ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 57 ገጽ 138-ገጽ 139 ሕ.ጽ. 8
  • የሱስ ንሓንቲ ጓልን ንሓደ ጸማምን ኣሕወየ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ንሓንቲ ጓልን ንሓደ ጸማምን ኣሕወየ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቶም ጥቑዓት ምድንጋጽ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ስንክልና ዘኽትመሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ናይ ወድሰብ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ቀሪቡ ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • “ሓሳብ ክርስቶስ” ኣሎካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 57 ገጽ 138-ገጽ 139 ሕ.ጽ. 8
ሓንቲ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ ንየሱስ ትልምኖ፣ የሱስ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛን ሓደ ጸማም ሰብኣይ የንብር

ምዕራፍ 57

የሱስ ንሓንቲ ጓልን ንሓደ ጸማምን ኣሕወየ

ማቴዎስ 15:21-31 ማርቆስ 7:24-37

  • የሱስ ንሓንቲ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ፡ ጓላ ኣሕወየላ

  • ንሓደ ጸማምን ለኻትን ኣሕወዮ

የሱስ ንፈሪሳውያን ብምኽንያት እቲ ንጥቕሚ ርእሶም ዝገበርዎ ስርዓታት ድሕሪ ምዅናኑ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኸደ። ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብቲ ብሰሜናዊ ምዕራብ ሓያሎ ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ኣብ ፊንቄ ዚርከብ ዞባ ጢሮስን ዞባ ሲዶንን ከደ።

የሱስ ዜዕርፈላ ቤት ረኸበ፣ ኣበይ ከም ዘሎ ግና ሓደ እኳ ኺፈልጥ ኣይደለየን። ይኹን እምበር፡ ኣብኡ እውን እንተ ዀነ፡ ኪሕባእ ኣይከኣለን። ሓንቲ ኣብቲ ቦታ እቲ እተወልደት ግሪኻዊት ሰበይቲ ንየሱስ ረኸበቶ እሞ፡ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ። ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ ኣሎ” እናበለት ለመነቶ።—ማቴዎስ 15:22፣ ማርቆስ 7:26።

ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ “እናጨርሐት ደድሕሬና ትመጽእ ኣላ እሞ፡ ኣፋንዋ” ኢሎም ለመንዎ። የሱስ ከኣ፡ “ብዘይካ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል፡ ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን” ብምባል ስለምንታይ ዕሽሽ ከም ዝበላ ነገሮም። እታ ሰበይቲ ግና ተስፋ ኣይቈረጸትን። የግዳስ፡ ቀሪባ፡ “ጐይታይ፡ ርድኣኒ” እናበለት ሰገደትሉ።—ማቴዎስ 15:23-25።

የሱስ ድማ እምነታ ኺፍትን ኢሉ እዩ ዚኸውን፡ “እንጌራ ውሉዳት ኣልዒልካ ንዀራኹር ምድርባይ ግቡእ ኣይኰነን” ብምባል ነቲ ኣይሁድ ንኻልኦት ኣህዛብ ዝነበሮም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዜንጸባርቕ ምላሽ ሃባ። (ማቴዎስ 15:26) የሱስ፡ ኣኽላባት ዘይኰነስ፡ “ኰራኹር” ምባሉ፡ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ኸም ዚልውሃሎም እዩ ኣርእዩ። ኣብ ገጹ ዚርአ ዝነበረ መግለጽን ኣብ ድምጹ ዚስማዕ ዝነበረ ርሕራሐን እውን ነዚ ስምዒታት እዚ ኣመሓላሊፍዎ ኪኸውን ኣለዎ።

እታ ሰበይቲ ግና በዚ ኣብ ክንዲ እትቕየም፡ ካብቲ ንሕማቕ ኣረኣእያ ኣይሁድ ዜንጸባርቕ ቃላት ተበጊሳ ብትሕትና፡ “እወ ጐይታይ፡ ኰራኹር እውን ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለት። የሱስ ነቲ ጽቡቕ ልባ ስለ ዘስተብሃለሉ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፣ ከም ዝደለኽዮ ይኹነልኪ” በላ። (ማቴዎስ 15:27, 28) እታ ጓል ኣብኡ እኳ እንተ ዘይነበረት፡ ከምኡ ዀነ! እታ ሰበይቲ ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ ጓላ ምሉእ ብምሉእ ሓውያ፡ ኣብ ዓራት ደቂሳ፡ “እቲ ጋኔን ከኣ ወጺኡላ” ረኸበታ።—ማርቆስ 7:30።

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ ዞባ ፊንቄ ነታ ሃገር ኣቋሪጾም ናብቲ ላዕለዋይ ሸነኽ ፈለግ ዮርዳኖስ ከዱ። ናብ ዞባ ደካጶሊስ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ንዮርዳኖስ ብሸነኽ ሰሜን ባሕሪ ገሊላ ተሳጊሮምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ሓደ ኸረን ደየቡ፣ እቶም ህዝቢ ግና ረኸብዎም። ሓንካሳትን ቈራያትን ዕዉራትን ዓባሳትን ድማ ኣምጽኡሉ። ነቶም ሕሙማት ከኣ ኣብ ጥቓ እግሩ ኣንበርዎም፣ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ተገረሙ፡ ንኣምላኽ እስራኤል እውን ኣሞገስዎ።

የሱስ ንሓደ ጸማምን ለኻትን ሰብ ፍሉይ ቈላሕታ ገበረሉ። እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ መንጎ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ኰነ ኸመይ ከም እትሰምዖ ኽትርድኦ ትኽእል ኢኻ። የሱስ ንፍርሂ እዚ ሰብኣይ እዚ ስለ ዘስተብሃለሉ እዩ ዚኸውን ካብቶም ህዝቢ ፈልዩ ንበይኑ ወሰዶ። በይኖም ምስ ኰኑ ኸኣ፡ እንታይ ከም ዚገብረሉ ብምልክት ነገሮ። ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛን እቲ ሰብኣይ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ። ናብ ሰማይ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ድሕሪ ምጥማት ከኣ፡ “ተኸፈት” ዚትርጕማ ሴማዊት ቃል ኣውስአ። ሽዑ፡ እቲ ሰብኣይ ኪሰምዕ ጀመረ፡ ከይተሸገረ ኸኣ ኪዛረብ ከኣለ። ሰባት ኣብቲ ባዕሎም ዝረኣይዎምን ዝሰምዕዎም ተመርኲሶም ምእንቲ ኺኣምኑ፡ የሱስ እዚ ነገር እዚ ኺውረ ኣይደለየን።—ማርቆስ 7:32-36።

የሱስ በዚ ኸምዚ ኼሕዊ ምኽኣሉ፡ ኣብቶም ‘ብዙሕ ዚግረሙ’ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ዓብዪ ጽልዋ ነበሮ። ንሳቶም ድማ፡ “ንዅሉ ጽቡቕ ገይርዎ። ጸማማት ከም ዚሰምዑ፡ ዓባሳት ከኣ ከም ዚዛረቡ ገይሩ” በሉ።—ማርቆስ 7:37።

  • የሱስ ንጓል እታ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ ብኡብኡ ዘየሕወያ ስለምንታይ እዩ፧

  • የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ ዞባ ፊንቄ ናበይ እዮም ዝኸዱ፧

  • የሱስ ነቲ ጸማምን ለኻትን ሰብኣይ ከመይ ገይሩ እዩ ዝራሕርሓሉ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ