ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 64 ገጽ 152-ገጽ 153 ሕ.ጽ. 2
  • ኣገዳስነት ይቕረታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣገዳስነት ይቕረታ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ይቕረ ምባል ዝገልጽ ትምህርቲ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ይቕረ ኽንብል ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ‘ነቲ ገንሸል ይስዕብዎ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 64 ገጽ 152-ገጽ 153 ሕ.ጽ. 2
ሓደ ባርያ ንሓደ ብጻዩ ባርያ ይሓንቆ

ምዕራፍ 64

ኣገዳስነት ይቕረታ

ማቴዎስ 18:21-35

  • ሸውዓተ ሳዕዶ ኽሓድገሉ፧

  • ምሳሌ እቲ ዘይምሕር ባርያ

ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ንዚፍጠር ሽግር ብኸመይ ኪፍታሕ ከም ዚግባእ ዝሃቦ ምኽሪ ሰምዐ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ነዚ ጻዕሪ እዚ ኺገብር ከም ዘለዎ ብቝጽሪ ኺንገሮ ደለየ።

ስለዚ፡ ጴጥሮስ፡ “ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በዲሉኒ፡ ክንደይ ሳዕ እየ ኽሓድገሉ፧ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕዶ፧” ኢሉ ሓተተ። ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ክሳዕ ሰለስተ ሳዕ ምሕረት ኪግበር ከም ዚግባእ ይምህሩ ነበሩ። ስለዚ፡ ጴጥሮስ “ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ” ንሓዉ ይቕረ እንተ ኢሉሉ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዝበለሉ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎ።—ማቴዎስ 18:21።

እንተዀነ ግና፡ በደል ምጽብጻብ ምስቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዚሳነ ኣይኰነን። ስለዚ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ክሳዕ 77 ሳዕ እምበር፡ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ ኣይብለካን” ኢሉ ኣረሞ። (ማቴዎስ 18:22) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ጴጥሮስ ብዝሒ እቲ ንሓዉ ዚገብረሉ ምሕረት፡ ደረት ኪገብረሉ ኸም ዘይግባእ እዩ ተነጊርዎ።

ሓደ ንጉስ ንሓደ ባርያ ዕዳኡ ይሓድገሉ

የሱስ ቀጺሉ ንጴጥሮስን ንኻልኦትን ይቕረ በሃልቲ ኪዀኑ ግዴታ ኸም ዘለዎም ኬረድኦም ኢሉ ሓንቲ ምሳሌ ነገሮም። እታ ምሳሌ ብዛዕባ ሓደ ባርያ እያ፣ እቲ ባርያ ኸኣ ነቲ መሓሪ ዝነበረ ጐይታኡ ንጉስ ኣይመሰሎን። እቲ ንጉስ ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ደለየ። ሓደ 10,000 ታለንት [60,000,000 ዲናር] ዕዳ ዘለዎ ባርያ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቐረበ። ነቲ ዕዳ ኪኸፍሎ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ንጉስ፡ እቲ ባርያን ሰበይቱን ደቁን ኪሽየጡ እሞ እቲ ዕዳ ኪኽፈል ኣዘዘ። ሽዑ፡ እቲ ባርያ ኣብ እግሪ እቲ ጐይታኡ ፍግም ኢሉ፡ “ተዓገሰኒ፡ ኵሉ ክኸፍለካ እየ” ኢሉ ለመኖ።—ማቴዎስ 18:26።

ሓደ ባርያ ንብጻዩ ባርያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዚድርበ ይገብሮ

እቲ ንጉስ ከኣ ደንገጸሉ እሞ ብምሕረት ነቲ ብዙሕ ዕዳኡ ሰረዘሉ። እቲ ንጉስ ከምኡ ምስ ገበረ፡ እቲ ባርያ እቲ ኸይዱ ንሓደ 100 ዲናር ዚእውዶ ብጻዩ ባርያ ረኸቦ። ንዕኡ ሒዙ ኸኣ፡ “ዝእውደካ ዘበለ ኽፈለኒ” እናበለ ሓነቖ። እቲ ብጻዩ ባርያ ግና ኣብ እግሪ እቲ ዘለቅሖ ባርያ ፍግም ኢሉ፡ “ተዓገሰኒ፡ ክኸፍለካ እየ” ኢሉ ለመኖ። (ማቴዎስ 18:28, 29) እቲ በቲ ንጉስ ዕዳኡ እተሓድገሉ ባርያ ንጐይታኡ ኣይመሰሎን። የግዳስ፡ ነቲ ብጻዩ ባርያ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚኸፍል፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዚድርበ ገበሮ።

ሓደ ንጉስ ንዘይምሕር ባርያ የእስሮ

እቶም ነዚ ጭካነ እዚ ዝረኣዩ ኻልኦት ባሮት፡ ከይዶም ንጐይታኦም እቲ ዝዀነ ነገር ነገርዎ። ንሱ ኸኣ ተቘጢዑ ነቲ ባርያ ጸውዖ እሞ፡ “ኣታ እኩይ ባርያ፡ ምስ ለመንካኒ፡ ኵሉ ዕዳኻ ሰሪዘልካ። ንስኻኸ ኸምቲ ዝመሓርኩኻ ንብጻይካ ኽትምሕሮዶ ኣይምተገብኣካን፧” በሎ። እቲ እተቘጥዐ ንጉስ ድማ ነቲ ዘይምሕር ባርያ ዅሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚኸፍል፡ ንሓለውቲ እሱራት ኣሕሊፉ ሃቦ። ድሕርዚ፡ የሱስ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ንሓዉ ኻብ ልቡ ዘይሓድገሉ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ” ኢሉ ዘረባኡ ደምደመ።—ማቴዎስ 18:32-35።

እዝስ ብዛዕባ ይቕረታ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ትምህርቲ ዀን እዩ! ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ዕዳ ሓጢኣት እዩ ሓዲጉልና። ምስኡ ኺነጻጸር ከሎ፡ ሓደ ክርስትያን ሓውና ዚብድለና በደል ንእሽቶ እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ሓንሳእ ዘይኰነስ፡ ኣሽሓት ሳዕ እዩ ይቕረ ዚብለልና። እሞኸ ንሕና ቕር ዜብለና ነገር እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ንሓውና ብዙሕ ሳዕ ይቕረ ኽንብለሉዶ ኣይግባእን፧ ከምቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ዝመሃሮ፡ ኣምላኽ ብመጠን እቲ ‘ንሕና ንዝበደሉና ዝሓደግናሎም እዩ በደልና ዚሓድገልና።’—ማቴዎስ 6:12።

  • ጴጥሮስ ንሓዉ ይቕረ ብዛዕባ ምባል ኺሓትት ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ንሓደ ሰብ ሸውዓተ ሳዕ ይቕረ ምባል ብዙሕ ገይሩ ርእይዎ ኪኸውን ዚኽእልከ ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣብ መንጎ እቲ ንጉስ ንልማኖ ባርያኡ ዝሃቦ ምላሽን ኣብ መንጎ እቲ ባርያ ንልማኖ ብጻዩ ባርያ ዝሃቦ ምላሽን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

  • ካብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ እንታይ ኢና እንምሃር፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ