ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/7 ገጽ 4-7
  • ናይ ወድሰብ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ቀሪቡ ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ወድሰብ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ቀሪቡ ኢዩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እምነትኪ ኣሕወየትኪ”
  • ብሓይሊ ኣምላኽ እተገብረ ምሕዋያት
  • ዕላማ ናይ ተኣምራታዊ ምሕዋይ
  • ሎሚኸ ተኣምራታዊ ምሕዋይ የድሊ ድዩ፧
  • ድሕሪ ደጊም ሕማምን ሞትን ኣይክህሉን ኢዩ
  • ሎሚ ዚግበር ‘ተኣምራዊ ምሕዋይ’ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተኣምር የሕውዩ ድዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተኣምራታዊ ምሕዋይ ገና ይቕጽልዶ ኣሎ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኵሉ ተኣምራዊ ምሕዋይ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/7 ገጽ 4-7

ናይ ወድሰብ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ቀሪቡ ኢዩ

“ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርኤናን።” እዚ ሓሳባት እዚ እቶም ብየሱስ እተፈጸመ ተኣምራታውን ቅጽበታውን ምሕዋይ ናይ ሓደ መጻጕዕ ዝረኣዩ መሰኻኽር ዝበልዎ ኢዩ። (ማርቆስ 2:⁠12) የሱስ ንዕዉራት: ጸማማት: ከምኡውን ሓንካሳት ኣሕውዩ ኢዩ ሰዓብቱውን ተመሳሳሊ ኢዮም ገይሮም። የሱስ ነዚ ዝገበረ በየናይ ሓይሊ ተጠቒሙ ኢዩ፧ እምነትከ እንታይ ግደ ነበራ፧ እዞም ናይ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ተመክሮታት ኣብዞም ሎሚ ዘሎ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ዝበሃሉ እንታይ ብርሃን ኢዮም ዘብርሁ፧​—⁠ማቴዎስ 15:⁠30, 31

“እምነትኪ ኣሕወየትኪ”

እቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ብእምነት ነሕዊ ኢና ዝብሉ ሰባት: ነተን የሱስ ነታ ን12 ዓመታት ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ዝነበረት ሰበይቲ ንኸሕውያ ምስ ቀረበቶ “እምነትኪ ኣሕወየትኪ” ዝበለን ቃላት ክጠቕስወን ባህ ኢዩ ዝብሎም። (ሉቃስ 8:⁠43⁠-​48) እተን ናይ የሱስ ቃላት ምሕዋያ ኣብ እምነታ እተጸግዐ ከም ዝዀነ ድየን ዘመልክታ፧ እዚኸ ኣብነት ናይቲ ሎሚ ዝዝውተር ዘሎ “ብእምነት ምሕዋይ” ድዩ፧

ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ተጠንቂቕና ምስ እነንብቦ: ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ነቶም ሕሙማት ቅድሚ ምሕዋዮም እምነቶም ክገልጹ ፈጺሞም ከም ዘይሓተትዎም ኢና እንግንዘብ። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ሰበይቲ ቀሪባ: ንየሱስ ገለ ቃላት ከይተዛረበት ብድሕሪኡ ኰይና ክዳኑ ተንከየት: “ብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ።” ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን: የሱስ ንሓደ ካብቶም ክሕዝዎ ዝመጹ ሰብኡት ኣሕውይዎ ኢዩ። ንሓደ የሱስ መን ምዃኑ ፈጺሙ ዘይፈልጥ ዝነበረ ሰብኣይውን ከይተረፈ ኣሕውይዎ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 22:⁠50, 51፣ ዮሃንስ 5:⁠5⁠-​9, 13፣ 9:⁠24⁠-​34

እምነት ድኣ እሞ እንታይ ግደ ኢዩ ነይርዋ፧ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ኣውራጃ ጢሮስን ሲዶናን ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ሓንቲ ከንኣናዊት ሰበይቲ መጸት እሞ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት: ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ አሎ እሞ: ምሐረኒ” እናበለት ጨደረት። “ጐይታይ: ርድኣኒ” እናበለት ክትልምን ከላ ዝነበራ ጭንቀት እሞ ሕስብ ኣብሎ። የሱስ ብድንጋጸ ተላዒሉ “ኣቲ ሰበይቲ: እምነትኪ ዓባይ እያ: ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ” ኢሉ መለሰላ። “ካብታ ሰዓት እቲኣ” ኸኣ ጓላ ሓወየት። (ማቴዎስ 15:⁠21⁠-​28) ብንጹር ከም እተራእየ እምነት ነይሩ ኢዩ: ግን ናይ መን እምነት፧ የሱስ ዘመስገነ ንእምነት ናይታ ኣደ ድኣ እምበር ንእምነት ናይታ ዝሓመመት ቈልዓ ከም ዘይነበረ ኣስተብህል። ኣብ ምንታይከ ኢዩ እምነት ነይርዋ፧ ንየሱስ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት” ኢላ ብምጽዋዓ: የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣፍልጦ ሂባ ኢያ። ኣብ ኣምላኽ ወይ ከኣ ኣብ ሓይሊ ናይቲ ዘሕዊ ዝነበረ እምነት ከም ዘለዋ ምግላጽ ጥራይ ኣይነበረን። የሱስ “እምነትኪ ኣሕወየትኪ” ክብል ከሎ: እቶም ውጹዓት ከም መሲሕ ገይሮም ኣብኡ እንተዘይኣምኑ ነይሮም ናብኡ ክመጹ ከም ዘይክእሉ ኢዩ ዝሕብር ነይሩ።

ካብዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት እዚ ክንርእዮ ከም እንኽእል: እቲ ብየሱስ ዝፍጸም ዝነበረ ምሕዋይ ካብቲ ሎሚ ዝርአ ወይ ከኣ ዝበሃል ኣዝዩ እተፈልየ ከም ዝዀነ ኢዩ። እቶም ህዝቢ ከም እኒ ምጭዳር: ምዝማር: ምውጫጭ: ቀልብኻ ምጥፋእን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ብርቱዕ ስምዒታዊ መግለጺታት ኣይነበሮምን: ብወገን የሱስ እውን እንተዀነ ብርቱዕ ስምዒታዊ ምልዕዓል ይርአ ኣይነበረን። ኣብ ርእሲ እዚውን የሱስ እምነት ኣጕዲሎም ወይ ከኣ ህያባቶም ምሉእ ኣይነበረን ብዝብል ምኽኒት ነቶም ውጹዓት ከየሕወዮም ስቕ ዝበለሉ ግዜ ፈጺሙ ኣይነበረን።

ብሓይሊ ኣምላኽ እተገብረ ምሕዋያት

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዝገብርዎ ዝነበሩ ምሕዋይ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ሓይሊ እግዚኣብሄርውን ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ” ብምባል ይምልስ። (ሉቃስ 5:⁠17) ሓደ ምሕዋይ ምስ ተገብረ ሉቃስ 9:⁠43 ከምዚ ትብለና:⁠- “ኵላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ።” የሱስ ከም ኣሕዋዪ መጠን ኣብ ገዛእ ርእሱ ትዅረት ዘይምስሓቡ ምስዚ ዝሰማማዕ ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንሓደ ካብ ናይ ኣጋንንቲ ምሽጋር ናጻ ዘውጽኦ ሰብኣይ “ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ: እግዚኣብሄር ከመይ ዘበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐረካን ንገሮም” በሎ።​—⁠ማርቆስ 5:⁠19

የሱስን ሃዋርያትን ብሓይሊ ኣምላኽ የሕውዩ ስለ ዝነበሩ: ብወገን እቲ ዝሓዊ ሰብ እምነት ዘድሊ ኵሉ ግዜ ከም ዘይነበረ ንምርደኡ ቀሊል ኢዩ። ይኹን እምበር ብወገን እቲ ዘሕዊ ጽኑዕ እምነት የድሊ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ሰዓብቲ የሱስ ንሓደ ፍሉይ ሓይሊ ዝነበሮ ጋኔን ምውጽኡ ምስ ስኣኑ: የሱስ “እምነትኩም ስለ ዝጐደለት [ኢዩ]” ብምባል ምኽንያቱ ነገሮም።​—⁠ማቴዎስ 17:⁠20

ዕላማ ናይ ተኣምራታዊ ምሕዋይ

የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብዙሕ ምሕዋያት እኳ ይገብር እንተነበረ: ‘ናይ ምሕዋይ ኣገልገሎት’ ኣይኰነን ዘቐድም ነይሩ። እቲ ንሰባት ከየኽፈለ ወይ ከኣ ናይ ገንዘብ ወፈያ ክገብሩ ከይሓተተ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ካልኣይ ቦታ ናይቲ ዘገድሶ ዝነበረ ቀንዲ ዕዮ ማለት ‘ወንጌል መንግስቲ ምስባኽ’ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 9:⁠35) እቲ ጸብጻብ ከም ዝነግረና ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ተቐበሎም: ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ነገሮም: ምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም።” (ሉቃስ 9:⁠11) ኣብቲ ናይ ወንጌል ጸብጻብ: የሱስ ብተደጋጋሚ “መምህር” ተባሂሉ ድኣ እምበር “ዘሕዊ” ተባሂሉ ፈጺሙ ተጸዊዑ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ስለምንታይ ድኣ ኢዩ እሞ የሱስ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ዝገብር ነይሩ፧ ብመሰረቱ እቲ ተስፋ ተገይርሉ ዝነበረ መሲሕ ንሱ ምዃኑ ምእንቲ ክልለ ኢዩ። ዮሃንስ መጥምቕ ፍትሓዊ ብዘይኰነ መገዲ ምስ ተኣስረ: ኣምላኽ ክገብሮ ዝለኣኾ ነገራት ከም ዝፈጸመ ዘርኢ መረጋገጺ ደለየ። ደቀ መዛሙርቱ ናብ የሱስ ልኢኹ “እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሉ ሓተተ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ እንታይ ከም ዝበሎም ኣስተብህል:⁠- “ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፤ ዕዉራት ይርእዩ: ሓንካሳት ይኸዱ: ለምጻማት ይነጽሁ: ጸማማት ይሰምዑ: ምዉታት ይትንስኡ: ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ።”​—⁠ማቴዎስ 11:⁠2⁠-​5

እወ: የሱስ ምሕዋይ ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ኣብ ወንጌላት ተመዝጊቡ ዘሎ ተኣምራታዊ ዕዮታት እውን ምፍጻሙ: ብዛዕባ መንነቱ ‘እቲ ዝመጽእ:’ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ዝሕብር ጽኑዕ መረጋገጺ ሂቡ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ‘ካልእ ክጽበ’ ኣየድልዮን ኢዩ ነይሩ።

ሎሚኸ ተኣምራታዊ ምሕዋይ የድሊ ድዩ፧

ሎሚኸ ኣምላኽ ብምሕዋይ ገይሩ ሓይሉ ከረጋግጽ ክንጽበዮ ይግብኣና ድዩ፧ ኣይግብኣናን ኢዩ። የሱስ ብሓይሊ ኣምላኽ ተጠቒሙ ብዝፈጸሞ ተኣምራታዊ ዕዮታት ገይሩ: ንሱ እቲ ኣምላኽ ንኽመጽእ ተመባጺዕዎ ዝነበረ መሲሕ ምዃኑ ብዘየጠራጥር መገዲ ጽኑዕ መሰረት ሃኒጹ ኢዩ። እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ብርቱዕ ተግባራት ኵሎም ሰባት ንኸንብብዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣምላኽ ነዚ ተግባራት እዚ ኣብ ኵሎም ወለዶታት ብምድጋም ሓይሉ ከረጋግጽ ኣየድልዮን ኢዩ።

እቲ ዘገርም ድማ ምሕዋይን ካልእ ተኣምራታዊ ተግባራትን ንእተወሰኑ ሰባት ጥራይ ኢዩ ዘእምኖም ነይሩ። እቶም ነቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራታት ናይ ዓይኒ መሰኻኸር ዝነበሩ ሰባት እኳ ከይተረፉ ናይ ሰማያዊ ኣቡኡ ደገፍ ከም ዝነበሮ ኣይኣመኑን። “እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ: . . . ብእኡ ኣይአመኑን።” (ዮሃንስ 12:⁠37) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ: ብዛዕባ እቲ ነቶም እተፈላለዩ ኣባላት ናይታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ እተዋህበ ከም እኒ ምንባይ: ብቛንቋታት ምዝራብ: ምፍዋስን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን በብዓይነቱ ተኣምራታዊ ህያባት ምስ ተዛረበ ብመንፈስ ተመሪሑ ከምዚ ክብል ዝኸኣለ:⁠- “ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዐር: ምዝራብ ቋንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ: ፍልጠት እንተሎውን ንሱ ኺሰዐር እዩ: ማለት: ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ: ሓደ ምቃል ከአ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ: እቲ ምቃል ኪሰዐር እዩ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 12:⁠28⁠-​31፣ 13:⁠8⁠-​10

ልክዕ ኢዩ ኣብ ኣምላኽ እምነት ምግባር ንድሕንነትና ኣድላዪ ኢዩ። እምነትካ ኣብቲ ናይ ሓሶት ናይ ምሕዋይ ተስፋታት ምህናጽ ግን ናብ ተስፋ ምቝራጽ ጥራይ ኢዩ ዝመርሕ። ኣብ ርእሲ እዚውን የሱስ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ግዜ እዚ ዝስዕብ መጠንቀቕታ ሂቡ ኢዩ:⁠- “ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ: እንተ ተኻእሎምሲ: ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ: ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።” (ማቴዎስ 24:24) ኣብ ርእሲ እቲ ሕክምናዊ ክእለት ከም ዘለዎ ምምሳሉን ምትላልን: ናይ ኣጋንንታዊ ሓይሊ መርኣያታትውን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ እምበኣር: እቲ ኣሎ ዝበሃል ክግለጽ ዘይከኣል ፍጻመታት ከገርመና ኣይግብኦን ኢዩ: ነቲ ኣብ ኣምላኽ ክህልወና ዘለዎ ናይ ሓቂ እምነት ከኣ ፈጺሙ መሰረት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

ሎሚ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ምሕዋይ ዝገብር ስለ ዘየለ ተወጺዕና ዲና፧ ፈጺምና ኣይተወጻዕናን። ብርግጽ እኳ ድኣ እቶም ብየሱስ ዝሓወዩ ውዒሎም ሓዲሮም እንደገና ሓሚሞም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኵሎም ኣሪጎምን ሞይቶምን ኢዮም። እቲ ዝረኸብዎ ናይ ምሕዋይ ረብሓታት ብተዛማዲ ንሓጺር እዋን ጥራይ ኢዩ ጸኒሑ። ገና ግን እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ትእምርታዊ ምሕዋይ ነቲ ዝመጽእ በረኸታት ጽላሎት ብምዃኑ ነባሪ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ።

ስለዚ ኸኣ ኢዮም እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ኣለክሳንድራን በነዲታን ንቓል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ድሕሪ ምምርማሮም ኣብ ዘመናዊ ብእምነት ምሕዋይን መናፍስታዊ ምፍዋስን ዝነበሮም እምነት ኣቋረጹ። ምስናይዚ ግን ተኣምራታዊ ምሕዋያት ሕሉፍ ፍጻመታት ኰይኖም ጥራይ ዝተርፉ ከም ዘይኰኑ ኣመኑ። እዚ እምነት እዚ ክህልዎም ዝኸኣለ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ከምቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት: ነቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝግበር ናይ ምሕዋይ በረኸታት ስለ ዝጽበዩ ኢዮም።​—ማቴዎስ 6:​10

ድሕሪ ደጊም ሕማምን ሞትን ኣይክህሉን ኢዩ

ኣቐዲምና ከም ዝርኣናዮ: ኣገልግሎት የሱስ ቀንዲ ዕላምኡ ሕሙማት ምሕዋይን ካልእ ተኣምራታት ምፍጻምን ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡ ግን ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ቀንዲ ዕዮኡ ገይርዎ ነበረ። (ማቴዎስ 9:⁠35፣ ሉቃስ 4:⁠43፣ 8:⁠1) ኣምላኽ በታ መንግስቲ እቲኣ ገይሩ ነቲ ተኣምራታዊ ምፍዋስ ወድሰብ ክፍጽሞ ኢዩ: ነቲ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ወድሰብ ኣምጺእዎ ዘሎ ጐዳኢ ሳዕቤናት ከኣ ብምሉኡ ክፈትሖ ኢዩ። ነዚ ዝፍጽሞ መዓስን ብኸመይን ኢዩ፧

ክርስቶስ የሱስ ብዛዕባ እቲ ነዊሕ ክፍለ-ዘበናት ጸኒሑ ክፍጸም ዝነበሮ ነገራት ንዮሃንስ ሃዋርያኡ እዚ ዝስዕብ ትንቢታዊ ራእይ ሂብዎ ኢዩ:⁠- “ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ: ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ።” (ራእይ 12:⁠10) ካብ 1914 ንነጀው እቲ ዝዓበየ ናይ ኣምላኽ ተጻራሪ: ሰይጣን: ናብ ከባቢ ምድሪ ምድርባዩ: ሕጂ ኸኣ እታ መንግስቲ ክውንቲ ኰይና ትዓዪ ምህላዋ ዘርኢ ምሉእ መርትዖታት ኣሎ! የሱስ ከም ንጉስ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ስልጣን ኢዩ ዘሎ: ሕጂ ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዓበይቲ ለውጥታት ንምምጻእ ተዳልዩ ኢዩ ዘሎ።

ድሕሪ ቐረባ ግዜ ናይ የሱስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ጻድቕ ዝዀነ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ማለት ‘ሓድሽ ምድሪ’ ክትገዝእ ኢያ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ሽዑ እንታይ ዓይነት ኵነታት ኢዩ ክህሉ፧ ሓደ ግርማዊ ትርኢት እንሆ:- “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም: . . . ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—⁠ራእይ 21:​1, 4

እቲ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ወድሰብ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ሽዑ ህይወት እንታይ ከም እትመሰል ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” NW ] እየ: ኣይብልን።” እወ: ኣምላኽ እቶም ብእምነት ነሕዊ ኢና ዝብሉ ሰባት ክገብርዎ ዘይክእሉ ነገራት ክፍጽም ኢዩ። “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ [ኢዩ]።” ብርግጽ እኳ ድኣ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ . . . ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ወዲ ሰብ ብተኣምራታዊ መገዲ ክፍወስ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ