ክፍሊ 11
የሆዋ ይሰምዓና ድዩ፧
ኣምላኽ፡ ጸሎትና ይሰምዕ እዩ። 1 ጴጥሮስ 3:12
የሆዋ፡ “ሰማዕ ጸሎት” እዩ። (መዝሙር 65:2) ካብ ልብና ኽንዛረቦ ይደሊ እዩ።
ናብ የሆዋ ደኣ እምበር፡ ናብ ካልእ ኣይትጸሊ።
ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ክንጽሊ ንኽእል ኢና። 1 ዮሃንስ 5:14
ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኪኸውን ጸሊ።
ቅኑዕ ዘበለ ምእንቲ ኽትገብር፡ ንየሆዋ ለምኖ። ብዛዕባ ምግብን ስራሕን መዕቀልን ክዳንን ጥዕናን እውን ክትጽሊ ትኽእል ኢኻ።
ነቲ የሱስ ምእንታኻ ኢሉ ዝገበሮ ነገራት ከም እተኽብሮ ንምርኣይ፡ ብስሙ ጸሊ።