መዝሙር 147
ፍሉይ ጥሪት
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ሓድሽ ፍጥረት ኣምላኽ’ዮም፡
ዝረኸቡ ስምረቱ፣
ካብ ደቂ ሰብ ዓዲጉ፡
ዘርኣዮም ምሕረቱ።
(ኣዝማች)
ንስምካ ዚዀኑ
ህዝቢ’ዮም ፍሉይ ጥሪት፡
ምስጋና ውዳሰ
ወትሩ ዜቕርቡ ሕሩይ ዓሌት።
ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ’ዮም፡
ናቱ ኣማን ብኣማን፣
ዝወጹ’ዮም ካብ ጸልማት፡
ናብ ዜገርም ብርሃን።
(ኣዝማች)
ንስምካ ዚዀኑ
ህዝቢ’ዮም ፍሉይ ጥሪት፡
ምስጋና ውዳሰ
ወትሩ ዜቕርቡ ሕሩይ ዓሌት።
ይምስክሩ ብጽንዓት፡
ይሰብኩ’ውን ተጊሆም።
መዝነቶም የኽብሩ፡
ይሕልዉ ቓሎም።
(ኣዝማች)
ንስምካ ዚዀኑ
ህዝቢ’ዮም ፍሉይ ጥሪት፡
ምስጋና ውዳሰ
ወትሩ ዜቕርቡ ሕሩይ ዓሌት።
(ኢሳ. 43:20ሀ, 21፣ ሚል. 3:17፣ ቈሎ. 1:13 እውን ርአ።)