ምዕራፍ ሸውዓተ
‘ንዝጸምኤት ነፍሲ ኸርውያ እየ’
1. ምናዳ ነየናይ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ በረኸት ኢኻ ብሃንቀውታ ትጽበ ዘለኻ፧
“ሓዳስ ዓለም።” ነዘን ቃላት እዚኣተን ክትሰምዕ ከለኻ፡ ብዛዕባ ገሊኡ ኻብቲ ብትንቢት እተነግረ ስጋዊ በረኸትዶ ትሓስብ ኢኻ፧ ምናልባት ብዛዕባ ፍጹም ሰብነት፡ ኣኺሉ ዚተርፍ ንጥዕና ዚጠቅም ምግቢ፡ ሰላማውያን እንስሳታት፡ ወይ ውሑስ ኣባይቲ ትሓስብ ትኸውን። እዚ ትጽቢታት እዚ እተመርኰሰሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት ክትጠቅስ ከም እትኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። መንፈሳውን ስምዒታውን ጥዕና ኸም ዚርከብ ግን ኣይትረስዕ። ብዘይ ብእኡ፡ ኵሉ ኻልእ እንረኽቦ ሓጐስ ምሃሰሰ ነይሩ።
2, 3. ጽሑፋት ኤርምያስ እንታይ ፍሉይ በረኸት ክንጽበ እዩ ዚሕግዘና፧
2 ኣምላኽ ንኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ዚምለሱሉ እዋን ኣብ ዝሃቦ ትንቢት፡ ሽዑ ኸመይ ከም ዚስምዖም ኪገልጽ ከሎ፡ “ከም ብሓድሽ ድማ ብኸበሮ ኣጋይጽኪ፡ ብሳዕሳዒት ሕጉሳት ክትወጺ ኢኺ” በለ። (ኤርምያስ 30:18, 19፣ 31:4, 12-14 ኣንብብ።) ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ንዝጸምኤት ነፍሲ ኸርውያ፡ ንዝቓሕተወት ዘበለት ነፍሲ ድማ ከጽግባ እየ” ብምባል፡ ንዓኻ እውን ዚትንክፈካ ነገር ገሊጹ ኣሎ። ትርጕም 1990 ነዚ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ፡ “ንዝጸምኡ ኸርውዮም፥ ብጥሜት ንዝቓሕተዉ ኸኣ ኸጽግቦም እየ” ብዚብል ቃላት ኣስፊርዎ ኣሎ።—ኤር. 31:25።
3 እዝስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ! የሆዋ ነቶም ብጽምኢ ዝደኸሙ ወይ ተስፋ ዝቘረጹ ኸም ዜርውዮም እዩ ተዛሪቡ። መብጽዓታቱ ኸኣ ከይፈጸመ ኣይተርፍን እዩ። ጽሑፋት ኤርምያስ፡ ንሕና እውን ከም እንረዊ ንኽንተኣማመን የኽእለና። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ሕጂ እውን ከይተረፈ ብኸመይ ክንተባባዕን ኣወንታውያን ክንከውንን ከም እንኽእል ምስትውዓል ይህበና። ብዘይካዚ፡ ንኻልኦት ሰባት፡ ንዝጸምአት ነፍሶም ኬርውዩ ብምሕጋዝ ከነተባብዓሉ እንኽእል ግብራዊ መገዲ ይገልጸልና።
4. ንኤርምያስ ዚስምዖ ዝነበረ ስምዒታት ክንርድኦ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
4 እቲ መብጽዓ እቲ፡ ንኤርምያስ ኣጸናኒዕዎ እዩ፣ ንዓና እውን ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ኣብ ምዕራፍ 1 እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኤርምያስ እውን ከም ኤልያስ፡ “ከማና ዝድኻሙ ሰብ” ምንባሩ ገሊጽና ኸም ዝነበረና ትዝክሮ ትኸውን። (ያእ. 5:17) ሓድሓደ ግዜ፡ ኤርምያስ ተስፋ ዝቘረጸሉ ወይ ብእተወሰነ ሕልናኡ ዘዕረበሉ ገለ ምኽንያታት እሞ ሕሰብ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ከመይ ከም ዚስምዓካን እቲ ዅነታት እቲ ስለምንታይ ከም ዜጕህየካን ሕሰብ።—ሮሜ 15:4።
5. ንኤርምያስ ተስፋ ኸም ዚቘርጽ ዝገበሮ፡ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
5 ገለ ኻብቲ ንኤርምያስ ተስፋ ዜቝርጾ ዝነበረ ምኽንያታት፡ ካብ ዓዱ ዝነቐለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኤርምያስ ኣብ ኣናቶት እዩ ዓብዩ። ኣናቶት ካብ የሩሳሌም ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሸነኽ ሒደት ኪሎ ሜተራት ፍንትት ኢላ እትርከብ ከተማ እያ። ነብዪ ኤርምያስ ኣብታ ኸተማ ምስ ገሊኦም ይፋለጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፡ ምናልባት እውን ኣዝማድ ነይሮምዎ ይዀኑ። የሱስ ጸኒሑ፡ ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር ገሊጹ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ኤርምያስ ተራእዩ እዩ። (ዮሃ. 4:44) እቶም ደቂ እታ ኸተማ ብዛዕባ ኤርምያስ ቅጭጭ ዘይብሎም ወይ ኣኽብሮት ዘይብሎም ጥራይ ኣይኰኑን ነይሮም። ኣብ ሓደ እዋን፡ ‘ሰብ ኣናቶት፡ ነፍሲ ኤርምያስ ይደልዩ’ ኸም ዝነበሩ ኣምላኽ ገሊጹ ኣሎ። ብቝጥዓ፡ “ብኢድና ኸይትመውት ብስም እግዚኣብሄር ኣይትነበ” ኢሎምዎ እዮም። እዞም ኣብ ጐድኑ ኪዀኑ ዝነበሮም ጐረባብቱን ኣዝማዱን፡ ከምዚ ኢሎም ኬጕባዕብዑሉስ ብሓቂ ዜሕዝን እዩ ነይሩ!—ኤር. 1:1፣ 11:21።
6. መሳርሕትኻ ወይ ካልኦት ሰባት እንተ ተጻሪሮምኻ፡ ካብቲ ንኤርምያስ ካብ “ሰብ ኣናቶት” ዘጋጠሞ ነገር ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧
6 ጐረባብትኻ፡ መማህርትኻ፡ መሳርሕትኻ፡ ወይ ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤትካ ጸቕጢ እንተ ገይሮምልካ፡ በቲ የሆዋ ንኤርምያስ ዝገበረሉ ተጸናናዕ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣምላኽ ነቶም ንነብዪኡ ዚጻረርዎ ዝነበሩ ሰብ ኣናቶት ከም ‘ዚቐስፎም’ ገለጸ። (ኤርምያስ 11:22, 23 ኣንብብ።) ኤርምያስ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ተተባቢዑ፡ ዝዀነ ይኹን ካብ ዓዱ ዝመጾ ምጽራር ኪሰግር ከም ዝኸኣለ እተረጋገጸ እዩ። ጸኒሑ፡ ኣምላኽ “ኣብ ሰብ ኣናቶት መዓት” ኣውሪዱ እዩ። የሆዋ ንዅነታትካ ይዕዘቦ ኸም ዘሎ ኣይትጠራጠር። (መዝ. 11:4፣ 66:7) ብትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ‘ጸኒዕካ’ ምምልላስካን ቅኑዕ ዝበለ ምግባርካን፡ ንገሊኦም ተጻረርቲ ኻብቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ መዓት ንኼምልጡ ይሕግዞም ይኸውን።—1 ጢሞ. 4:16።
እንታይ ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ዚርከብ ሓሳባት እዩ ኣምላኽ ብስምዒት ኣገልገልቱ ኸም ዚግደስ ዚሕብር፧ እዚኸ ነቲ ነብዪ ብኸመይ ሓጊዝዎ ኪኸውን ይኽእል፧
ተስፋ ዜቝርጽ ነገራት
7, 8. ኤርምያስ እንታይ ግፍዒ እዩ ኣሕሊፉ፧ እዚኸ ብኸመይ ጸልይዎ፧
7 ኤርምያስ ካብቲ ኻብ ደቂ ዓዱ ዜጋጥሞ ዝነበረ ምጕብዕባዕ ዝበኣሰ ነገር እውን ኣሕሊፉ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዘሕለፈሉ ኣጋጣሚ፡ ጳሽሑር ዚበሃል ምርኡይ ካህን፡ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ተግባር እዩ።a ካብ ኣምላኽ እተላእከ ትንቢት ድሕሪ ምስማዑ፡ “ንነብዪ ኤርምያስ ወቕዖ፡ . . . ኣብ ጕንዲ [እውን] አሰሮ።” (ኤር. 20:1, 2) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ምናልባት ካብ ጽፍዒት ንላዕሊ ዜመልክታ ኪዀና ይኽእላ እየን። ገሊኦም ሰባት፡ ጳሽሑር ንኤርምያስ ክሳዕ 40 ዚኣክል ከም ዘግረፎ ወይ ከም ዘውቅዖ እዮም ደምዲሞም። (ዘዳ. 25:3) ኤርምያስ ኪውቃዕ ከሎ፡ ሰባት የባጭዉሉን ይጸርፍዎን ጡፍ ይብሉሉን ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ነገር ግን ብእኡ ኣየብቅዐን። ጳሽሑር ንኤርምያስ ኣብ “ጕንዲ” ኣሲሩ ኣሕደሮ። እዛ ኣብዚ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ሰብነቱ ኸም እተጠምዘዘን እተዓጽፈን ትእምት እያ። ስለዚ፡ ኤርምያስ ምናልባት ብዕንጨይቲ ኣብ እተሰርሐ መስገደል እዩ ተቐርቂሩ ሓዲሩ።
8 እዚ ተግባር እዚ ንኤርምያስ ብኸመይ ጸልይዎ፧ ንኣምላኽ ኣብ እተዛረቦ ዘረባ፡ “ኣብ ጸጽባሕ መላገጺ ዀንኩ” በለ። (ኤር. 20:3-7) ብስም ኣምላኽ ከይዛረብ እውን ሓሲቡ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከምኡ ኺገብር ከም ዘይክእልን ከምኡ ኸም ዘይገበረን ግን ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ኣምላኽ ኬመሓላልፎ ዝሃቦ መልእኽቲ፡ ‘ከም ዚነድድ ሓዊ ኣብ ዓጻጽምቱ ተዓጽዩ’ እዩ ነይሩ፣ ንየሆዋ ወኪሉ ድማ ኪዛረብ ነበሮ።—ኤርምያስ 20:8, 9 ኣንብብ።
9. ብዛዕባ እቲ ንኤርምያስ ዘጋጠሞ ነገራት ምስትንታንና ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
9 ኣዝማድና፡ ጐረባብትና፡ መሳርሕትና፡ ወይ መማህርትና እንተ ኣላጊጾምልና፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጸብጻብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽራር ብእተወሰነ ደረጃ ተስፋ እንተ ኣቝሪጹና፡ ኬሰምብደና የብሉን። ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብምስዓብና ኣደዳ ግፍዒ እንተ ዄንና፡ ከምኡ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። እቲ ዘይፍጹም ዝነበረ ኤርምያስ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ነገር ተጸልዩ እዩ፣ ንሕናኸ ኸምኡ ዝድኻምና ሰባት ደይኰንናን፧ እንተዀነ ግን፡ ኤርምያስ ብሓገዝ ኣምላኽ እንደገና ሓጐስን ምትእምማንን ከም ዝረኸበ ኽንርስዕ የብልናን። ንሓዋሩ ተስፋ ኣይቈረጸን፣ ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ንሓዋሩ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን።—2 ቈረ. 4:16-18።
10. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስምዒት ኤርምያስ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧
10 ሓድሓደ ግዜ፡ ስምዒት ኤርምያስ ኣመና ይቀያየር ነይሩ እዩ። ንስኻኸ ኣብ ሓደ እዋን ትስፉውን ኣወንታውን ኴንካ ድሕሪ ምጽናሕካ፡ ብሃንደበት ስምዒትካ ተቐዪሩ ጕሂኻን ተስፋ ቘሪጽካንዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ኤርምያስ 20:12, 13፡ ኤርምያስ ኣወንታዊ ስምዒት ከም ዝነበሮ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። (ኣንብብ።) ድሕሪ እቲ ጳሽሑር ዘውረደሉ ግፍዒ፡ “ካብ ኢድ ገበርቲ እከይ” ዝደሓነ ድኻ ብምዃኑ ተሓጒሱ እዩ ነይሩ። ንስኻ እውን ካብ መከራ ድሕሪ ምድሓንካ፡ ወይ ከኣ ኣብ ህይወትካ ወይ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትካ ዜሐጕስ ነገር ምስ ኣጋጠመካ፡ ብሓጐስ ፍንጭሕ ዝበልካሉን ንየሆዋ ኽትዝምር ዝደለኻሉን እዋን ኣጓኒፉካ ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ስምዒት፡ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ!—ግብ. 16:25, 26።
ምጽራር ወይ ላግጺ ንስምዒትና ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧
11. ስምዒትና ዚቀያየር እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ኤርምያስ እንታይ ክንዝክር ኣሎና፧
11 ኰይኑ ግን፡ ዘይፍጹማት ብምዃንና፡ ከም ኤርምያስ ስምዒትና ይቀያየር ይኸውን። ኤርምያስ፡ ‘ንየሆዋ ዘምሩ’ ድሕሪ ምባሉ፡ ሕልናኡ ዓሪብዎ እዩ፣ ምናልባት እውን ነቢዑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኤርምያስ 20:14-16 ኣንብብ።) መንፈሱ ኣዝዩ ስለ እተደቝሰ፡ እንተ ዘይውለድ ከም ዚሕሾ ተዛሪቡ እዩ። ኣብቲ ሕልናኡ ዓሪብዎ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ንልደቱ ዘበሰረ ሰብኣይ፡ ከም ሶዶምን ጎሞራን ኪኸውን ተመነየ። ይኹን እምበር፡ ኤርምያስ ኣኺልዎ ሕልናኡ ዓሪብዎ ድዩ ተሪፉ፧ ተሓሊሉ ወይ ፈጺሙ ተስፋ ቘሪጹ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ተስፋ ንኼሕድር ጻዕሪ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ተዓዊቱ ኸኣ እዩ። ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ ቀጺሉ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ። እቲ መስፍን ዝዀነ ኻልእ ጳሽሑር፡ ነቲ ንጉስ ጼድቅያስ ብዛዕባ እቶም ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ባቢሎናውያን ዘቕረቦ ጥያቐ ሒዙ ናብ ኤርምያስ ቀረበ። ኤርምያስ ከኣ ኣብ ክንዲ ዚፈርህ፡ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ነገር ብትብዓት ፍርዲ የሆዋ ኣወጀ። (ኤር. 21:1-7) እምበኣር፡ ኤርምያስ ንጡፍ ነብዪ ዀይኑ ምግልጋል ከም ዝቐጸለ ንጹር እዩ!
12, 13. ስምዒትና ኣጸቢቑ ዚቀያየር እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
12 ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ስምዒቶም ይቀያየር እዩ። እዚ ብሰንኪ ምልውዋጥ ሆርሞናት ወይ ባዮከሚካዊ ምምዝባል ኪመጽእ ይኽእል እዩ፣ ብቕዓት ዘለዎ ሓኪም ከኣ ነዚ ንምቍጽጻር ዜኽእል ሓሳብ ኪህብ ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 5:31) ሓድሓደ ግዜ፡ ንመብዛሕትና ዚስምዓና ሓጐስ ወይ ጓሂ ግን፡ መጠኑ ዝሓለፈ ወይ ዘይንቡር ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ክፍሊ ዘይፍጽምናና እዩ። ክንደክም ከለና ወይ ሰብና ኺሞተና ኸሎ፡ ከምኡ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙና፡ ኤርምያስ እውን ናይ ስምዒት ምቅይያር ኣጋጢምዎ ኽነሱ፡ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዘየጥፍአ ኽንዝክር ንኽእል ኢና። ዝያዳ ዕረፍቲ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ንጥፈታትና ኸነተዓራሪ የድልየና ይኸውን። ወይ ከኣ ሰብና ኺሞተና ኸሎ፡ ካብ ሓዘንና ምእንቲ ኽንጸናናዕ፡ ግዜ የድልየና ይኸውን። እንተዀነ ግን፡ ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኰነ ኻብ ካልእ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ከይንበኵር ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ፡ ሚዛንና ሓሊናን ሓጐስና ዓቂብናን ንኽንቅጽል ዜኽእለና ኣገዳሲ ረቛሒ እዚ እዩ።—ማቴ. 5:3፣ ሮሜ 12:10-12።
13 ንመንፈስካ ዚደቍስ ስምዒት፡ ሳሕቲ ዜጋጥም ወይ ምስ ምቅይያር ስምዒትካ ኣዘውቲሩ ዚመጽእ ይኹን ብዘየገድስ፡ ኤርምያስ ዘሕለፎ ተመክሮ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ። ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ ንሱ እውን እተደቝሰሉ እዋን ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ተስፋ ቘሪጹ ኻብቲ ዜፍቅሮን ብተኣማንነት ዜገልግሎን ኣምላኽ ኣይረሓቐን። ተጻረርቱ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ ምስ ፈደይዎ፡ ናብ የሆዋ ተጸግዐ፡ ኣብኡ እውን ተወከለ። (ኤር. 18:19, 20, 23) ንስኻ እውን፡ ንኤርምያስ ምሰሎ።—ድጕ. 3:55-57።
ሓድሓደ ግዜ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ ወይ ጽልምት እንተ ኢሉካ፡ ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ዚርከብ ሓሳባት ብኸመይ ክትዓየሉ ትኽእል፧
ንዝጸምኣ ነፍሳት ከተርዊ ዲኻ፧
14. ኤርምያስ ብፍላይ ካብ መን እዩ ምጽንናዕ ረኺቡ፧
14 ኤርምያስ ብኸመይ ከም እተተባብዐ፡ ‘ንዚጸምኣ ነፍሳት’ ከኣ ብኸመይ ከም ዘተባብዐ ንርአ። (ኤር. 31:25) እቲ ነብዪ ብፍላይ ካብ የሆዋ ምትብባዕ ረኺቡ እዩ። የሆዋ፡ “ከም እተዐርደት ከተማ . . . ገይረ ሎሚ ኣቝመካ እየ። ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም” ኪብለካ ኸሎ እንተ ትሰምዖስ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜተባብዓካ ሕስብ እሞ ኣብሎ። (ኤር. 1:18, 19) ኤርምያስ ንየሆዋ፡ “ሓይለይ፡ እምባይ፡ ብመዓልቲ ጸበባውን ገዳመይ” ኪብሎ እምበኣር ሓቁ እዩ።—ኤር. 16:19።
15, 16. ንኻልኦት ከነተባብዕ ከለና፡ ካብቲ የሆዋ ንኤርምያስ ዘተባብዓሉ መገዲ እንታይ ንመሃር፧
15 የሆዋ ንኤርምያስ፡ “ኣነ ምሳኻ እየ” ኸም ዝበሎ ኣስተብህል። ሓደ እትፈልጦ ሰብ መተባብዒ ኼድልዮ ኸሎ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካስ ኣስተውዒልካዶ፧ ሓደ ክርስትያን ወይ ሓደ ዘመድካ መተባብዒ ኸም ዜድልዮ ምፍላጥ ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ብኸመይ ጽቡቕ ጌርካ ኸም እተተባብዖ ምፍላጥ ግን ዝሓሸ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከምቲ ኣምላኽ ንኤርምያስ ዝገበረሉ ምግባር፡ ማለት ኣብ ጐድኒ እቲ እተሸገረ ምዃን፡ ውጽኢታዊ እዩ። ድሕሪኡ፡ ቀስ ኢልካ ብቓላት ኣተባብዓዮ፡ ግናኸ ኣይትደርጕሓሉ። ብጥንቃቐ እተመርጸ ዜጸናንዕን ዚሃንጽን ሒደት ቃላት፡ ዝሓሸ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ፍልይ ዝበለ ቓላት ክትጥቀም ኣየድልየካን እዩ። ተገዳስነትን ሓልዮትን ክርስትያናዊ ፍቕርን ዜንጸባርቕ ቅልል ዝበለ ቓላት ተጠቐም። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ዝሓሸ ውጽኢት ኣለዎ።—ምሳሌ 25:11 ኣንብብ።
16 ኤርምያስ ንየሆዋ፡ “ዘክረኒ ብጽሓኒ ኸኣ” ድሕሪ ምባል፡ “ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ” በለ። (ኤር. 15:15, 16) እቲ ኸተተባብዖ እትደልዮ ሰብ እውን፡ ተመሳሳሊ ቘላሕታ የድልዮ ይኸውን። ልክዕ እዩ፡ ቃላትካ ማዕረ ናይ የሆዋ ዚስራዕ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ኣብቲ ንምትብባዑ እትዛረቦ ዘረባ፡ ቃላት ኣምላኽ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ኻብ ልቢ ዝፈልፈለ ቓላት፡ ንልቢ እተደቝሰ ሰብ ብሓቂ ኼሐጕስ ይኽእል እዩ።—ኤርምያስ 17:7, 8 ኣንብብ።
17. ካብቲ ኤርምያስ ንጼድቅያስን ንዮሃናንን ዝሃቦም ምላሽ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧
17 ኤርምያስ ካብ ኣምላኽ መተባብዒ ኣብ ርእሲ ምርካቡ፡ ንኻልኦት እውን ከም ዘተባብዐ ኣስተብህል። ብኸመይ ግን እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ኣብ ሓደ እዋን፡ ንጉስ ጼድቅያስ ንኤርምያስ፡ ነቶም ምስ ባቢሎናውያን ዝወገኑ ኣይሁድ ከም ዚፈርሆም ነገሮ። እቲ ነብዪ ድማ፡ ነቲ ንጉስ፡ ንየሆዋ ኺእዘዞን እዚ ዜምጽኣሉ ኣወንታዊ ፍረ ኺረክብን ኣተባብዖ። (ኤር. 38:19, 20) የሩሳሌም ምስ ወደቐትን ኣብታ ሃገር ሒደት ኣይሁድ ጥራይ ምስ ተረፉን፡ ዮሃናን ዚበሃል ሓለቓ ሰራዊት ነቶም ህዝቢ ናብ ግብጺ ኺወስዶም ሓሰበ። ፈለማ ግን፡ ንኤርምያስ ሓተቶ። እቲ ነብዪ ኸኣ፡ ነቲ ዮሃናን ዝበሎ ሰሚዑ፡ ናብ የሆዋ ጸለየ። ድሕሪኡ፡ ነቲ የሆዋ ዝነገሮ ዜተባብዕ መልሲ ነቶም ህዝቢ ነገሮም፣ ኣብታ ሃገር ኪጸንሑ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦም መምርሒ እንተ ስዒቦም፡ ጽቡቕ ከም ዚረኽቡ እውን ሓበሮም። (ኤር. 42:1-12) ኣብ ክልቲኡ መዳይ፡ ኤርምያስ ሰማዒት እዝኒ ሂብዎም እዩ፣ እወ፡ ቅድሚ ምዝራቡ፡ ሰሚዕዎም እዩ። ሓደ ኻብቲ ንኻልኦት ንምትብባዕ ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት፡ ምስማዕ እዩ። ነቲ እተሸገረ ሰብ ናይ ልቡ ኺነግረካ ፍቐደሉ። ዜተሓሳስቦን ዜሻቕሎን ነገር ስምዓዮ። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ፡ ኣተባብዓዮ። ነቲ መተባብዒ ዜድልዮ ሰብ ንኸተተባብዕ መለኮታዊ ራእይ ኣየድልየካን እዩ፣ የግዳስ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ኣወንታዊ ሓሳባት ክትጠቅስ ትኽእል ኢኻ።—ኤር. 31:7-14።
18, 19. ካብቲ ብዛዕባ ቤት ሬካብን ዔቤድ-ሜሌክን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ መተባብዒ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧
18 ጼድቅያስ ኰነ ዮሃናን ነቲ ብኤርምያስ ኣቢሉ እተነግሮም ዜተባብዕ ምኽሪ ኣይተቐበልዎን፣ ገሊኦም ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን ከም ዘይሰምዑኻ ኺመስሉ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ነቲ ኤርምያስ ዝሃቦም መተባብዒ እተቐበሉ ሰባት ነይሮም እዮም፣ ንዓኻ እውን ብዙሓት ይሰምዑኻ ይዀኑ። ብዛዕባ እቶም ንሓያሎ ዓመታት ፈተውቲ ኣይሁድ ዝነበሩ ቤት ሬካብ ዚበሃሉ ቄናውያን እሞ ሕሰብ። ዮናዳብ ዚበሃል ኣቦሓጎኦም ካብ ዝሃቦም ትእዛዛት ሓደ፡ ጓኖት ከም ምዃኖም መጠን፡ ወይኒ ኸይሰትዩ እዩ ነይሩ። ባቢሎናውያን መጥቃዕቲ ኺፍንዉ ኣብ ዝመጹሉ እዋን፡ ኤርምያስ ንቤት ሬካብ ናብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ኽፍሊ ኣእተዎም። ካብ ኣምላኽ ብእተዋህቦ መምርሒ ኸኣ፡ ወይኒ ኣቕረበሎም። ቤት ሬካብ ግን ከምቶም ዘይእዙዛት እስራኤላውያን ዘይኰኑስ፡ እዙዛት ስለ ዝነበሩን ንኣቦሓጎኦም ኣኽብሮት ስለ ዝነበሮምን፡ ወይኒ ምስታይ ኣበዩ። (ኤር. 35:3-10) ኤርምያስ ከኣ፡ የሆዋ ኸም ዝነኣዶምን መብጽዓ ኸም ዝኣተወሎምን ነገሮም። (ኤርምያስ 35:14, 17-19 ኣንብብ።) ንስኻ እውን ከተተባብዕ ከለኻ፡ ነዚ ኣብነት እዚ ኽትስዕብ ትኽእል ኢኻ። ብእተኻእለ መጠን፡ ካብ ልቢ ንኣድ።
19 ኤርምያስ ነቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ንጉስ ጼድቅያስ ከም ብዓል ስልጣን ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ዔቤድ-ሜሌክ እውን ንኢድዎ እዩ። መሳፍንቲ ይሁዳ ንኤርምያስ ናብ ሓንቲ ጭቃ ጥራይ ዝነበራ ዔላ ደርበይዎ፡ ምእንቲ ኺመውት ድማ ኣብኣ ሓዲጎምዎ ኸዱ። ዔቤድ-ሜሌክ ግን ንንጉስ ጼድቅያስ ለመኖ፡ ንሱ ድማ ነቲ ነብዪ ኼድሕኖ ፈቐደሉ። እዚ መጻእተኛ እዚ፡ ከምኡ ምግባሩ፡ ሓደጋ ኼስዕበሉ ይኽእል ነበረ። (ኤር. 38:7-13) ምስቲ እቶም መሳፍንቲ ይሁዳ ዝገበርዎ ዚጻረር ስጕምቲ ስለ ዝወሰደ፡ ብዛዕባ መጻኢ ተሻቒሉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኤርምያስ፡ ‘ዔቤድ-ሜሌክ ውዒሉ ሓዲሩ ነዚ ሻቕሎቱ ኺርስዖ እዩ’ ኢሉ ስቕ ኣይበለን። የግዳስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዔቤድ-ሜሌክ ዘንበረሉ በረኸት፡ ብዜተባብዕ ቃላት ገይሩ ነገሮ።—ኤር. 39:15-18።
20. ንንኣሽቱ ዀነ ንዓበይቲ ኣሕዋትና እንታይ ክንገብረሎም ይግባእ፧
20 ትንቢት ኤርምያስ ከነንብብ ከለና፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ንዝነበሩ ኣሕዋትና፡ “ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን” ኢሉ ዝሃቦም ምሕጽንታ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ዚሕግዙና ብሉጻት ኣብነታት ንረክብ ኢና።—1 ተሰ. 5:11, 28።
ንዝደኸሙ ንኸተተባብዕ ክትጽዕር ከለኻ፡ ካብ ኤርምያስ ዝረኸብካዮ እንታይ ትምህርቲ ኢኻ ኽትዓየሉ መዲብካ ዘለኻ፧
a ብዘመን ግዝኣት ጼድቅያስ፡ ጳሽሑር ዚበሃል ካልእ ሰብ ነይሩ እዩ፣ እዚ መስፍን እዚ ነቲ ንጉስ፡ ንኤርምያስ ኬቕትሎ ለመኖ።—ኤር. 38:1-5።