ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ll ክፋል 13 ገጽ 28-29
  • ንኣምላኽ ምእንቲ ኸነሐጕሶ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ ምእንቲ ኸነሐጕሶ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
  • ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሩኽ ኣምላኽ ካብ እከይ ይርሕቁ
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት እንደገና ኬጥፍኦም ድዩ?
    ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!
  • እንታይ ክትገብሩ ይግብኣኩም?
    ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!
  • ኣምላኽ ዝጸልኦ ተግባራት
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
ዝያዳ ርአ
ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
ll ክፋል 13 ገጽ 28-29

ክፍሊ 13

ንኣምላኽ ምእንቲ ኸነሐጕሶ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ካብ ክፉእ ዘበለ ርሓቕ። 1 ቈረንቶስ 6:9, 10

ኣምላኽ ዚጸልኦ ነገራት—ስርቂ፡ ስኽራን፡ ሓሽሽ ምውሳድ፡ ባእሲ፡ ብምስሊ ምጽላይ፡ ኣምልኾ ጣኦት

ንየሆዋ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ንሱ ዚጸልኦ ነገራት ኣይንገብርን ኢና።

የሆዋ፡ ክንሰርቕ፡ ክንሰክር፡ ወይ ሓሽሽ ክንወስድ ኣይደልየናን እዩ።

ኣምላኽ፡ ቅትለትን ምንጻል ጥንስን ግብረ ሶዶምን ይጸልእ እዩ። ስሱዓት ወይ ተባኣስቲ ኽንከውን እውን ኣይደልየናን እዩ።

ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ወይ መናፍስታዊ ተግባራት ኽንሳተፍ የብልናን።

ኣብታ ኣብ መጻኢ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም።

  • ኣምላኽ ንጥንቈላ ብኸመይ ይርእዮ፧—ዘዳግም 18:10-12።

  • ጣኦታት ከነምልኽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧—ኢሳይያስ 44:15-20።

ጽቡቕ ዘበለ ግበር። ማቴዎስ 7:12

ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ነገራት—ንኻልኦት ምፍቃር፡ ሓቀኛ ምዃን፡ ይቕረ ምባል

ንኣምላኽ ከነሐጕሶ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ኽንመስሎ ኽንጽዕር ኣሎና።

ለዋህን ለጋስን ብምዃን፡ ንኻልኦት ፍቕሪ ኣርኢ።

ሓቀኛ ኹን።

መሓርን ይቕረ በሃልን ኩን።

ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ሰብኣይ ይሰብኩሉ

ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋን መገድታቱን ንገር።—ኢሳይያስ 43:10።

  • ንየሆዋ ምሰሎ።—1 ጴጥሮስ 1:14-16።

  • ፈቃር ኩን።—1 ዮሃንስ 4:7, 8, 11።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ