ሕቶታት ኣንበብትና
ኵሉ ተኣምራዊ ምሕዋይ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧
የሆዋ ኣምላኽ፡ ናይ ምሕዋይ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣየጠራጥርን እዩ። ነዚ ሓይሊ እዚ ንኣምለኽቱ ኺህቦም ከም ዚኽእል እውን ዘጠራጥር ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ሃዋርያት፡ ሓደ ኻብቲ ፍሉይ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ተኣምራዊ ምሕዋይ እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሀቦ እዩ። ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሀቦ እዩ፡ . . . ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሀቦ፡ . . . ንሓደ ትንቢት፡ . . . ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ . . . ይውሀቦ።”—1 ቈረንቶስ 12:4-11
ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዚጸሓፋ መልእኽቲ፡ እቲ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዚግበር ተኣምራዊ ምሕዋይ ከም ዜብቅዕ እውን ጽሒፉ እዩ። “ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዐር፡ ምዝራብ ቋንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት እንተሎውን ንሱ ኺሰዐር እዩ” በለ።—1 ቈረንቶስ 13:8።
ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ተኣምራዊ ምሕዋይ ይገብሩ ነይሮም እዮም። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ታሪኽ ክርስትና፡ እቲ ንናይ ምሕዋይ ተግባራት ዜጠቓልል ውህበት መንፈስ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ ዚግበር ነይሩ፣ የሆዋ ነታ ኣብቲ ግዜ እቲ እተመስረተት ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ስምረቱን በረኸቱን ከም ዝሃባ ኸኣ የመልክት ነበረ። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናብ ብስለት ምስ በጽሐት ወይ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተመስረተት ግን፡ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዋ እተርእየሉ ምልክት፡ ፍሉይ ውህበት ብምጥቃም ዘይኰነስ፡ ድልድልቲ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ብምንጽብራቕ እዩ። (ዮሃንስ 13:35፣ 1 ቈረንቶስ 13:13) ስለዚ፡ ብ100 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዋ ንምምልካት ተባሂሉ ዚግበር ዝነበረ ተኣምራዊ ምሕዋይ ኣቋረጸ።a
ይኹን እምበር፡ ‘ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ሕጂ እውን ከይተረፈ ተኣምራዊ ምሕዋይ ከም እተገብረ ዚገልጽ ጸብጻባት ዚስማዕ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ንኣብነት፡ ሓንቲ ጋዜጣ ብዛዕባ ሓደ ሕማም መንሽሮ ኸም ዝነበሮ እተዛረበ ሰብኣይ ዚገልጽ ጸብጻብ ኣውጽአት። ኣብ ርእሱ፡ ኣብ ኵላሊቱ፡ አረ ኣብ ውሽጢ ኣዕጽምቱ እውን ከይተረፈ ጥረታት ነበሮ። ክሳዕ እታ ‘ኣምላኽ ተዛሪቡኒ’ ዝበለላ መዓልቲ፡ ተስፋኡ ጸልማት ነበረ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝበሎ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ካብ መንሽሮኡ ሓወየ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻብ ክትሰምዕ ከለኻ፡ ንምንታይ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ዘይትሓትት፧ ‘እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ሓቂ እተመስረተ ድዩ፧ ነቲ እተባህለ ዚድግፍ እተመዝገበ ናይ ሕክምና መርትዖ ኣሎ ድዩ፧ ምሕዋይ ከም እተገብረ ኣብ ዚመስለሉ ዅነታት እውን እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ተኣምራዊ ምሕዋይ፡ ኣምላኽ ከም ዝገበሮ ይምህር ድዩ፧’
ብፍላይ መልሲ እታ ናይ መወዳእታ ሕቶ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ ኸምዚ ብምባል ኣጠንቀቖም፦ “ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ . . . በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ [ተኣምራትዶ] ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።”—ማቴዎስ 7:15, 21-23
እምበኣር፡ እቲ ተኣምራዊ ምሕዋይ ዚብልዎ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ካብ ካልእ ምንጪ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። በቶም ብስም ኣምላኽ ተኣምራት ንገብር ኢና ዚብሉ ሰባት ምእንቲ ኸይንታለል፡ ቅኑዕ ፍልጠት ኣምላኽ ከነጥሪ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ናይ ምምዝዛን ክእለት ክንጥቀመሉ፡ ከምኡውን ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ሰባት ከነለልዮም እንኽእለሉ መገዲ ኽንመሃር ኣሎና።—ማቴዎስ 7:16-19፣ ዮሃንስ 17:3፣ ሮሜ 12:1, 2።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሃዋርያት ምስ ሞቱ፡ ምምሕልላፍ ውህበት ዘቋረጸ እዩ ዚመስል፡ እቶም ነቲ ውህበት እተቐበሉ ምስ ሞቱ ኸኣ እቲ ተኣምራዊ ምሕዋይ መንፈስ እውን ምሉእ ብምሉእ ኣቋሪጹ ኪኸውን ኣለዎ።