ተኣምራታዊ ምሕዋይ ገና ይቕጽልዶ ኣሎ፧
“ንየሱስ ተቐበሎ እሞ ሕወ!” ከምዚ ዝኣመሰሉ ጭርሖታት ነቲ ናይ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኣባል ዝዀነ ኣሌክሳንድራ: ካብ ሕማሙ ንኽፍወስ መድሃኒት ምውሳድ እምነት ምጕዳል ከም ዘመልክት ገይሩ ኣብ ምእማን ኣብጺሕዎ ኢዩ። ነቲ ዝደልዮ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ከምጽኣሉ ዝኽእል እምነቱ ጥራይ ምዃኑ ኣመነ። በነዲታ እተባህለት ቀናእ ካቶሊክ: ኣብቲ ዞባዊ መንግስቲ ሳኦ ፓውሎ: ብራዚል: ዝርከብ ኣፓረሲዳ ዳ ኖርተ እተባህለ ቅዱስ ቦታ እተገብረ ተኣምራታዊ ምፍዋስ ምስ ሰምዐት ኣጸቢቓ ተተንከፈት። በነዲታ ንሕሙማት ንምሕዋይ ሓይሊ ምእንቲ ክዋሃባ: ሓትንኣ ዝመሃረታ ገለ ምድጋማት ተጠቒማ ናብ ኪዳነ ምሕረት: ናብ ኣንጦንዮስ: ከምኡውን ናብ ካልኦት “ቅዱሳት” ጸለየት።
ኣብዚ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን መወዳእታ እውን ከይተረፈ: ብዙሓት ሰባት ኣብ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ገና እምነት የሕድሩ ከም ዘለዉ ኢዩ ዝመስል—ግን ስለምንታይ፧ ገሊኣቶም ናይቶም ዘፍቅርዎም ሰባት: ብፍላይ ከኣ ናይ ደቆም ሕማም: ቃንዛ: ከምኡውን ስቓይ ብሓካይም ክፍወስ ስለ ዘይከኣለ ተስፋ ቈሪጾም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ብሕዱር ሕማም እተጠቕዑ ሰባት ዘመናዊ ሕክምና ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዝሓትት: ኣብቶም ብእምነት ንፍውስ ኢና ዝብሉ ክትከይድ ምንም ጕድኣት የብሉን ዝብል ስምዒት ይህልዎም ይኸውን። ገሊኣቶም እተፈላለዩ ቤተ-ክርስትያናትን ውልቀ-ሰባትን አይድስ: መንፈስ ጭንቀት: መንሽሮ: ጽላለ: ብዝሒ ጸቕጢ ደም: ከምኡውን ካልእ ሕማማት ነሕዊ ኢና ክብሉ ከለዉ ኣብ ተለቪዥን ይርእይዎም። እዞም ተዓዘብቲ እዚኣቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሕውዮም ዝብልዎ ተግባራት እምነት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ ከም ዝለዓሉ ምንጪ ሓገዝ ገይሮም ብምርኣይ ናብኦም ይጽግዑ ይዀኑ። ገና እቶም ሕማሞም ብሰንኪ እኩያት መናፍስቲ ከም ዝመጸ ዝኣምኑ ካልኦት ሰባት ድማ እቲ ቅቡል ዝዀነ ሕክምና ክሕግዞም ሓይሊ ከም ዘይብሉ ይስምዖም ይኸውን።
በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: ብዝሞቱ “ቅዱሳት” ወይ ከኣ ብህይወቶም ዘለዉ ኣሕወይቲ ዝግበር ተኣምራታዊ ምሕዋይ ዝበሃል ሓሳብ ብጽኑዕ ዝቃወምዎ: አረ ዝዅንንዎ ሰባትውን ኣለዉ። ብመሰረት ጆርናል ዳ ታርደ እተባህለ ጋዜጣ ኢሚዩኖሎጂስት ድራውስዩ ቨሬላ: ተኣምራታዊ ምሕዋይ “ንእምነት ናይቶም ገርህታትን ተስፋ ዝቘረጹን ዘጸልምት” ኰይኑ ይስምዖ። ወሲኹ እውን “ብዙሓት ኣብ ተኣምራት ተስፋ ብምግባር: ብምኽንያት እዞም መታለልቲ እዚኣቶም ነቲ ወሳኒ ዝዀነ ናይ ሕክምና ምፍዋሳት ክጥንጥንዎ ይኽእሉ ኢዮም” በለ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ኸኣ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ይገልጽ:- “እቲ ልሙድ ዘይኰነ ናይ ምሕዋይ ተግባር ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ምስ ቅዱስ ቦታታትን ሃይማኖታዊ ወግዕታትን ኢዩ ዝተሓሓዝ ነይሩ: ሕክምናዊ ስነ-ፍልጠት ድማ ንዅሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምሕዋይ ተግባራት ናብቲ ምቹእ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ብምዕንዛዝ ኣመላኽኽታ ሰብ ናይ ምጽላው ኣገባብ ናብ ምጽጋዕ ገጹ ዛዘወ።” ገና ግን: ብተኣምራት ከም ዝሓወዩ ዝኣምኑ ብዙሓት ኢዮም። ብኣተሓሳስብኦም እቲ ናይ ምሕዋይ ተግባር ኣስሊጡሎም ኢዩ!
እቶም ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ሌላ ዘለዎም ሰባት የሱስ ክርስቶስ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት “ብሓይሊ ኣምላኽ” ተጠቒሙ ሕሙማት ከም ዘሕወየ ይፈልጡ ኢዮም። (ሉቃስ 9:42, 43 NW ) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ‘ሓይሊ ኣምላኽሲ ሎሚውን ገናዶ ብተኣምራታዊ ምሕዋይ ይዓይን የስልጥን ኣሎ ኢዩ፧’ ብምባል ይሓቱ ይዀኑ። ዝዓዪ እንተድኣ ኣልዩ ግን: እቲ ንምሕዋይ እተገብረ ፈተነታት ነቲ ተስፋ ተዋሂብዎ ዝነበረ ምሕዋይ ዘየምጽእ ድኣ እሞ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ሕሙም እኹል እምነት ስለዘይብሉ ድዩ ወይስ እቲ ዝሃቦ ወፈያ ክሳዕ ክንድቲ ብዙሕ ስለ ዘይኰነ ኢዩ፧ ሓደ ክርስትያን ብዘቐንዙ ምናልባትውን ብዘይሓዊ ሕማም ምስ ዝሳቐ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ክደሊ ግቡእ ድዩ፧ ከምቲ የሱስ ዝፍጽሞ ዝነበረ ዘይፈሽል ተኣምራታዊ ምሕዋይ እንደገና ይግበር ደዀን ይኸውን፧ መልሲ ናይዞም ኣገደስቲ ሕቶታት እዚኣቶም ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ዓንቀጽ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።