ኣምላኽ፡ ውድብ ኣለዎዶ፧
ኵሉ ፍጥረታት ኣምላኽ ስርዓት ኣለዎ። ንኣብነት፡ ሓንቲ “ተራ” ዋህዮ መባዅዕቲ ዜገርም ኣወዳድባ እዩ ዘለዋ። እዛ ዋህዮ እዚኣ፡ ክንዲ እታ ቦይንግ 777 እትበሃል ነፋሪት ዚኣክል ክፋላት ኣለዋ። ኵሉ እቲ ኽፋላት፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ማይክሮ ሜተርa ዝሰንጣቒቱ ኽቢ፡ ነናቱ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ንዋህዮታት መባዅዕቲ ኻብ ነፈርቲ ዚፈልዮ ግን፡ ኪራባሕ ዚኽእል ምዃኑ እዩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ስርዓትን ውዳበን ኰን እዩ!—1 ቈረንቶስ 14:33።
ውዳበ ኣብ ዚርአ ፍጥረታት ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈሳዊ ዓለም እውን ምስ ዕላማ ፈጣሪ ብዚሰማማዕ መገዲ ኣጸቢቑ ኸም እተወደበ ይሕብር እዩ። ነብዪ ዳንኤል ኣብ ሰማያዊ ዝፋን ኣምላኽ ብዙሓት መላእኽቲ ብራእይ ምስ ረኣየ፡ “ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፡ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ” በለ። (ዳንኤል 7:9, 10) እዞም ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ዚዀኑ መላእኽቲ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ምድራውያን ኣገልገልቱ ዚህቦም ትእዛዝ ንኺፍጽሙ ኸመይ ዝኣመሰለ ውዳበ ኸም ዜድልዮም እሞ ሕሰብ።—መዝሙር 91:11።
ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ፡ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ወዳቢ እኳ እንተ ዀነ፡ ስምዒት ዘይብሉ ወይ ሕግታት ዜብዝሕ ግን ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ ድሕንነት ኵሎም ፍጥረታቱ ዚግደስ ተቐራብን ‘ሕጉስን’ ኣምላኽ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11፡ NW፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ከምኡ ምዃኑ ኸኣ፡ ንጥንታውያን እስራኤላውያንን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናትን ኣብ ዝሓዘሉ መገዲ ተራእዩ እዩ።
ጥንታውያን እስራኤላውያን —ብጽቡቕ እተወደቡ ህዝቢ
የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ምእንቲ ኺመላለሱ፡ ብሙሴ ኣቢሉ ወዲብዎም እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ በረኻ ሲና ይጐዓዙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝሃቦም ንሰፈራ ዚምልከት ስርዓት እሞ ሕሰብ። ስድራ ቤታት ኣብ ዘዝደለይዎ ቦታ ድንኳኖም ኪተኽሉ እንተ ዚፍቀደሎም ነይሩ፡ ሕንፍሽፍሽ ምተፈጥረ። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ፡ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ኣበይ ኪሰፍር ከም ዘለዎ ዚገልጽ ንጹር መምርሒ ሂቡ እዩ። (ዘሁልቍ 2:1-34) ሕጊ ሙሴ፡ ንጥዕናን ንንጽህናን ዚምልከት ንጹር ስርዓት እውን ሒዙ ነይሩ እዩ፣ ንኣብነት፡ ቀልቀሎም ብኸመይ ከም ዜወግዱ ይገልጽ ነበረ።—ዘዳግም 23:12, 13።
እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ፡ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ብጽቡቕ ተወዲቦም ነበሩ። እቲ ህዝቢ ኣብ 12 ነገድ እተኸፍለ ኪኸውን ከሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ከኣ ነናቱ መሬት ነበሮ። እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ነቲ ህዝቢ ዝሃቦ ሕጊ፡ ንዅሉ መዳይ ህይወቶም፡ ማለት ንኣምልኾ፡ ንመውስቦ፡ ንስድራ ቤት፡ ንትምህርቲ፡ ንንግዲ፡ ንኣመጋግባ፡ ንሕርሻ፡ ንኣተሓሕዛ እንስሳታት፡ ከምኡውን ንኻልእ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።b ገሊኡ ሕግታት ንጹርን ዝርዝርን እኳ እንተ ነበረ፡ ኵሉ ግን የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዚሓልየሎም ዜርእን ሓጐስ ዜምጽእን እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ምስቲ እተገብረሎም ፍቕራዊ መሰናድዎ ኺሰማምዑ ኸለዉ፡ የሆዋ ፍሉይ ሓለፋ ይገብረሎም ነበረ።—መዝሙር 147:19, 20።
ሙሴ ኽኢላ መራሒ እኳ እንተ ነበረ፡ ዓወት መሪሕነቱ ግን፡ ኣብ ክእለት ኣመራርሓኡ ዘይኰነስ፡ ንውድብ ኣምላኽ ኣብ ዝነበሮ ተኣማንነት እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሙሴ ኣብቲ በረኻ በየናይ መገዲ ኪኸይድ ከም ዘለዎ ብኸመይ እዩ ወሲኑ፧ የሆዋ፡ ቀትሪ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ኸኣ ብዓንዲ ሓዊ ገይሩ ይመርሖ ነበረ። (ዘጸኣት 13:21, 22) ኣምላኽ ብሰባት እኳ እንተ ተጠቕመ፡ ንህዝቡ ዚውድቦምን ዚመርሖምን ዝነበረ ግን፡ ንሱ ባዕሉ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን፡ ከምኡ እዩ ገይሩ።
ቀዳሞት ክርስትያናት ብጽቡቕ እተወደቡ ነበሩ
ሃዋርያትን ደቀ መዛሙርትን ብቕንኣት ስለ ዝሰበኹ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት እስያን ኤውሮጳን፡ ክርስትያን ጉባኤታት ተመስሪተን እየን። እዘን ጉባኤታት እዚኣተን ኣብ በቦታኡ ፋሕ ኢለን እኳ እንተ ነበራ፡ ብርእሰን ዚመሓደራ እተገለላ ጕጅለታት ግን ኣይነበራን። የግዳስ፡ ብጽቡቕ እተወደባን ብሃዋርያት ፍቕራዊ ሓለዋ ዚግበረለንን እየን ነይረን። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንቲቶስ ናብ ቅሬጥስ ዝለኣኸሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንዅሉ ኽትውድብ” በሎ። (ቲቶስ 1:5፡ ዘ ጀሩሳሌም ባይብል) ብዘይካዚ፡ ናብ ጉባኤ ቈረንቶስ ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ገሊኦም ኣሕዋት “ወደብቲ” ኸም ዝነበሩ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረንቶስ 12:28፡ ዘ ባይብል ኢን ኮንተምፖራሪ ላንጐጅ) እዚ ስርዓት እዚ ኸም ዚህሉ ዝገበረ ግን መን እዩ፧ ጳውሎስ፡ ነታ ጉባኤ ‘ኣምላኽ ከም ዘጋጠማ’ ወይ ‘ከም ዝወደባ’ ገሊጹ እዩ።—1 ቈረንቶስ 12:24፣ ዘ ሪቨርሳይድ ኒው ተስታመንት።
ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተሸሙ ሓለውቲ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ብጾቶም ኣይጕይተቱን እዮም ነይሮም። የግዳስ፡ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዚስዕቡ ‘ደገፍቲ’ እዮም ነይሮም፣ “ኣርኣያ” ኪዀኑ እውን ነበሮም። (2 ቈረንቶስ 1:24፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ብዘይካዚ፡ “ርእሲ ማሕበር” ኰይኑ ዜገልግል፡ ሓደ ሰብ ወይ ጕጅለ ዘይፍጹማት ሰባት ዘይኰነስ፡ እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ እዩ።—ኤፌሶን 5:23።
እቶም ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋት ካብ ካልኦት ጉባኤታት መሰረታዊ ፍልልይ ብዝነበሮ ስርዓት ኪምርሑ ምስ ጀመሩ፡ ጳውሎስ፡ “ወይስ ቃል ኣምላኽዶ ኻባኻትኩም እዩ ዝወጸ፧ ወይስ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ ዝበጽሔ፧” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ቈረንቶስ 14:36) ጳውሎስ ነዚ ሕቶ እዚ እተጠቕመ፡ ኣተሓሳስባኦም ምእንቲ ኼዐርን ብርእሶም ኪመላለሱ ኸም ዘይብሎም ምእንቲ ኼረድኦምን ኢሉ እዩ። ጉባኤታት ንመሪሕነት ሃዋርያት ኪስዕባ ኸለዋ፡ ይዓብያን ይስስናን ነበራ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5።
መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ
ሎሚኸ፡ ኣምላኽ፡ ውድብ ኣለዎዶ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ኣባል ሓንቲ ሃይማኖታዊት ውድብ ንምዃን ሰጋእ መጋእ ይብሉ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ዕላማኡ ኺፍጽም ከሎ፡ ወትሩ ብውድቡ ኸም ዚጥቀም፡ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ንዝነበሩ ኣምለኽቱ ዀነ ንቐዳሞት ክርስትያናት ወዲብዎም እዩ።
እሞኸ፡ የሆዋ ኣምላኽ ከምቲ ቐደም ዝገበሮ ሎሚ እውን ንህዝቡ ኺመርሖ ኣይንጽበዮንዶ፧ እወ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ምውዳቡን ሓድነት ከም ዚህልዎም ምግባሩን፡ መግለጺ ፍቕራዊ ሓልዮቱ እዩ። ሎሚ፡ የሆዋ ነቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ንምፍጻም ውድቡ ይጥቀም እዩ። ንውድቡ ብኸመይ ኢና ኸነለልዮ እንኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ረቛሒታት እስከ ንርአ።
▪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ዕዮ ንምዕያይ እተወደቡ እዮም። (ማቴዎስ 24:14፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ኣዚዝዎም እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ብዓለምለኻዊ ውድብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብኻልእ ኪዕየ ዘይከኣል ዕዮ እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ በይንኻ ንሓደ ሰብ ክትምግብ ትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ ብኣሽሓት ወይ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ንምምጋብ ግን ሓባራዊ ጻዕሪ ዚገብሩ ብጽቡቕ እተወደቡ ጕጅለ ሰባት የድልዩ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት መዝነቶም ንምፍጻም “ሐቢሮም” እዮም ዚዓዩ። (ጸፎንያስ 3:9) ካብ እተፈላለየ ህዝብታትን ቋንቋታትን ዓሌታትን ዝመጹ ህዝቢ፡ ኣብ ሓንቲ ሓድነት ዘለዋ ውድብ እንተ ዘይተወዲቦም፡ ብሓባር ኪዓዩ ይኽእሉዶ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንጹር እዩ።
▪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ንምድግጋፍን ንምትብባዕን እተወደቡ እዮም። በይኑ ናብ ኣኽራን ዚሓኵር ሰብ፡ ኣበይ ከም ዚሓኵር ባዕሉ ኺውስን ይኽእል እዩ፣ ተመክሮ ምስ ዘይብሎም ሓዀርቲ ኺሓኵር ድማ ኣይደልን ይኸውን። ሓደጋ እንተ ኣጋጢምዎ ግን፡ ዚድግፎ ሰብ ስለ ዘይብሉ፡ ኣብ ከቢድ ጸገም እዩ ዚወድቕ። ብሓቂ እምበኣር፡ ርእስኻ ምፍላይ ጥበባዊ ኣይኰነን። (ምሳሌ 18:1) ክርስትያናት ነቲ የሱስ ዝሃቦም ትእዛዝ ንኺፍጽሙ፡ ንሓድሕዶም ኪተሓጋገዙን ኪደጋገፉን ኣለዎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ኵሎም ኣባላታ ኸይተሓለሉ ዕዮኦም ብትግሃት ንኪቕጽሉ ዚሕግዝ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መምርሕን ስልጠናን ምትብባዕን ትህብ እያ። መምርሒ ዚርከበሉን ኣምልኾ ዚግበረሉን እተወደበ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንተ ዘይህሉ ነይሩ፡ ሓደ ሰብ ንመገድታት የሆዋ ኣበይ ኪመሃር ምኸኣለ፧—እብራውያን 10:24, 25።
▪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣምላኽ ብሓድነት ንምምላኽ እተወደቡ እዮም። ኣባጊዕ የሱስ፡ ቃሉ ምስ ሰምዓ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ፡ “ሓደ መጓሰ” እየን ዚዀና። (ዮሃንስ 10:16) ኣብ እተፈላለያ ኣብያተ-ክርስትያንን ጕጅለታትን ፋሕ ዝበላ፡ ወይ ብሰረተ-እምነት እተኸፋፈላ ኣይኰናን። የግዳስ፡ ኵለን “ሓደ ዘረባ” እየን ዚዛረባ። (1 ቈረንቶስ 1:10) ብሓድነት ንኽንነብር፡ ስርዓት የድልየና እዩ፣ ስርዓት ንኺህሉ ድማ፡ ውድብ የድሊ እዩ። በረኸት ኣምላኽ ዚረኽቡ እውን፡ ሓድነት ዘለዎም ኣሕዋት ጥራይ እዮም።—መዝሙር 133:1, 3።
ንኣምላኽን ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘለዎም ሚልዮናት ሰባት፡ ኣብ ሓንቲ ነዝን ንኻልእ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ብቕዓታትን እተማልእ ውድብ ተወዲቦም እዮም። ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከም ሓደ እተወደበን ሓድነት ዘለዎን ህዝቢ ዀይኖም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ይጽዕሩ እዮም። ኣምላኽ፡ “ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ተመባጺዑሎም እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:16) ንስኻ እውን፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ምስ ውድቡ ሓቢርካ እንተ ኣምሊኽካዮ፡ ነዚ ዜደንቕ በረኸት እዚ ኽትረክብ ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ማይክሮ ሜተር፡ ሓደ ኻብ ሚልዮን ክፋል ሜተር ማለት እዩ።
b ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ፡ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ 2ይ ጥራዝ፡ ኣብ ገጽ 214-220 ርአ።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ሰፈር እስራኤላውያን ብጽቡቕ እተወደበ እዩ ነይሩ
[ኣብ ገጽ 14, 15 ዘሎ ስእልታት]
ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ንምክያድ፡ ውድብ የድሊ
ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት
ረድኤት ባህርያዊ ሓደጋ
ዓበይቲ ኣኼባታት
ህንጸት ቦታ ኣምልኾ