳሰር እንታይ ብድሆ እዩ ዜጋጥመካ፧
7 ኤርምያስ ንሓያሎ ዓመታት ብነቐፍትን ብተጻረርትን እዩ ተኸቢቡ ነይሩ። ነዚ እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ነቶም ንኣምላኽ ኰነ ንቓሉ ኣኽብሮት ዘይብሎም ሰባት ብቐሊሉ ፈተውቱ ኺገብሮም ይኽእል ነይሩ እዩ። ብኣታቶም እዩ ተኸቢቡ ነይሩ። ንስኻ እውን ነቶም ንኤርምያስ ከቢቦምዎ ዝነበሩ ምስ ዚመስሉ ሰባት እተወሰነ ርክብ ይህልወካ ይኸውን። ንዓኻን ንኣምላኽካን ኣምሪሮም ዚጻረሩ ይኹኑ ወይ ባህ ዜብሉ ሰባት ይምሰሉ ብዘየገድስ፡ ፈተውትኻ ኪዀኑ ትመርጾም ዲኻ፧ ንትንቢታት ኣምላኽ ኣርዚኖም ምስ ዘይርእይዎ ሰባት ምቅርራብ ጥበባዊ ድዩ፧ ኤርምያስ ኣብ ቦታኻ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ነቶም ብኣነባብራኦም ንሓቂ ቓል ኣምላኽ ዚኽሕዱ ወይ ኣብ ሰብ ዚውከሉ ሰባት ፈተውቱ ምገበሮምዶ፧ (2 ዜና 19:2) ኣብ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰብ ምውካል ዜስዕቦ ሳዕቤን፡ ኣምላኽ ንኤርምያስ ንጹር ገይሩሉ እዩ። (ኤርምያስ 17:5, 6 ኣንብብ።) ብዛዕባ እዚ ኸመይ ይስምዓካ፧
8. ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ክርስትያናት ዜጋጥሞም ብድሆታት ግለጽ።
8 ገሊኦም ክርስትያናት ምስ ዓለማውያን ዓማዊሎም ግዜ ምሕላፍ፡ ንንግዶም ወይ ንስራሖም ኪጠቕሞም ከም ዚኽእል ተሰሚዕዎም እዩ። ነዚ መገዲ እዚ ምስዓብ ግን፡ ንክርስትያናት ናብ ከም ብዕሉግ ዘረባ ወይ ምብዛሕ መስተ ዝኣመሰለ ሕማቕ ጽልዋታትን ሓደጋታትን ኬቃልዖም ይኽእልዶ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ውሳነ ኺገብሩ ዘድልዮም ብዙሓት ክርስትያናት፡ ብዓይኒ ዓለም መኽሰብ ወይ ናይ ስራሕ ዕቤት እኳ እንተ ኣምለጦም፡ ሕማቕ ጽልዋ ኻብ ዘለዎም ሰባት ኪርሕቁ ግን ወሲኖም እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣስራሒ ወይ መሳርሕቲ ንዓማዊል የታልሉ ይዀኑ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን በቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት ኣይጽለዉን እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ውሳነታት ምግባር ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ከም ኤርምያስ ዝኣመሰሉ ሰናይ ሕልና ሒዞም ንኺመላለሱ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንኺህልዎም ዜኽእሎም ውሳነታት ካብ ዝገበሩ ኣብነታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና።
9. ብብዙሓት ክትፍቶ ምድላይ፡ እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧
9 ኤርምያስ ብምኽንያት እቲ ዝነበሮ መትከልን እምነትን፡ በቶም ሰብ ይሁዳ መላገጺ ዀይኑ ነበረ። (ኤር. 18:18) ኰይኑ ግን፡ ካብቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት እተፈልየ ኪኸውን ፍቓደኛ ነበረ። (ኤር. 8:5, 6) ሓድሓደ ግዜ፡ ‘በይኑ ይቕመጥ’ ነበረ። ምስ ዘይጠቕምዎ ሰባት ግዜ ኻብ ምሕላፍ፡ ምስቶም ኣሉታዊ ጽልዋ ኺገብሩሉ ዚኽእሉ ሰባት ድማ ካብ ምትዕርራኽ፡ ከምኡ ምግባር መረጸ። (ኤርምያስ 9:4, 5፣ 15:17 ኣንብብ።) ንስኻኸ፧ ሎሚ፡ ከምቲ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበረ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንኣምላኽ እሙናት ኣይኰኑን። ኣገልገልቲ የሆዋ ንፈተውቶም ተጠንቂቖም ኪመርጹ ኣለዎም። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ኤርምያስ ፈተውቲ ኣይነበርዎን ማለት ኣይኰነን። ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ተኸላኺሎምሉን ደጊፎምዎን እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም እንመን እዮም ነይሮም፧ ንዓታቶም ምፍላጥካ፡ ብዙሕ ኪሕግዘካ እዩ።
ኤርምያስ እንታይ ዓይነት ኣዕሩኽ እዩ መሪጹ፧
10, 11. (ሀ) ኤርምያስ ኣብ ምንታይ ስርዓታት ተመርኲሱ እዩ ፈተውቱ ዚመርጽ ነይሩ፧ (ለ) ፈተውቲ ኤርምያስ እንመን እዮም ነይሮም፧ ብዛዕባኦምከ እንታይ ሕቶታት እዩ ዚለዓል፧
10 ኤርምያስ ምስ መን እዩ ተዓራሪኹ፧ ካብ የሆዋ ብእተዋህቦ መምርሒ፡ ንእኩያትን መታለልትን ገፋዕትን ዓመጸኛታትን ሕሱማትን ርኹሳትን፡ ኰታስ ነቶም ንንጹህ ኣምልኾ ሓዲጎም ናብ ኣምልኾ ጣኦት ብምኻድ፡ መንፈሳዊ ምንዝር ዚፍጽሙ ዝነበሩ ሰባት ብተደጋጋሚ ይዅንኖም ነበረ። ንሰብ ይሁዳ፡ “ነፍሲ ወከፍ ካብ መገዲ እከዩ ይመለስ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ከኣ ኣጠቅዉ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ኤር. 18:11) የሩሳሌም ምስ ዓነወት እውን ከይተረፈ፡ ‘ምሕረትን ጸጋን ተኣማንነትን’ ኣምላኽ ወዲሱ እዩ። (ድጕ. 3:22-24) ኤርምያስ ምስቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ጥራይ እዩ ኺተዓራረኽ ዚደሊ ነይሩ።—ኤርምያስ 17:7 ኣንብብ።
11 ብዛዕባ ገለ ኻብቶም ኤርምያስ ፈተውቱ ወይ ኣዕሩኹ ኪዀኑ ዝመረጾም ሰባት ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ከም እኒ ዔቤድ-ሜሌክ፡ ባሩኽ፡ ሰራያ፡ ደቂ ሻፋን ዝኣመሰሉ ሰባት ብንጹር ደገፍቱ እዮም ነይሮም። ‘እዞም ሰባት እዚኣቶም ከመይ ዝበሉ እዮም ነይሮም፧ ምስ ኤርምያስ እንታይ ርክብ ነበሮም፧ ብኸመይ እዮም ፈተውቱ ምዃኖም ኣርእዮም፧ ኤርምያስ ንጽህናኡ ንኺሕሉ ዝደገፍዎኸ ብኸመይ እዮም፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ንዅነታትና ኣብ ልብና ሒዝና፡ ነዚ ሕቶታት እስከ ንመርምሮ።
12. (ሀ) ኣብ ገጽ 58 ተሳኢሎም ዘለዉ ኤርምያስን ባሩኽን እንታይ ሓባራዊ ነገር እዩ ነይርዎም፧ (ለ) ሰራያ መን እዩ ነይሩ፧ ብዛዕባኡኸ እንታይ ንፈልጥ፧
12 ናይ ቀረባ ዓርኪ ኤርምያስ፡ ባሩኽ ወዲ ኔርያ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ኤርምያስ ንባሩኽ፡ ነቲ የሆዋ እተዛረቦ ቓላት ንኺጽሕፍ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣብ ቅድሚ መሳፍንቲ ይሁዳን ከይዱ ኸኣ ንኼንብበሎም ብምትእምማን ሓላፍነት ሂብዎ እዩ። (ኤር. 36:4-8, 14, 15) ባሩኽ ከም ኤርምያስ፡ እቲ ኣምላኽ እተነበዮ ነገር ከም ዚፍጸም እምነት ነበሮ። ኣብተን ኣብ ይሁዳ ጥፍኣት ቅድሚ ምምጻኡ ዝነበራ ህውከት ዝመልአን 18 ዓመታት፡ ክልቲኦም ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣሕሊፎም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜኦም ኣብቲ እተዋህቦም መንፈሳዊ ዕዮ ብሓባር እዮም ኣሕሊፎምዎ። ክልቲኦም ጸገማት ኣሕሊፎም እዮም፣ ካብ ጸላእቶም ኪሕብኡ እውን ኣድልይዎም እዩ። ክልቲኦም ድማ ካብ የሆዋ ብሕታዊ መተባብዒ ተዋሂብዎም እዩ። ባሩኽ ኣብ ይሁዳ ኻብ ዝነበሩ ምርኡያት ጸሓፍቲ ዝዀኑ ስድራ ቤት እተወልደ እዩ ዚመስል። ቅዱሳት ጽሑፋት ንባሩኽ፡ “እቲ ጸሓፊ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ፣ ሓዉ ሰራያ እውን ክቡር ብዓል ስልጣን መንግስቲ እዩ ነይሩ። ጸኒሑ፡ ሰራያ ኸም ባሩኽ፡ ምስ ኤርምያስ ሓቢሩ ትንቢት የሆዋ ኣብ ምብጻሕ ዓዪዩ እዩ። (ኤር. 36:32፣ 51:59-64) እዞም ክልተ ደቂ ኔርያ እዚኣቶም፡ ኣብ ጽንኩር ግዜያት ምስ ኤርምያስ ሓቢሮም ንምዕያይ ዘርኣይዎ ፍቓደኛነት፡ ነቲ ነብዪ ኣበራቲዕዎን ኣተባቢዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። ንስኻ እውን በቶም ኣብ ጐድንኻ ዀይኖም ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜገልግሉ ሰባት፡ ክትበራታዕን ክትተባባዕን ትኽእል ኢኻ።
ካብቲ ኤርምያስ ዝገበሮ ናይ ፈተውቲ ምርጫ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧
13. ኣብ ገጽ 63 ተሳኢሉ ኸም ዘሎ፡ ዔቤድ-ሜሌክ ፈታው ኤርምያስ ምዃኑ ብኸመይ ኣርኣየ፧
13 ንኤርምያስ ፍሉይ ደገፍ ዝገበረሉ ኻልእ ሰብ ከኣ፡ ዔቤድ-ሜሌክ እዩ ነይሩ። እተቘጥዑ መሳፍንቲ ንኤርምያስ ምእንቲ ኺመውት ኢሎም ናብ ጥራዩ ዔላ ምስ ደርበይዎ፡ እቲ ንኼድሕኖ ኢሉ ደፊሩ ስጕምቲ ዝወሰደ፡ እቲ መጻእተኛ ዝነበረ ዔቤድ-ሜሌክ እቲ ኢትዮጵያዊ እዩ ነይሩ። ዔቤድ-ሜሌክ ስሉብ፡ ማለት ኣብ ቤት ንጉስ ዜገልግል ብዓል-ስልጣን እዩ ነይሩ። ብግህዶ ናብቲ ኣብ ኣፍ ደገ ብንያም ተቐሚጡ ዝነበረ ጼድቅያስ ቀረበ። ንኤርምያስ ካብቲ ጭቃ ዝመልኦ ዔላ ንኼውጽኦ ድማ ብትብዓት ፍቓድ ሓተተ። ነቲ ዕዮ እቲ ንምፍጻም፡ ምስኡ 30 ሰብኡት ተማልአ፣ እዚ ኸኣ ካብቶም ጸላእቲ ኤርምያስ ቃልሲ ኼጋጥሞ ትጽቢት ገይሩ ምንባሩ እዩ ዚእምት። (ኤር. 38:7-13) ዔቤድ-ሜሌክ ምስ ኤርምያስ ክሳዕ ክንደይ ርክብ ከም ዝነበሮ ኣይንፈልጥን ኢና። ካብቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ዕርክነት ብምብጋስ ግን፡ ክልቲኦም ኣዕሩኽ ከም ዝነበሩ ኽንግምት ንኽእል ኢና። ዔቤድ-ሜሌክ፡ ኤርምያስ ነብዪ የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ነቲ እቶም መሳፍንቲ ዝገበርዎ ተግባር “እከይ” ኢሉ ኣብ ርእሲ ምጽዋዑ፡ ቅኑዕ ዘበለ ንኺገብር ኢሉ ስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ንምእታው እውን ፍቓደኛ ነበረ። እወ፡ ዔቤድ-ሜሌክ ቅኑዕ ዚገብር ሰብ እዩ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ የሆዋ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ [ማለት በታ ኣብ የሩሳሌም መዓት ዚወርደላ መዓልቲ] ኸናግፈካ እየ” በሎ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኢልዎ፧ ባዕሉ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣባይ ስለ እተወከልካ” በሎ። (ኤርምያስ 39:15-18 ኣንብብ።) እዚ፡ ቀሊል ናእዳ ኣይኰነን። ንስኻኸ ኸምዚ ዓይነት ፈታዊ ደይኰንካን እትደሊ፧
14. ብዛዕባ እንዳ ሻፋንን ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርምያስ ዝነበሮም ርክብን እንታይ ኢና እንፈልጥ፧
14 ሰለስተ ደቂ ሻፋንን ሓደ ወዲ ወዱ ንሻፋንን እውን፡ ፈተውቲ ኤርምያስ እዮም ነይሮም። ሻፋን ኣቐዲሙ ጸሓፊ ንጉስ ዮስያስ ኰይኑ ስለ ዘገልገለ፡ እንዳ ሻፋን ኣኽቢርካ ዚረኣዩ እዮም ነይሮም። ጸላእቲ ኤርምያስ ንመጀመርታ ግዜ ንኤርምያስ ኪቐትልዎ ምስ ደለዩ፡ “ኣብ ኢድ እቲ ህዝቢ ኣሕሊፎም ከይህብዎ . . . ኢድ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን ምስኡ ነበረት።” (ኤር. 26:24) ኣሂቃም፡ ገማርያ ዚበሃል ሓው ነበሮ። ባሩኽ ንፍርድታት ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምስ ኣንበበ፡ ሚካያ ወዲ ገማርያ ሰሚዑ፡ ንኣቦኡን ንኻልኦት መሳፍንትን ነገሮም። ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ዮኣቂም ኪወስዶ ዚኽእል ስጕምቲ ስለ ዘተሓሳሰቦም፡ ንኤርምያስን ንባሩኽን ኪሕብኡ ነገርዎም። እቲ ንጉስ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ ምስ ነጸጎ፡ ገማርያ ሓደ ኻብቶም ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ከየንድዳ ዝለመንዎ ሰባት እዩ ነይሩ። (ኤር. 36:9-25) ኤርምያስ ናብቶም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን እተወስዱ ኣይሁድ እተላእከት ትንቢታዊት ደብዳበ፡ ብኢድ ኤልዓሳ ወዲ ሻፋን ገይሩ እዩ ልኢኽዋ። (ኤር. 29:1-3) ስለዚ፡ ሰለስተ ደቂ ሻፋንን ሓደ ወዲ ወዱ ንሻፋንን ንነብዪ ኣምላኽ ደጊፎምዎ እዮም። ኤርምያስ ነዚኣቶም ብዙሕ የማስዎም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መንጎኦም ዕርክነት ነይሩ እዩ፣ ከምኡ ዝዀነ ግን ተመሳሳሊ ምግቢ ወይ መስተ ይፈትዉ ስለ ዝነበሩ፡ ወይ ከኣ ተመሳሳሊ መዘናግዒ ወይ መሕለፍ ግዜ ይፈትዉ ስለ ዝነበሩ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ዕርክነቶም ኣብ ዝዓበየ ነገር እዩ ተሰሪቱ ነይሩ።
ፈተውትኻ ብጥበብ ምረጽ
15. ኤርምያስ ፈተውቲ ብምምራጽ ዝመጸ፡ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧
15 ካብቲ ኤርምያስ ምስቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ዝነበሮ ሕማቕ ኰነ ጽቡቕ ርክብ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። እቲ ንጉስን ብዙሓት መሳፍንትን ናይ ሓሶት ነብያትን ሓላቑ ሰራዊትን መልእኽቱ ንኪቕይር ጸቕጢ ይገብሩሉ ነይሮም እዮም። ኤርምያስ ግን ኣይተለማለመን። መትከሉ በዞም ሰባት እዚኣቶም ዘይፍተወሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግን ምሳታቶም ኪተዓራረኽ ኣይደለየን። ልዕሊ ዅሉ ዚቐርቦ ዓርኩ፡ የሆዋ እዩ ነይሩ። ንኣምላኽ እሙን ብምዃኑ ብገሊኦም ከም ዚጽላእ ዚገብሮ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ መስዋእቲ እዚ ኪኸፍል ፍቓደኛ ነበረ። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:52-59 ኣንብብ።) ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ግን፡ ኣብቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበሮ ቘራጽነት፡ ኣብ ጐድኑ ዝቘሙ ሰባት ነይሮም እዮም።
16, 17. (ሀ) ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ኻብ ናይ ሓቂ ፈተውቱ እንታይ ሓገዝ እዩ ኺረክብ ዚኽእል፧ (ለ) ኣብ ዝዀነ ይኹን ሃገር ንበር ብዘየገድስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ብሉጻት ፈተውቲ ኽትረክብ እትኽእል፧
16 ዔቤድ-ሜሌክ፡ ፈታዊ ኤርምያስ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ኣብ የሆዋ እምነትን ትውክልትን ስለ ዝነበሮ እዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንህይወት ኤርምያስ ንምድሓን ወሳኒ ስጕምቲ ንምውሳድ ዜድልዮ ትብዓት ነበሮ። ባሩኽ ከኣ ብፍታው ብዙሕ ግዜ ምስ ኤርምያስ ኣሕለፈ፡ ንኤርምያስ ድማ መልእኽቲ የሆዋ ንኼብጽሕ ሓገዞ። ሎሚ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ፈተውቲ እውን፡ ከምዞም ሰብኡት እዚኣቶም ኣኽቢርካ ዚረኣዩ እዮም። ጓል 20 ዓመት ዝዀነት ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና እተገልግል ካሜሮን፡ ነቲ ካራ እትበሃል ካልእ ፈላሚት ኣብኣ ዘሕደረቶ ጽልዋ ተማስወሉ እያ። ካሜሮን ከምዚ በለት፦ “ካራ ብኣብነታን ብቓላታን ገይራ ንየሆዋ ኣብ ህይወተይ ቀዳማይ ቦታ ኽህቦ ኣተባቢዓትኒ እያ።” እዘን ክልተ ኣሓት ዚነብራሉ ቦታ እተረሓሓቐ እኳ እንተ ነበረ፡ ካራ ንካሜሮን ከመይ ከም ዘላ ንኽትሓታን ንኸተተባብዓን ኢላ ኣዘውቲራ ትድውለላ ወይ ትጽሕፈላ ነበረት። ካሜሮን ከምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ብዛዕባ ዅነታት ስድራ ቤተይ ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ እያ። ሓብተይ ከመይ ከም ዘላን ዓላዊት ኰይና ሓቂ ምግዳፋ ንዓይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚኸብደንን ትፈልጥ ነይራ እያ። እዚ ዅሉ ኸሕልፍ ከለኹ፡ ካብ ጐድነይ ኣይተፈልየትን፣ ብዘይ ናታ ኣወንታዊ ጽልዋን ሓገዝን እንታይ ከም ዝገብር ኣይምፈለጥኩን ነይረ። ብዙሕ እያ ደጊፋትኒ።”
17 ንስኻ እውን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ዕድሚኦም ብዘየገድስ፡ ዚጠቕሙኻ ኣዕሩኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣሕዋትካን ኣሓትካን ከም ናትካ ዓይነት እምነትን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ፍቕሪ ንየሆዋን ተስፋን ኣለዎም፣ ከምቲ እተሕልፎ ዓይነት ፈተናታት እውን የሕልፉ ይዀኑ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣብ ጐድኖም ኴንካ ኽትዓዪ ትኽእል ኢኻ። ጸገማት ከተሕልፍ ከለኻ፡ ኬተባብዑኻ ይኽእሉ እዮም፣ ንስኻ እውን ብግዴኻ ኸምኡ ኽትገብረሎም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ጽቡቕ ግዜ ኸተሕልፍ ከለኻ፡ ምሳኻ ሓቢሮም ይሕጐሱ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ እዚ ዕርክነት እዚ ንሓዋሩ ኪቕጽል ይኽእል እዩ።—ምሳ. 17:17፣ 18:24፣ 27:9።
18. ካብቲ ኤርምያስ ዝገበሮ ናይ ፈተውቲ ምርጫ እንታይ ተማሂርካ፧
18 ካብቲ ኤርምያስ ዝገበሮ ናይ ፈተውቲ ምርጫ እንረኽቦ ትምህርቲ ንጹር እዩ። ነዚ ዘይከሓድ ሓቂ ኣብ ልብኻ ሓዞ፦ ምስቶም ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኣምኑሉ ሰባት እናተቐራረብካ፡ ኣብ እምነትካ ኸይተለማለምካ ኽትቅጽል ኣይትኽእልን ኢኻ። ምስዚ ሓቂ እዚ ተሰማሚዕካ ምንባር፡ ከምቲ ብግዜ ኤርምያስ ኣገዳሲ ዝነበረ፡ ሕጂ እውን ኣገዳሲ እዩ። ኤርምያስ መዝነቱ ብተኣማንነት ንምፍጻምን በረኸት የሆዋ ንምርካብን፡ ካብ መብዛሕትኦም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት እተፈልየ ኪኸውን ፍቓደኛ ነበረ። ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ደይኰነን ዘሎካ፧ ኤርምያስ ምስቶም ከም ናቱ ዓይነት እምነት ዝነበሮምን መዝነቱ ንምፍጻም ዚድግፍዎ ዝነበሩን ሰባት እዩ ዚቀራረብ ነይሩ። እወ፡ ሎሚ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ እሙን ክርስትያን፡ ፈተውቱ ተጠንቂቑ ብምምራጽ ዝመጸ፡ ካብ ኤርምያስ ኪመሃር ይኽእል እዩ።—ምሳ. 13:20፣ 22:17።
ፈተውትኻ ኽትመርጽ ከለኻ፡ ነቲ ኤርምያስ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ትኽእል፧