ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/11 ገጽ 4-7
  • ዝሓሸ ናብራ—ኣብ ቀረባ ግዜ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝሓሸ ናብራ—ኣብ ቀረባ ግዜ!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝሓሸ ናብራ​—⁠መዓስ⁠፧
  • ዝሓሸ ናብራ​—⁠ብኸመይ⁠፧
  • እንታይ ክትገብር ከም ዘድልየካ
  • ምድሪ ገነት እትዀነሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ!
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ዕላማ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ኢዩ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
  • ምድሪ፡ ገነት እትኸውን መዓስ እያ፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/11 ገጽ 4-7

ዝሓሸ ናብራ​—⁠ኣብ ቀረባ ግዜ!

ሓደ ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ዝንበ: እቲ ዝበሎ ድማ ዳርጋ ኵሉ ግዜ ሓቂ ዝኸውን ሰብ እሞ ሕሰብ። ኣብቲ ምሸታዊ ዜና ኣብታ ቀጺላ ዘላ መዓልቲ ማይ ክወቅዕ ምዃኑ እንተ ዝንበ: ንጽባሒቱ ንግሆ ካብ ቤትካ ክትወጽእ ከሎኻ ጽላል ንኽትማላእ ኣይትጠራጠርን ኢኻ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝነበሮ ጸብጻብ ከም እትኣምኖ ገይሩካ ኢዩ። ከምቲ ዝበሎ ድማ ስጕምቲ ትወስድ።

ሕጂ: እቲ የሆዋ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ክህሉ ተመባጽዒዎ ዘሎ ዝሓሸ ናብራስ ክሳዕ ክንደይ ዝእመን ኢዩ⁠፧ እቲ ዝሓለፈ ጸብጻቡኸ እንታይ ኢዩ ዘመልክት⁠፧ እቲ ፍጻሜ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ብንጹር ናይ የሆዋ ጸብጻብ ዝእመን ምዃኑ ኢዩ ዘረጋግጽ። ንሱ ናይ ዘይፈሽል ልክዕነትን ሓቅነትን ኣምላኽ ኢዩ። (እያሱ 23:14፣ ኢሳይያስ 55:11) ናይ የሆዋ ኣምላኽ መብጽዓታት ኣጸቢቖም ዝእመኑ ብምዃኖም: ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ናይ ዝመጽእ መብጽዓ ድሮ ከም እተፈጸሙ ገይሩ ይዛረበሎም ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ሞትን ሓዘንን ዘይብሉ ኣብ ሓደስ ዓለም ዝህሉ ኵነታት ምስ ተመባጽዐ: ቀጺልና ከምዚ ነንብብ:⁠- “እዚ [እቲ መብጽዓ እተገብረሉ በረኸታት] ኽዉን እዩ!” ብኻልእ ኣዘራርባ “ጭቡጥ ነገር ኢዩ” ማለት ኢዩ!​—⁠ራእይ 21:​5, 6 ትሓዓ እግረ⁠-ጽሑፍ

እወ: እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ዝነበረ መብጽዓታት የሆዋ ምፍጻሙ: ብዛዕባ እቲ ንወድሰብ ክህቦ እተመባጽዖ ዝሓሸ ናብራ ከም ዝፍጸም ምሉእ ተኣማንነት ዘሕድረልና ኢዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ዝሓሸ ናብራ እዝስ መዓስ ኢዩ ዝመጽእ⁠፧

ዝሓሸ ናብራ​—⁠መዓስ⁠፧

ኣዝዩ ዝሓሸ ናብራ ቀልጢፉ ክመጽእ ኢዩ! ብዛዕባኡ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና: ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ገነት ዝሓሸ ናብራ ቅድሚ ምድላዋ ኣብ ምድሪ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ከም ዘጋጥም ይዛረብ ኢዩ። እቶም ሕማቓት ነገራት እቲኣቶም ድማ ሕጂ ይፍጸሙ ኣለዉ።

ንኣብነት: የሱስ ክርስቶስ ዓበይቲ ውግኣት ክህሉ ምዃኑ ነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ በለ:⁠- “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ።” (ማቴዎስ 24:⁠7) እዚ ትን⁠ቢት እዚ ብሓቂ ተፈ⁠ጺሙ ኢዩ። ካብ 1914 ክሳዕ 1945 ዝነበረ ዓመታት ክልተ ናይ ዓለም ውግኣት ተገይሮም ኢዮም: ብድሕሪኡ ድማ እቲ ኣህዛብ ንሓድሕዶም እተዋግእሉ ካልእ ውግኣት ኢዩ ስዒብዎ። “ብመሰረት ዓመታዊ ገምጋም ክርአ ከሎ: ኣብዚ ግዜ እዚ [ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚርካ] ቍጽሪ ናይቶም ብውግእ ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበረ ሞት ዕጽፊ: ካብቲ ኣብ መበል 18 ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበረ ድማ ብሸውዓተ ዕጽፊ ዝዓቢ ኢዩ።”​—⁠ዎርልድ ሚሊታሪ ኤንድ ሶሻል ኤክስፐንድቸርስ 1993 (ናይ ዓለም ወተሃደራውን ማሕበራውን ወጻኢታት 1993)

እቲ ናይ ሕማም ምስፍሕፋሕ: ናይቲ ኣብ ገነት ዝህሉ ዝሓሸ ናብራ ከም ዝቐረበ ዘርኢ ካልእ መረጋገጺ ኢዩ። የሱስ ‘ኣብ በቦታኡ ድማ ፌራ ክኸውን ኢዩ ብምባል’ ነጊሩ ኢዩ። (ሉቃስ 21:11) እዚ ትንቢት እዚኸ ተፈጺሙ ድዩ⁠፧ እወ። ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ስፓንሽ ፍሉ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ቀቲላ ኢያ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ መንሽሮ: ሕማም ልቢ: ዓሶ: አይድስ: ከምኡውን ካልእ ሕማማት ሚልዮናት ሰባት ቀቲሉ ኢዩ። ኣብተን ዘይማዕበላ ሃገራት ብተባላሸወ ማይ ዝስዕብ ሕማማት (ውጽኣትን ናይ መዓንጣ ሓሳኹ ረኽስን ሓዊስካ) ኣብ ዓመት ዓመት ናይ ሚልዮናት ህይወት ይቐትል ኣሎ።

የሱስ ‘[ዋሕዲ መግቢ ትሓዓ ] ክህሉ’ ምዃኑውን ተዛሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠7) ከምቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ እተገልጸ: እቶም ናይ ዓለም ድኻታት እኹል ዝብላዕ የብሎምን። እዚ: ዝሓሸ ናብራ ኣብ ገነት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ዝመጽእ ካልእ ክፍሊ ናይቲ መረጋገጺ ኢዩ።

የሱስ ‘ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክኸውን ኢዩ’ ኢሉ ተዛረበ። (ሉቃስ 21:11) እዚ እውን ኣብ ግዜና ሓቂ ምዃኑ ተራእዩ ኢዩ። ካብ 1914 ጀሚሩ: ኣዕናዊ ብዝዀነ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝወረደ ምብዳም ኣምእታት ኣሽሓት ህይወት ቀቲሉ ኢዩ።

ብተወሳኺ: መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓ​ል⁠ትታት” ኣብ ሰባት ብዝ⁠ርአ ለውጢ ዝፍ​ለጣ ምዃነን ይዛረብ ኢዩ። “ፈተውቲ ርእሶም” ከምኡውን “ፈተውቲ ገንዘብ” ክዀኑ ኢዮም: ቈልዑ ድማ “ንወለ⁠ዶም ዘይእዘዙ” ክዀኑ ኢዮም። ሰባት ብሓፈሻ “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” ክዀኑ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:​1⁠-5) ነዚ መግለጺ እዝስ ብዙሓት ሰባት ከም ዝበቕዕዎዶ ኣይትሰማምዓሉን ኢኻ⁠፧

ሕማቕ ነገራት ዘዘውትሩ ሰባት እናወሰኹ ክኸዱ ከለዉ: ናይ ዓመጻ ወሰኽ ኣሎ። እዚውን ኣቐዲሙ ተነጊሩ ኢዩ። ብመሰረት ማቴዎስ 24:​12: የሱስ ብዛዕባ ‘ብዝሒ ዓመጻ’ ተዛሪቡ ኣሎ። ነዚ ዝመሳሰል: ዓመጻ ካብቲ ዓመታት ይገብር ዝነበሮ ሕጂ ዝኸፍአ ምዃኑ ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ። ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ሰባት ምእንቲ ከይዝረፉ: ከይስረቑ: ወይ ብኻልእ መገዲ ከይጕድኡ ጥንቁቓት ኢዮም።

ውግእ: ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዓመጻ: ዋሕዲ መግቢ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: እናበዝሐ ዝኸይድ ዓመጻ: ከምኡውን እቲ ናይ ደቅሰባት ርክብ ናብ ዝኸፍአ ምልዋጥ​—⁠እዚ ዅሉ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ዝበሎ ኣብዚ ግዜ እዚ ርኡይ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ‘እንተዀነ ግን: እዚ ነገራት እዝስ ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ናይ ወድሰብ ታሪኽ ኣየጋጠመን ድዩ⁠፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ‘ነዚ ግዜና ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ⁠፧’

ናይዚ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ ኵነታት ኣዝዮም ፍሉጣት ዝዀኑ መዳያት ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ረቛሒ: ከም ዋሕዲ መግቢ ዝኣመሰለ: ንበይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ ግዜ ከም ዘሎና ወይ ዝሓሸ ናብራ ከም ዝቐረበ መርትዖ ክኸውን ኢዩ ኣይበለን። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመወዳእታ እዋን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ትንቢት ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዘይብሉ ወለዶ ክፍጸም ዘለዎ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:​34⁠-39፣ ሉቃስ 17:​26, 27

ብተወሳኺ: ገለ ክፍልታት ናይቲ የሱስ ዝሃቦ ትንቢት​—⁠ብፍላይ እቲ ብዛዕባ ዋሕዲ መግብን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማምን ዝገልጽ​—⁠ሎሚ ምፍጻሞም ጨሪሱ ዘይልሙድ ኢዩ። ስለምንታይ⁠፧ ምኽንያቱ ናይ ስነ⁠-ፍልጠት ዓወታት ከም ሎሚ ገይሩ ኣይማዕበለን። ሕክምናዊ ፍልጠትን ናይ ኣተሓኻኽማ ኣገባባትን ከም ሎሚ ገይሩ ማዕቢሉ ወይ ኣስፋሕፊሑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ: ሕማምን ጥሜትን እናሓሹ ዘይኰነስ እናበኣሱ ከም ዝኸዱ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ብቓሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ገይሩ ኣቐዲሙ ክነግር ዝኽእል።

እቲ ኵሉ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ግዜ ወይ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ይፍጸም ስለ ዘሎስ እንታይ ኢልና ኢና ክንድምድ እንኽእል⁠፧ ዝሓሸ ናብራ ቀሪቡ ኢዩ ክንብል ንኽእል ኢና! እንተዀነ ግን: ከመይ ኢሉ ኢዩ ዝመጽእ⁠፧

ዝሓሸ ናብራ​—⁠ብኸመይ⁠፧

ሰባት ገነት ከምጽኡ ይኽእሉ ኢዮም ኢልካዶ ትሓስብ ኢኻ⁠፧ ኣብ ኵሉ ዝሓለፈ ታሪኽ ክሳዕ እዚ ግዜና: ብዙሕ ዓይነት ሰብኣዊ መንግስቲ ነይሩ ኢዩ። ገሊኣቶም ንድልየት ናይ ሰባት ንምዕጋብ ኣበርቲዖም ፈቲኖም ኢዮም። ጌና ግን: ብዙሕ ግድላት እናኸፈአ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ክልቲኡ: ኣብተን ሃብታማትን ድኻታትን ሃገራት: መንግስታት ምስ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ መድሃኒት: ሕማቕ ኣባይቲ: ድኽነት: ዓመጽ: ስራሕ ምስኣን: ከምኡውን ምስ ውግእ ይቃለሱ ኢዮም።

መንግስታት ሽሕ’ኳ ንገለ ካብዞም ግድላት እዚኣቶም ክፈትሕዎም እንተ ኸኣሉ: ካብ ሕማቕ ጥዕና ምሉእ ብምሉእ ናጻ ክገብሩ ፈጺሞም ኣይክእሉን፣ ንእርጋንን ሞትን እውን እንተዀነ መወዳእታ ክገብርሉ ኣይክእሉን ኢዮም። ብርግጽ እምበኣር: ሰባት ናብዛ ምድሪ እዚኣ ገነት ፈጺሞም ኣየምጽኡን ኢዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ብጥበብ ከምዚ ይብል:⁠- “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ።” እሞ ድኣ ኣብ መን ኢና ክንውከል ዘሎና⁠፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዲኤቱ: ተስፋኡ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገብር ሰብ ብጹእ እዩ” ኢሉ ይምልስ። (መዝሙር 146:​3, 5) ተስፋና ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እንተድኣ ገይርና: ፈጺምና ተስፋ ኣይክንቈርጽን ኢና።

ብርግጽ: እቲ ንምድሪ: ንጸሓይ: ከምኡውን ንኸዋኽብቲ ክፈጥር ጥበብን ሓይልን ዘለዎ ንምድሪውን ገነት ክገብራ ይኽእል ኢዩ። ንሰባት ዝሓሸ ናብራ ከም ዘስተማቕሩ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ክገብሮ ኢሉ ዝወሰኖ ኵሉ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ: ክፍጽሞ ድማ ኢዩ። ቃሉ ከምዚ ይብል:⁠- ‘ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር የልቦን።’ (ሉቃስ 1:37) እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝሓሸ ናብራ ዘምጽእ⁠፧

የሆዋ ብመንግስቱ ገይሩ ንደቅሰብ ኣዝዩ ዝሓሸ ናብራ ከምጽኣሎም ኢዩ። መንግስቲ ኣምላኽከ እንታይ ኢያ⁠፧ ንሳ ኣምላኽ ዝመዘዞ መራሒ: የሱስ ክርስቶስ: ዘለዋ ናይ ሓቂ መንግስቲ ኢያ። መንግስቲ ኣምላኽ ቦታኣ ኣብ ሰማይ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ቀልጢፋ ንተቐማጦ ገነታዊት ምድሪ ዘደንቕ በረኸታትን ኣዝዩ ዝሓሸ ናብራን ከተምጽኣሎም ኢያ።​—⁠ኢሳይያስ 9:​6, 7

ምስታ ኣብ ማቴዎስ 6:​9⁠-13 ዘላ ናይ የሱስ ናይ ኣብነት ጸሎት ድሮ ሌላ ይህልወካ ይኸውን ኢዩ። ክፍሊ ናይታ ናብ ኣምላኽ እትግበር ጸሎት ከምዚ ይብል:⁠- “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” ምስ እዛ ጸሎት እዚኣ ብምስምማዕ ድማ: መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ንምፍጻም ‘ክትመጽእ’ ኢያ። ምድሪ ገነት ክትከውን ከኣ ዕላማኡ ኢዩ።

ሓንቲ ናይ መወዳእታ ሕቶ ትለዓል:⁠- ኣብታ እትመጽእ ገነት ዘሎ ዝሓሸ ናብራ ምእንቲ ከተስተማቕር እንታይ ክትገብር ይግብኣካ⁠፧

እንታይ ክትገብር ከም ዘድልየካ

የሆዋ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዅሎም እቶም ፍቓዱ ዝገብሩ ኣብ ገነት ተስፋ ናይ ዝሓሸ ናብራ ቐሪብሎም ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ “ጻድቃን [ንም⁠ድሪ ትሓዓ ] ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብለና። (መዝሙር 37:29) እንተዀነ ግን: ንሓደ ሰብ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጻድቕ ዘግብሮ እንታይ ኢዩ⁠፧

ንየሆዋ ንኸነሐጕሶ: እንታይ ክንገብር ከም ዝደልየና ዝያዳ ክንፈልጥ ከድልየና ኢዩ። ፍልጠት ኣምላኽ ብምሓዝ ኣብ ናብራ ህይወትና እንተድኣ ኣውዒልናዮ: ንዘለኣለም ክንነብር ንኽእል ኢና። የሱስ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ከሎ ከምዚ በለ:⁠- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

እቲ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዝነግረና መጽሓፍ: ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኢዩ። ሓደ ካብቲ ናይ የሆዋ ክቡር ውህበታት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ ሓደ ፈቃር ኣቦ ናብ ደቁ ዝሰዶ ደብዳበ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ንደቅሰብ እተዳለወ ዝሓሸ ናብራ ዘምጽእ መብጽዓ ኣምላኽ ይነግረና: ከምኡውን ከመይ ገይርና ክንረኽቦ ከም እንኽእል የርእየና። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እንታይ ከም ዝገበረን: ኣብ መጻኢ ድማ እንታይ ከም ዝገብርን የፍልጠና። ነዚ ሕጂ ዘሎ ግድላትና ከመይ ገይርና ብዓወት ከም እንዋጽኣሉ ዝሕግዝ ተግባራዊ ምኽሪውን ይህበና ኢዩ። ብርግጽ: ቃል ኣምላኽ ኣብዛ እተሸገረት ዓለም እውን ከይተረፈ ከመይ ገይርና መጠነኛ ሓጐስ ከም እንረክብ ይምህረና ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:​16, 17

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናጻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሓጒሶም መደብ ክገብሩልካ ኢዮም። ኣብዚ ቀረባ መጻኢ ኣዝዩ ዝሓሸ ናብራ ክትረክብ እናተጸበኻ: ሕጂ ብኸመይ ሕጕስ ናብራ ክህልወካ ከም ዝኽእል ተማሃር።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ዝሓሸ ናብራ ከም ዝቐረበ ዘመልክቱ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መንግስቲ ኣምላኽ ንደቅሰባት ዝሓሸ ናብራ ከተዳልወሎም ኢያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ