ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jl ትምህርቲ 10
  • ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንስድራ ቤታት ዚኸውን ሓገዝ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብስድራ ቤት ኴንኩም ንየሆዋ ኣምልኽዎ
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ንኣምልኾ ስድራ ቤትካ ብዝያዳ ዜሐጕስ ክትገብሮ ትኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
jl ትምህርቲ 10

ትምህርቲ 10

ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧

ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ትገብር

ደቡብ ኮሪያ

ሰብ ሓዳር ሓቢሮም የጽንዑ

ብራዚል

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ

ኣውስትራልያ

ሓንቲ ስድራ ቤት ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ትገብር

ጊኒ

ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ የሆዋ ንኣባላት ስድራ ቤት፡ ብሓባር ግዜ ኼሕልፉ፡ መንፈሳውነቶም ኪሃንጹ፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክብ እውን ኬደልድሉ ይደልዮም እዩ። (ዘዳግም 6:6, 7) ስለዚ ኸኣ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምልኾ ስድራ ቤት ኣብ ሰሰሙን ግዜ ዚምድቡ። ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪብሃል ከሎ፡ ሓንቲ ስድራ ቤት ምስቲ ንዓኣ ዜድልያ ጕዳያት ብዛዕባ ዚተኣሳሰር መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ባህ ዜብል ሃዋህው እትገብሮ ምይይጥ እዩ። ዋላ እኳ በይንኻ ትነብር እንተ ዀንካ፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ግዜ፡ ብዛዕባ ዝደለኻዮ ጕዳይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናገበርካ፡ ምስ ኣምላኽ ከተሕልፎ ትኽእል ኢኻ።

ንየሆዋ ብዝያዳ እንቐርበሉ እዋን እዩ። “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።” (ያእቆብ 4:8) ካብቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል የሆዋ፡ ብዛዕባ ባህርያቱን ተግባራቱን ዝርዝር ነጥብታት ክንምሃር ከለና፡ ንዕኡ ብዝያዳ ኢና እንፈልጦ። ሓደ ኻብቲ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትጅምሩሉ ዝቐለለ መገዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ዓው ኢልኩም ብምንባብ እዩ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ፡ ምናልባት ነቲ ኣብ ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ዚወጽእ ሰሙናዊ መደብ ክትስዕቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት፡ እተወሰነ ኽፋል ንባብ ኪውሃቦ እሞ፡ ኵላትኩም ነቲ ኻብኡ እተምሃርኩምዎ ኽትመያየጡሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ምስ ኣባላት ስድራ ቤትና ብዝያዳ እንቀራረበሉ እዋን እዩ። ሰብኡትን ኣንስትን፡ ከምኡ ድማ ወለድን ውሉዳትን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብስድራ ቤት ኬጽንዑ ኸለዉ፡ ርክቦም ይድልድል እዩ። ኣምልኾ ስድራ ቤት ዜሐጕስን ሰላማውን ኵላቶም ዚናፍቕዎን እዋን እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ወለዲ ኸከም ዕድመ ውሉዳቶም፡ ንምይይጥ ዚኸውን ግብራዊ ነጥብታት፡ ምናልባት ከኣ ካብቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ዝወጸ ዓንቀጻት ወይ ካብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ኺሓርዩ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ ንደቅኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠሞም ጸገማትን እዚ ብኸመይ ኪፍታሕ ከም ዚከኣልን ክትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ፈነወ JW (tv.jw.org) ዚቐርብ መደብ ምስ ረኣኹም እውን ክትመያየጡሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኣኼባታት ዚዝመር መዝሙራት ክትለማመዱሉ፡ ድሕሪ ኣምልኾ ስድራ ቤት ከኣ ዚብላዕን ዚስተን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እዚ ንየሆዋ ብሓባር ኣብ ምምላኽ ዚሓልፍ ፍሉይ ግዜ እዚ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት፡ ብቓል ኣምላኽ ከም ዚድሰቱ ይገብሮም እዩ፣ ኣምላኽ እውን ንጻዕርታትኩም ኣብዚሑ ኺባርኾ እዩ።—መዝሙር 1:1-3።

  • ንኣምልኾ ስድራ ቤት ግዜ እንምድብ ስለምንታይ ኢና፧

  • ወለዲ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት ባህ ዜብል ከም ዚኸውን ብኸመይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ንተወሳኺ ሓበሬታ

ኣብ ጉባኤ ኻብ ዘለዉ ኻልኦት ክርስትያናት፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤቶም እንታይ ከም ዚገብሩ ሓሳባት ርኸብ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንደቅኻ ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር ዚሕግዝ እንታይ ጽሑፋት ከም ዘሎ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ