ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jl ትምህርቲ 4
  • ትርጉም ሓዳስ ዓለም ስለምንታይ ኣዳሊና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትርጉም ሓዳስ ዓለም ስለምንታይ ኣዳሊና፧
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ዝምልከት ኣገዳሲ ፍጻመ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘማስዉሉ ትርጕም ሓዳስ ዓለም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕነቱ ዝሓለወ ድዩ፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ጽቡቕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
jl ትምህርቲ 4

ትምህርቲ 4

ትርጉም ሓዳስ ዓለም ስለምንታይ ኣዳሊና፧

ናይ ቀደም ሓታሚት
ቀዳማይ ሕታም መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ከም ዝወጸ ኺንገር ከሎ
ኣብ ኮንጎ (ኪንሻሳ) ዚነብሩ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኪርእዩ ኸለዉ

ኮንጎ (ኪንሻሳ)

ኣብ ሩዋንዳ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ከም ዝወጸ ኺንገር ከሎ

ሩዋንዳ

ስም ኣምላኽ ዝሓዘ ቝራጽ ሲመከስ

ኣብ መዝሙር 69:31 መለኮታዊ ስም ዝሓዘ፡ ኣብ ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ቝራጽ ሲመከስ

ንሓያሎ ዓመታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞምን ሓቲሞምን ዘርጊሖምን እዮም። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ንሰባት፡ “ልክዕ ፍልጠት ሓቂ” ኺምሃሩ ብዝያዳ ኺሕግዞም ዚኽእል ሓድሽ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚብና ኢና፣ እዚ ድማ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ስለዚ፡ ብ1950፡ ገለ ኽፋል እቲ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዚብሃል ብዘመናዊ ቛንቋ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ከነውጽእ ጀሚርና። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብልዕሊ 130 ቋንቋ ብትኽክልን ብልክዕን ተተርጒሙ ኣሎ።

ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድለየ። ቋንቋ በብግዜኡ ይቕየር እዩ፣ ሓያሎ ትርጉማት ከኣ፡ ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ዝዀነ ዘይፍለጥ ወይ ብሉይ ቃላት ሒዙ ኣሎ። ዝያዳ ልክዕነት ዘለዎን ምስቲ በዅሪ ጽሑፍ ዚቀራረብን ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ስለ እተረኽበ እውን፡ ብዛዕባ እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ቛንቋታት እብራይስጥን ኣራማይስጥን ግሪኽኛን ዝሓሸ ግንዛበ ኺርከብ ተኻኢሉ እዩ።

ንቓል ኣምላኽ ብልክዕ ዜመሓላልፍ ትርጉም ኣድለየ። ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓላት ከም ድላዮም ኣብ ክንዲ ዚትርጕምዎ፡ ነቲ በዅሪ ጽሑፋት ብልክዕ ዜመሓላልፍ ገይሮም ኪትርጕምዎ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ትርጉማት፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይተጠቕመሉን።

ነቲ ደራሲኡ ውዳሰ ዜምጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድለየ። (2 ሳሙኤል 23:2) ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ነቲ ኣብ ናይ ጥንቲ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ 7,000 ሳዕ ኣቢሉ ዚርከብ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ መሊስዎ ኣሎ፣ ሓደ ኣብነት ካብዚ ኢደ ጽሑፋት እዚ ኣብ ታሕቲ ኺርአ ይከኣል እዩ። (መዝሙር 83:18) እዚ ንዓመታት ብርቱዕ ጻዕሪ እተገብረሉ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ንምንባቡ ባህ ዜብልን ሓሳብ ኣምላኽ ብንጹር ዜመሓላልፍን እዩ። ብቛንቋኻ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘሎካ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ቃል የሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ናይ ምንባብ ጽቡቕ ልማድ ኪህልወካ ነተባብዓካ።—እያሱ 1:8፣ መዝሙር 1:2, 3።

  • ሓድሽ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ከነዳሉ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

  • ፍቓድ ኣምላኽ ኪፈልጥ ዚደሊ ዘበለ መዓልቲ መዓልቲ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

ንተወሳኺ ሓበሬታ

ነቲ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘሎ መቕድም ኣንብብ እሞ፡ “እቲ ኮሚተ ትርጉም ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኼዳሉ ኸሎ እንታይ ዓይነት ሓላፍነት እዩ ተሰኪሙ፧” ንእትብል ሕቶ መልሲ ሃበላ። ድሕሪኡ፡ ትርጉም እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ምስ ካልእ ትርጉማት ኣነጻጽሮ፦ ዘፍጥረት 4:1፣ መዝሙር 110:1፣ ማቴዎስ 5:3፣ 11:12፣ ሉቃስ 23:43፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ 1 ቈረንቶስ 7:36-38።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ