ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ll ክፋል 9 ገጽ 20-21
  • ምድሪ፡ ገነት እትኸውን መዓስ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምድሪ፡ ገነት እትኸውን መዓስ እያ፧
  • ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምድሪ ገነት እትዀነሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ!
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ክፍሊ 9
    ንኣምላኽ ስምዓዮ
  • ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ዝሓሸ ናብራ—ኣብ ቀረባ ግዜ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
ll ክፋል 9 ገጽ 20-21

ክፍሊ 9

ምድሪ፡ ገነት እትኸውን መዓስ እያ፧

እዚ ዅሉ ጸገማት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ስጕምቲ ኸም እትወስድ የረጋግጽ እዩ። ሉቃስ 21:10, 11፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ኣብ ዳሕሮት መዓልታት ዚርአ ጸገማት—ጠላዕ፡ ውግእ፡ ሕማም፡ ሕጽረት ምግቢ፡ ንወለድኻ ዘይምእዛዝ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣብ ግዜና ዚርአ ዘሎ ብዙሕ ነገራት ተነብዩ ነይሩ እዩ። ሰባት ፈተውቲ ገንዘብ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ጨካናት፡ ተድላ ዚፈትዉ ኸም ዚዀኑ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ውግእ፡ ጥሜት፡ ለበዳ ኸም ዚህሉ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። እዚ ነገራት እዚ ኸኣ፡ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ።

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ሰብኣይ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሉ

የሱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ከም ዚስበኽ እውን ገሊጹ ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 24:14።

መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እከይ ከተወግዶ እያ። 2 ጴጥሮስ 3:13

እኩያት ኣብ ኣርማጌዶን ይጠፍኡ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ድማ ይቕጽዑ

ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ንዅሎም እኩያት ኬጥፍኦም እዩ።

ሰይጣንን ኣጋንንትን ኪቕጽዑ እዮም።

የሱስ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ይቕመጥ፡ እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ድማ ይሕጐሱ

እቶም ንኣምላኽ ዚሰምዕዎ ሰባት፡ ኣብታ ፍርሂ ዘይህልወላ፡ ንሓድሕዶም ዚተኣማመኑን ዚፋቐሩን ሰባት ዚነብሩላ፡ ጽድቂ እውን ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ኪነብሩ እዮም።

  • እንታይ የሱስ ዝበሎ ነገራት እዩ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዘሎ፧—ማቴዎስ 24:3-14።

  • እኩያት ኪጠፍኡ እዮም።—2 ጴጥሮስ 3:7።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ