ክፍሊ 13
ንኣምላኽ ምእንቲ ኸነሐጕሶ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
ካብ ክፉእ ዘበለ ርሓቕ። 1 ቈረንቶስ 6:9, 10
ንየሆዋ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ንሱ ዚጸልኦ ነገራት ኣይንገብርን ኢና።
የሆዋ፡ ክንሰርቕ፡ ክንሰክር፡ ወይ ሓሽሽ ክንወስድ ኣይደልየናን እዩ።
ኣምላኽ፡ ቅትለትን ምንጻል ጥንስን ግብረ ሶዶምን ይጸልእ እዩ። ስሱዓት ወይ ተባኣስቲ ኽንከውን እውን ኣይደልየናን እዩ።
ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ወይ መናፍስታዊ ተግባራት ኽንሳተፍ የብልናን።
ኣብታ ኣብ መጻኢ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም።
ጽቡቕ ዘበለ ግበር። ማቴዎስ 7:12
ንኣምላኽ ከነሐጕሶ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ኽንመስሎ ኽንጽዕር ኣሎና።
ለዋህን ለጋስን ብምዃን፡ ንኻልኦት ፍቕሪ ኣርኢ።
ሓቀኛ ኹን።
መሓርን ይቕረ በሃልን ኩን።
ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋን መገድታቱን ንገር።—ኢሳይያስ 43:10።