ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ll ክፋል 7 ገጽ 16-17
  • የሱስ መን እዩ ነይሩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ መን እዩ ነይሩ፧
  • ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክፍሊ 7
    ንኣምላኽ ስምዓዮ
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
ll ክፋል 7 ገጽ 16-17

ክፍሊ 7

የሱስ መን እዩ ነይሩ፧

የሆዋ ንየሱስ ናብ ምድሪ ለኣኾ። 1 ዮሃንስ 4:9

የሱስ ኣብ ሰማይ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ

ንየሆዋ ኸነሐጕሶ እንተ ደሊና፡ ንወዱ ኽንሰምዖ ኣሎና። የሆዋ ንኣዳም ቅድሚ ምፍጣሩ ነዊሕ ይገብር፡ ኣብ ሰማይ ነቲ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ዝዀነ ወዱ ፈጠሮ።

ማርያም ጥንስቲ ኸላን የሱስ ምስ ተወልደን

ድሕሪ ግዜ፡ የሆዋ ንወዱ፡ ካብ ሓንቲ ማርያም እትብሃል ድንግል ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ገበሮ። እቲ እተወልደ ሕጻን ድማ የሱስ ተባህለ።—ዮሃንስ 6:38።

የሱስ ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ይምህሮም

የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኺነብር ከሎ፡ ንባህርያት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቑ እዩ። ሕያዋይን ፈቃርን ተቐራብን ነበረ። ንሰባት፡ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ ሓቂ ብትብዓት መሃሮም።

የሱስ ሰናይ ይገብር እኳ እንተ ነበረ፡ ተጸልአ። 1 ጴጥሮስ 2:21-24

የሱስ ሞይታ ንዝነበረት ጓል የተንስኣ፡ ንሕሙም ሰብኣይ ከኣ የሕውዮ

መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ይጸልእዎ ነበሩ፣ ምኽንያቱ፡ ነቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታቶምን እኩይ መገዶምን የቃልዖ ነበረ።

የሱስ ንሕሙማት ኣሕውዩን ንገሊኦም ምዉታት ኣተንሲኡን እዩ።

የሱስ ይውቃዕ፡ ጸኒሑ ድማ ይቕተል

ሮማውያን በቶም መራሕቲ ሃይማኖት ተለዓዒሎም፡ ንየሱስ ወቕዕዎን ቀተልዎን።

  • ብዛዕባ የሱስ ምፍላጥ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—ዮሃንስ 17:3።

  • የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ኣብ ሰማይ እንታይ ይገብር ነበረ፧—ቈሎሴ 1:15-17።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ