ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • fg ትምህርቲ 14 ሕቶ. 1-4
  • ኣምላኽ፡ ውድብ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ፡ ውድብ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧
  • ብስራት ኣምላኽ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ፡ ውድብ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • እትርአ ማሕበር ኣምላኽ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ኣምላኽ፡ ውድብ ኣለዎዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣወዳድባን ኣመሓዳድራን ጉባኤ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
ዝያዳ ርአ
ብስራት ኣምላኽ
fg ትምህርቲ 14 ሕቶ. 1-4

ትምህርቲ 14

ኣምላኽ፡ ውድብ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧

1. ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝወደቦም ስለምንታይ እዩ፧

1. ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ፣ 2. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ተወዲቦም ኪስብኩ ኸለዉ

ኣምላኽ ንዘርኢ እቲ ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም ከም ህዝቢ ወዲቡ፡ ሕግታት ሂብዎ እዩ። ነቲ ህዝቢ፡ “እስራኤል” ኢሉ ሰመዮ፣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾን ነቲ ቓሉ ዝዀነ ቕዱሳት ጽሑፋትን ምእንቲ ኺዕቅቦ ድማ ሓላፍነት ሃቦ። (መዝሙር 147:19, 20) በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም ህዝብታት ካብ እስራኤላውያን ኪጥቀሙ ኽኢሎም እዮም።—ዘፍጥረት 22:18 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንእስራኤላውያን መሰኻኽሩ ኪዀኑ መረጾም። ሰባት ሕግታት ኣምላኽ እንተ ሓልዮም ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ፡ ካብ ጥንታዊ ታሪኽ እስራኤላውያን ኪርአ ይከኣል እዩ። (ዘዳግም 4:6) ስለዚ፡ ካልኦት ሰባት ብእስራኤላውያን ኣቢሎም፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪፈልጥዎ ይኽእሉ ነበሩ።—ኢሳይያስ 43:10, 12 ኣንብብ።

2. ናይ ሓቂ ክርስትያናት እተወደቡ ስለምንታይ እዮም፧

ድሕሪ ገለ ግዜያት፡ እስራኤላውያን ሞገስ ኣምላኽ ስለ ዝሰኣኑ፡ የሆዋ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ተክኦም። (ማቴዎስ 21:43፣ 23:37, 38) ሎሚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ብምዃን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:14, 17 ኣንብብ።

የሱስ ንሰዓብቱ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ብምኻድ ብዛዕባ የሆዋ ኺምስክሩን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን ወደቦም። (ማቴዎስ 10:7, 11፣ 24:14፣ 28:19, 20) እዚ ዕዮ እዚ፡ ኣብ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ፡ ናብ ምዝዛም ገጹ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። የሆዋ ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንዚመጹ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣሕቢርዎም ኣሎ። (ራእይ 7:9, 10) ናይ ሓቂ ክርስትያናት እተወደቡ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺተባብዑን ኪተሓጋገዙን እዮም። ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ኣኼባታቶም ሓደ ዓይነት መደብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚስዕቡ።—እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።

3. ኣብዚ ግዜና ዘሎ ውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጀመርታ 1900ታትን ሎምን ኪሰብኩ ኸለዉ ዜርኢ ስእሊ፣  ብእተፈላለየ ቛንቋታት እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዚሕግዝ ጽሑፋት።

ኣብዚ ግዜና ዘሎ ውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1870ታት እዩ ጀሚሩ። ሒደት ጕጅለ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንነዊሕ እዋን ተሰዊሩ ዝነበረ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርምርዎ ጀመሩ። የሱስ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንስብከት ከም ዝወደባ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ ድማ፡ ኣህጉራዊ ወፍሪ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ጀመሩ። ብ1931 ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ተጸውዑ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 2:1, 4፣ 5:42 ኣንብብ።

4. ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተወደቡ ብኸመይ እዮም፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እተን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝነበራ ክርስትያን ጉባኤታት፡ ካብቲ ንየሱስ ከም ርእሲ ጉባኤ ገይሩ ኣፍልጦ ዚህበሉ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ይጥቀማ ነይረን እየን። (ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ብምኩራት ሽማግለታት ዝቘመ ኣመሓዳሪ ኣካል ይጥቀሙ እዮም። እዚ ኣመሓዳሪ ኣካል እዚ፡ ነተን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋት ብልዕሊ 600 ቛንቋታት ዚትርጕማን ዚሓትማን ዚዝርግሓን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓላፍነት ይከታተለን እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንልዕሊ 100,000 ዝዀና ጉባኤታት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መተባብዕን መምርሕን ኪህብ ይኽእል እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ፡ ብቑዓት ሰብኡት ከም ሽማግለታት ወይ ሓለውቲ ዀይኖም የገልግሉ እዮም። እዞም ሰብኡት እዚኦም፡ ንመጓሰ ኣምላኽ ብፍቕሪ እዮም ዚሕዝዎ።—1 ጴጥሮስ 5:2, 3 ኣንብብ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን ተወዲቦም እዮም። ከምቲ ሃዋርያት ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ንሕና እውን ኣብ በቤት እናኸድና ንሰብኽ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ምስቶም ንሓቂ ልባዊ ፍቕሪ ዘለዎም ሰባት ብብሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ፍቓደኛታት ኢና። ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ውድብ ጥራይ ዘይኰንናስ፡ ፈቃር ኣቦ ዘሎና ስድራ ቤት እውን ኢና። ንሓድሕድና እንተሓላለ ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና። (2 ተሰሎንቄ 1:3) ህዝቢ የሆዋ ንኣምላኽ ኬሐጕሱን ንኻልኦት ኪሕግዙን ስለ ዚጽዕሩ፡ ኣብ ምድሪ ኸም ናታቶም ዝበለት ሕጕስቲ ስድራ ቤት የላን።—መዝሙር 33:12፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 19 እታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ