ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 15/7 ገጽ 20-25
  • “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ምሳሌ መዓስ እዩ ተፈጺሙ፧
  • እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን እዩ፧
  • ኣገልገልቲ ቤት መን እዮም፧
  • ኣብ ዅሉ ንብረት ጐይታኡ እተሸመ መዓስ እዩ፧
  • እሙንን ኣስተውዓልን “ባርያ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ‘ነቲ ገንሸል ይስዕብዎ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን እዩ፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ንክርስቶስን ነቲ እሙን ባርያኡን እሙን ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 15/7 ገጽ 20-25

“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧”

“እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤቱ ዝሸሞ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧”—ማቴ. 24:45።

መልሱ ኽትረኽቦ ትኽእልዶ፧

  • እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን እዩ፧

  • ኣገልገልቲ ቤት መን እዮም፧ የሱስ ነቲ እሙን ባርያ ኣብ ልዕሊኦም ዝሸሞኸ መዓስ እዩ፧

  • ክርስቶስ ነቲ እሙን ባርያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ዝሸሞ መዓስ እዩ፧ እቲ ንብረትከ እንታይ የጠቓልል፧

1, 2. የሱስ በየናይ መትረብ ኣቢሉ እዩ ዚምግበና ዘሎ፧ ነዚ መትረብ እዚ ኸነለልዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

“ኣቱም ኣሕዋት፡ ኣብቲ ንዓይ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝነበረሉ እዋናት፡ ዜድልየኒ ሓበሬታ ዝሓዘ ዓንቀጻት ዘውጻእኩምሉ ግዜያት፡ ጸብጺብካ ዚውዳእ ኣይኰነን።” ሓንቲ ሓብቲ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈትና ንዚዓይዩ ኣሕዋት ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ከምኡ ብምባል ሞሳኣ ገለጸት። ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ መብዛሕትና ኸምኡ እዩ ዚስምዓና። እሞኸ እዚ ኼደንጽወና ይግባእዶ፧ ኣይግባእን እዩ።

2 እቲ እንረኽቦ እዋናዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ምግቢ፡ እቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ የሱስ፡ ነቲ ንኺምግበና ዝኣተዎ መብጽዓ ይሕልዎ ኸም ዘሎ ዚሕብር እዩ። ነዚኸ ብመን ኣቢሉ እዩ ዚገብሮ ዘሎ፧ ብዛዕባ ምልክት እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ኣብ እተዛረቦ ትንቢት፡ ብ“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ንኣገልገልቲ ቤቱ “ምግቦም በብግዜኡ” ኸም ዚህቦም ገሊጹ ኣሎ።a (ማቴዎስ 24:45-47 ኣንብብ።) እቲ እሙን ባርያ፡ እቲ የሱስ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ነቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ንምምጋብ ዚጥቀመሉ ዘሎ መትረብ እዩ። ነዚ መትረብ እዚ ኸነለልዮ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። መንፈሳዊ ጥዕናናን እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብን ኣብዚ መትረብ እዚ እዩ ዚምርኰስ።—ማቴ. 4:4፣ ዮሃ. 17:3።

3. እቲ ብዛዕባ እቲ እሙን ባርያ ዚገልጽ ምሳሌ፡ ኣብ ጽሑፋትና ብኸመይ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

3 ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ እሙን ባርያ ዝሃቦ ምሳሌ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዘሎና፧ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ጽሑፋትና እዚ ዚስዕብ ሓሳባት ወጺኡ ነበረ፦ ‘ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ የሱስ ነቲ እሙን ባርያ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤቱ ሸሞ። እቲ ባርያ ንዅሎም እቶም ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ብደረጃ ጕጅለ የመልክት። ኣገልገልቲ ቤት ከኣ፡ ነቶም ቅቡኣት እቲኦም ብደረጃ ውልቀ ሰብ የመልክቱ። ብ1919፡ የሱስ ነቲ እሙን ባርያ “ኣብ ኵሉ ንብረቱ፡” ማለት ኣብ ኵሉ ምድራዊ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ሸሞ።’ ነቲ ጕዳይ ብጥንቃቐ ተወሳኺ መጽናዕቲ ምስ ገበርናሉን ብጸሎት ምስ ኣስተንተንናሉን ግና፡ እቲ ብዛዕባ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዘሎና ምርዳእ ኪንጽር ከም ዜድልዮ ተገንዘብና። (ምሳ. 4:18) ቀጺልና፡ ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ እቲ ምሳሌን ብኸመይ ከም ዚምልከተናን ንመርምር።

እቲ ምሳሌ መዓስ እዩ ተፈጺሙ፧

4-6. እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ እሙን ባርያ እተዛረቦ ምሳሌ ኺፍጸም ዝጀመረ፡ ድሕሪ 1914 ጥራይ ምዃኑ ኽንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 ኣብ ከባቢ እቲ ብዛዕባ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዚገልጽ ምሳሌ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ እቲ ምሳሌ ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ዘይኰነስ፡ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እዩ ኺፍጸም ጀሚሩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብዚ መደምደምታ እዚ ንኽንበጽሕ ብኸመይ ከም ዝሓገዘና ንርአ።

5 እቲ ብዛዕባ እቲ እሙን ባርያ ዚገልጽ ምሳሌ፡ ክፍሊ እቲ የሱስ ብዛዕባ “ምልክት ኣብዚ [ዚህልወሉ] እዋንን መደምደምታ ስርዓት ዓለምን” እተነበዮ ትንቢት እዩ። (ማቴ. 24:3) እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:4-22 ተመዝጊቡ ዘሎ ቐዳማይ ክፋል እቲ ትንቢት፡ ክልተ ፍጻመ እዩ ዘለዎ። ቀዳማይ፡ ካብ 33 ድ.ክ. ክሳዕ 70 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ ዓመታት እዩ ተፈጺሙ። ካልኣይ፡ ብዝዓበየ ደረጃ ኣብ ግዜና እዩ ተፈጺሙ። እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ እሙን ባርያ እተዛረቦ ቓላትከ ኽልተ ፍጻመ ድዩ ዘለዎ፧ ኣይፋሉን።

6 የሱስ ካብቲ ኣብ ማቴዎስ 24:29 ዚርከብ ቃላት ኣትሒዙ፡ ብቐዳምነት ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜና ዚፍጸም ነገራት እዩ ኣተኲሩ። (ማቴዎስ 24:29, 30, 42, 44 ኣንብብ።) ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸባባ ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት ኣብ ዝሃቦ ሓሳባት፡ ሰባት ‘ንወዲ ሰብ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኸም ዚርእይዎ’ ገለጸ። ቀጺሉ፡ “ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም” ከምኡውን “ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ” ብምባል፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንዚነብሩ ሰባት ኪነቕሑ ተማሕጸኖም።b ኣብዚ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት ኣብ ዝሃቦ ሓሳባት፡ ብዛዕባ እቲ እሙን ባርያ ዚገልጽ ምሳሌ ጠቐሰ። ስለዚ፡ እቲ ብዛዕባ እቲ እሙን ባርያ እተዛረቦ ቓላት ኪፍጸም ዝጀመረ፡ እተን ዳሕሮት መዓልታት ብ1914 ድሕሪ ምጅማረን ከም ዝዀነ ክንድምድም ንኽእል ኢና። እዚ ሓሳባት እዚ፡ ርዱእ እዩ። ስለምንታይ፧

7. ቀውዒ ምስ ጀመረ፡ እንታይ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ እተላዕለ፡ ስለምንታይከ፧

7 ነታ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧” እትብል ሕቶ፡ ሓንሳእ እሞ ሕሰበላ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እዛ ሕቶ እዚኣ እትሕተተሉ ምኽንያት ኣይነበረን። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ሃዋርያት ተኣምራት ኪፍጽሙን ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ተኣምራዊ ውህበት ኬመሓላልፉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም፣ እዚ ኸኣ መለኮታዊ ድጋፍ ከም ዝነበሮም ዚሕብር መርትዖ እዩ ነይሩ። (ግብ. 5:12) ኣብቲ ግዜ እቲ ዚነብር ሰብ ደኣ እሞ፡ ‘ንኺመርሕ ብክርስቶስ እተሸመ መን ኰን እዩ’ ኢሉ ዚሓትተሉ እንታይ ምኽንያት እዩ ነይርዎ፧ ብ1914 ግና፡ ኣዝዩ እተፈልየ ዅነታት እዩ ነይሩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ቀውዒ ጀሚሩ እዩ። ክርዳድ ካብ ስርናይ ዚፍለየሉ ግዜ ኸኣ በጺሑ እዩ። (ማቴ. 13:36-43) ግዜ ቐውዒ ምስ ጀመረ፡ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ተላዕለ። እዚ ኸኣ፡ ‘ኣብዚ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ሓያሎ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ዘለዉሉ እዋን፡ እቶም ንቕቡኣት ክርስትያናት ዜመልክቱ ስርናይ ብኸመይ እዮም ኪልለዩ ዚኽእሉ፧’ ዚብል እዩ። እቲ ብዛዕባ እቲ እሙን ባርያ ዚገልጽ ምሳሌ፡ መልሲ ይህበና እዩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ብግቡእ እተመገቡ፡ እቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ እዮም።

እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን እዩ፧

8. እቲ እሙን ባርያ ብቕቡኣት ክርስትያናት ኪቐውም ብቑዕ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

8 እቲ እሙን ባርያ ኣብ ምድሪ ብዘለዉ ቕቡኣት ዝቘመ ኪኸውን ኣለዎ። እዞም ቅቡኣት እዚኦም፡ “ንጉሳዊ ኽህነት” ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ፡ ብዛዕባ እቲ ‘ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዖም ብሉጽነት ንኺእውጁ’ ድማ ተመዚዞም እዮም። (1 ጴጥ. 2:9) ኣባላት “ንጉሳዊ ኽህነት” ንክርስትያን ብጾቶም ብዛዕባ ሓቂ ኺምህርዎም እምበኣር ዚበቕዑ እዮም።—ሚል. 2:7፣ ራእ. 12:17።

9. እቲ እሙን ባርያ ብዅሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ዝቘመ ድዩ፧ ግለጽ።

9 እቲ እሙን ባርያ ብዅሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ዝቘመ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ከመይሲ፡ ኣብ መላእ ምድሪ ንዘለዉ ክርስትያን ብጾቶም መንፈሳዊ ምግቢ ንኺዕድሉ ግደ ዘለዎም፡ ኵሎም ቅቡኣት ኣይኰኑን። ካብቶም ብስርናይ እተመሰሉ ክርስትያናት፡ ከም ኣገልገልቲ ጉባኤ ወይ ሽማግለታት ኰይኖም ኣብ ጉባኤኦም ዜገልግሉ ቕቡኣት ኣሕዋት ኣለዉ። እዚኣቶም፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱን ኣብ ጉባኤኦምን ይምህሩ እዮም፡ ካብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ንዚመሓላለፍ መምርሒ ድማ ብተኣማንነት ይድግፍዎ እዮም። ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋት መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምዕዳል ግና ግደ የብሎምን። ብዘይካዚ፡ ካብቶም ቅቡኣት ዝዀና ትሑታት ኣሓት ኣለዋ፣ እዘን ኣሓት እዚአን ኣብ ጉባኤ ኺምህራ ፈጺመን ኣይፍትናን እየን።—1 ቈረ. 11:3፣ 14:34።

10. እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን እዩ፧

10 እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ደኣ እሞ መን እዩ፧ ነቲ የሱስ ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ብምምጋብ እተጠቕመሉ መገዲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ባርያ እቲ፡ ኣብ እዋን እቲ የሱስ ኣብዚ ዚህልወሉ ግዜ ብቐጥታ መንፈሳዊ ምግቢ ዜዳሉን ዚዕድልን ብሒደት ቅቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ ጕጅለ እዩ። እቶም ነቲ እሙን ባርያ ዜቝሙ ቕቡኣት ኣሕዋት፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሮም ኬገልግሉ ጸኒሖም እዮም። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ባርያ እቲ ዀይኑ ኺዓዪ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ፡ እታ “ባርያ” እትብል ቃል ንጽል እኳ እንተ ዀነት፡ ንብዙሓት ከም ሓደ ገይሩ ኸም እተዛረበሎም ኣስተብህል። ስለዚ፡ ኣማሓዳሪ ኣካል ውሳነታት ኪገብር ከሎ፡ ብሓባር እዩ ዚውስን።

ኣገልገልቲ ቤት መን እዮም፧

11, 12. (ሀ) እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ እንታይ ክልተ ሽመት እዩ ዚቕበል፧ (ለ) የሱስ ነቲ እሙን ባርያ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤቱ ዝሸሞ መዓስ እዩ፧ ንመንከ እዩ መሪጹ፧

11 ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኽልተ ፍሉይ ሽመት እዩ ተቐቢሉ። እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረት እቲ ጐይታ እዩ። እቲ ምሳሌ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ኣብዚ እዋን መወዳእታ ጥራይ ካብ ኰነ፡ ክልቲኡ ሽመት ብድሕሪ እቲ የሱስ ንጉሳዊ ስልጣን ዝሓዘሉ እዋን ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ንጉሳዊ ስልጣን ዝሓዘ ድማ ብ1914 እዩ።

12 የሱስ ነቲ እሙን ባርያ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤቱ ዝሸሞ መዓስ እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንኽንረኽቦ፡ ናብታ ግዜ ቐውዒ ዝጀመረትሉ ዓመት፡ ማለት ናብ 1914 ክንምለስ ኣሎና። ከምቲ ኣቐዲምና እተመሃርናዮ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ሓያሎ ጕጅለታት፡ ክርስትያናት ከም ዝዀና ይዛረባ ነበራ። የሱስ ነቲ እሙን ባርያ ኻብ ኣየነይቲ ጕጅለ እዩ ዚሓርዮን ዚሸሞን፧ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ንሱን ኣቦኡን ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም ምስ ተቘጻጸሩ እያ ተመሊሳ። እታ ቤተ መቕደስ፡ ነቲ ኻብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ ኽፋል 1919 ዝነበረ መንፈሳዊ ስርዓት ኣምልኾ ተመልክት።c (ሚል. 3:1) ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋን የሱስን፡ ብሒደት ኣባላት ዝቘሙ እሙናት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብምርካቦም ተሓጒሶም እዮም። እዞም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኦም፡ ልቦም ምስ የሆዋን ምስ ቃሉን ምዃኑ ኣርኣዮም እዮም። ብእተወሰነ ደረጃ ኺጸርዩ ዜድልዮም እኳ እንተ ነበረ፡ ንሓጺር እዋን ምስ ተፈተኑን ምስ ተዀልዑን ግና ትሑታት ምዃኖም ኣርእዮም እዮም። (ሚል. 3:2-4) እዞም እሙናት ሰባት እዚኦም፡ ብስርናይ እተመሰሉ ናይ ሓቂ ክርስትያን እዮም ነይሮም። ብ1919 እንደገና ብቕንኢ ተላዒሎም ኬገልግሉ ምስ ጀመሩ፡ የሱስ ካባታቶም ክእለት ዘለዎም ቅቡኣት ኣሕዋት ብምምራጽ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኪዀኑ መረጾም፡ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤቱ ኸኣ ሸሞም።

13. ነቶም ኣገልገልቲ ቤት እተጸምበርዎም መን እዮም፧ ስለምንታይከ፧

13 ኣገልገልቲ ቤትከ መን እዮም፧ ብሓጺሩ፡ እቶም ተመገብቲ እዮም። ኣብ መጀመርታ ኽፋል እዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ኣገልገልቲ ቤት፡ ኵሎም ቅቡኣት እዮም ነይሮም። ጸኒሑ ግና፡ እቶም ክፍሊ እተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ እውን ንኣገልገልቲ ቤት ተጸምበርዎም። ኣብዚ እዋን እዚ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት እቲ ብክርስቶስ ዚምራሕ “ሓደ መጓሰ፡” ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ እዮም። (ዮሃ. 10:16) ክልቲኦም ጕጅለ፡ ካብቲ እቲ እሙን ባርያ ዚዕድሎ፡ እዋናዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ምግቢ እዮም ዚምገቡ። እቶም ሎሚ ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዜቝሙ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካልከ፧ ንሳቶም እውን መንፈሳዊ ምግቢ ኺምገቡ የድልዮም እዩ። ስለዚ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ኵሎም እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ፡ ኣገልገልቲ ቤት ምዃኖም ብትሕትና ይግንዘቡ እዮም።

ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ፡ ኵላትና ኣገልገልቲ ቤት ኢና፣ እዋናዊ ዝዀነ ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ ምግቢ ኸኣ እዩ ዜድልየና

14. (ሀ) እቲ እሙን ባርያ እንታይ ሓላፍነት እዩ ተዋሂብዎ፧ እዚኸ እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) የሱስ ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂብዎ፧ (“እቲ እኩይ ባርያ . . . እንተ ኢሉ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

14 የሱስ ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ ኣሰኪምዎ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሙን ባርያ፡ ወይ መጋቢ፡ ኣመሓዳሪ ቤት እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 12:42) ስለዚ፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ንኣመንቲ ስድራቤት ኬመሓድር ሓላፍነት ተዋህቦ። እዚ ሓላፍነት እዚ፡ ንስጋዊ ንብረትን ንንጥፈታት ስብከትን ንመደባት ዓበይቲ ኣኼባታትን፡ ከምኡውን ነቲ ንኣገልግሎት ወፍሪ ዀነ ብብሕትን ኣብ ጉባኤን ንምጽናዕ እንጥቀመሉ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓላፍነት ምክትታል የጠቓልል። ኣገልገልቲ ቤት ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ እቲ ባርያ ብሓባር ኰይኑ ዚዕድሎ መንፈሳዊ መሰናድዎ እዮም ዚምርኰሱ።

ኣብ ዅሉ ንብረት ጐይታኡ እተሸመ መዓስ እዩ፧

15, 16. የሱስ ነቲ እሙን ባርያ ኣብ ኵሉ ንብረቱ ዝሸሞ መዓስ እዩ፧

15 የሱስ ነቲ ባርያ “ኣብ ኵሉ ንብረቱ” ብምሻም ካልኣይ ሽመት ዝሃቦ መዓስ እዩ፧ ባዕሉ ኸምዚ ብምባል ገለጸ፦ “እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምኡ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ሕጉስ እዩ! ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ኣብ ኵሉ ንብረቱ ኺሸሞ እዩ።” (ማቴ. 24:46, 47) ነቲ ባርያ ኻልኣይ ሽመት ዚህቦ፡ ድሕሪ ምምጻኡ፡ እዚ ኸኣ እቲ ባርያ “ከምኡ እናገበረ፡” ማለት ብተኣማንነት መንፈሳዊ ምግቢ እናዓደለ ምስ ረኸቦ ምዃኑ ኣስተብህል። ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ሽመት ዚውሃበሉ እዋናት እተወሰነ ርሕቐት ኣሎ። የሱስ ነቲ ባርያ ኣብ ኵሉ ንብረቱ ብኸመይን መዓስን ከም ዝሸሞ ንኽንርዳእ፡ ክልተ ነገራት ክንፈልጥ የድሊ። (1) መዓስ ከም ዚመጽእ፡ (2) ንብረቱ እንታይ ከም ዜጠቓልል።

16 የሱስ መዓስ እዩ ዚመጽእ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ኢና እንረኽቦ። ኣብተን ቀዳሞት ፍቕድታት ብዛዕባ ምምጻእ የሱስ ተጠቒሱ ምህላዉ እሞ፡ እታ ‘ምምጻእ’ እትብል ቃል ነቲ የሱስ ኣብ መደምደምታ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ንኺፈርድ ዚመጽኣሉ እዋን ከም እተመልክት ኣይትረስዕ።d (ማቴ. 24:30, 42, 44) ስለዚ፡ እቲ ኣብቲ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ የሱስ ከም ‘ዚመጽእ’ ዚሕብር ሓሳባት፡ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ እዩ ዚፍጸም።

17. ንብረት የሱስ እንታይ የጠቓልል፧

17 ‘ኵሉ ንብረት የሱስ’ እንታይ የጠቓልል፧ የሱስ ነታ “ዅሉ” እትብል ቃል ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገራት ንኼመልክት ጥራይ ኣይኰነን ተጠቒሙላ። የሱስ ሰፊሕ ሰማያዊ ስልጣን እውን ኣለዎ። ንሱ ባዕሉ፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ” በለ። (ማቴ. 28:18፣ ኤፌ. 1:20-23) ስለዚ፡ ንብረቱ ንመሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ የጠቓልል። እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ካብ 1914 ንነጀው ንዕኡ ተዋሂባ እያ፣ ምስቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ ዀይኑ ድማ እዩ ዚነግስ።—ራእ. 11:15።

18. የሱስ ነቲ ባርያ ኣብ ኵሉ ንብረቱ ኺሸሞ ኸሎ ዚሕጐስ ስለምንታይ እዩ፧

18 ብመሰረት እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ነጥብታት እንታይ ኢልና ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧ የሱስ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ንኺፈርድ ኢሉ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ እሙን ባርያ ንኣገልገልቲ ቤቱ ብተኣማንነት እዋናዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ምግቢ እናዓደለ ኺጸንሕ እዩ። ሽዑ የሱስ ተሓጒሱ ኣብ ኵሉ ንብረቱ ኺሸሞ እዩ፣ እዚ እቲ ኻልኣይ ሽመት እዩ። እቶም ነቲ እሙን ባርያ ዜቝሙ ቕቡኣት፡ ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ብምንጋስ ሰማያዊ ዓስቦም ኪረኽቡ ኸለዉ እዮም ነዚ ሽመት እዚ ዚቕበልዎ።

19. እቲ እሙን ባርያ ኣብ ሰማይ ካብቶም ካልኦት ቅቡኣት ዝዓበየ ዓስቢ ድዩ ዚቕበል፧ ግለጽ።

19 እቲ እሙን ባርያ፡ ኣብ ሰማይ ካብቶም ካልኦት ቅቡኣት ዝዓበየ ዓስቢ ድዩ ዚቕበል፧ ኣይፋሉን። ንሓደ ንእሽቶ ጕጅለ እተዋህበ መብጽዓ፡ ኣብ መወዳእታኡ ንዅሎም እቶም ካልኦት እውን ዜምልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ቅድሚ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ እንታይ ከም ዝበሎም ንርአ። (ሉቃስ 22:28-30 ኣንብብ።) ነቶም እሙናት ኣባላት እታ ንእሽቶ ጕጅለ ዝዀኑ ሰብኡት፡ ግሩም ዓስቢ ኸም ዚረኽቡ፡ ማለት ምስኡ ሓቢሮም ከም ዚነግሱ ተመባጺዑሎም እዩ። ገለ ዓመታት ጸኒሑ ግና፡ ኵሎም ኣባላት እቶም 144,000 ምስኡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጦም ከም ዚነግሱ ሓቢሩ እዩ። (ራእ. 1:1፣ 3:21) ብተመሳሳሊ፡ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:47 እተጠቕሰ፡ ነቶም ኣባላት እታ ንእሽቶ ጕጅለ ዝዀኑ ሰብኡት፡ ማለት ነቶም ነቲ እሙን ባርያ ዜቝሙ ቕቡኣት ኣሕዋት፡ ኣብ ኵሉ ንብረቱ ኸም ዚሸሞም ተመባጺዑሎም እዩ። እቶም 144,000 ብምሉኦም፡ ኣብቲ ሰፊሕ ሰማያዊ ስልጣን የሱስ ግደ ኺህልዎም እዩ።—ራእ. 20:4, 6።

እቶም 144,000 ብምሉኦም፡ ኣብቲ ሰፊሕ ሰማያዊ ስልጣን የሱስ ግደ ኺህልዎም እዩ። (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

20. የሱስ ነቲ እሙን ባርያ ስለምንታይ እዩ ሸይምዎ፧ እንታይ ንኽትገብርከ ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

20 የሱስ በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣቢሉ፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተጠቕመሉ መገዲ እዩ ዚጥቀም ዘሎ። ሕጂ እውን ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ይምግብ ኣሎ። ከመይሲ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ—ካብቶም ቅቡኣት ይኹኑ ኻብቶም ካልኦት ኣባጊዕ—ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት እዋናዊ ዝዀነ ስሩዕ መንፈሳዊ ምግቢ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ነቲ እሙን ባርያ ሸይምዎ እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ነቶም ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዜቝሙ ቕቡኣት ኣሕዋት ብተኣማንነት ብምድጋፍ ሞሳና ንግለጸሎም።—እብ. 13:7, 17።

a ሕጡብ ጽሑፍ 2፦ የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ እተጠቕመሉ ተመሳሳሊ ምሳሌ፡ ብመሰረት እቲ በዅሪ ጽሑፍ፡ ነቲ “ባርያ” ከም “መጋቢ፡” ነቶም “ኣገልገልቲ ቤት” ከኣ ከም “ኣገልገልቲ” ገይሩ ጠቒስዎም ኣሎ።—ሉቃ. 12:42-44።

b ሕጡብ ጽሑፍ 6፦ “ምምጻእ” ክርስቶስ (ብግሪኽኛ፡ ኢሪኮማይ) ካብቲ “ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን” (ፓሩሲያ) እተፈልየ እዩ። እቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ቅድሚ እቲ ንኺፈርድ ኢሉ ዚመጸሉ እዋን እዩ ዚጅምር።

c ሕጡብ ጽሑፍ 12፦ ኣብታ ኣብዛ ሕታም እዚኣ እትርከብ፡ “እንሆ ድማ፡ ኣነ . . . ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ገጽ 10-12፡ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 5-8 ርአ።

d ሕጡብ ጽሑፍ 16፦ ኣብታ ኣብዛ ሕታም እዚኣ እትርከብ፡ “እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ገጽ 7-8፡ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 14-18 ርአ።

ተረዲኡካዶ፧

  • “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ”፦ ኣብቲ የሱስ ኣብዚ ዚህልወሉ ግዜ፡ ብቐጥታ መንፈሳዊ ምግቢ ዜዳሉን ዚዕድልን ብቕቡኣት ኣሕዋት ዝቘመ ንእሽቶ ጕጅለ እዩ። ሎሚ፡ እዞም ቅቡኣት ኣሕዋት እዚኦም፡ ኣመሓዳሪ ኣካል የቝሙ።

  • “ኣገልገልቲ ቤቱ”፦ ካብቶም ቅቡኣት ይኹኑ ኻብቶም ካልኦት ኣባጊዕ፡ ኵሎም ተመገብቲ

  • “ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤቱ ዝሸሞ”፦ ብ1919፡ የሱስ ክእለት ንዘለዎም ቅቡኣት ኣሕዋት፡ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኪዀኑ መረጾም

  • “ኣብ ኵሉ ንብረቱ ኺሸሞ እዩ”፦ እቶም ብሓባር ነቲ ባርያ ዜቝሙ ቕቡኣት፡ ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ብምንጋስ ሰማያዊ ዓስቦም ኪቕበሉ ኸለዉ እዮም ነዚ ሽመት እዚ ዚረኽብዎ። ምስቶም ካልኦት ኣባላት እቶም 144,000 ብምዃን፡ ኣብቲ ሰፊሕ ሰማያዊ ስልጣን ክርስቶስ ግደ ኺህልዎም እዩ።

“እቲ እኩይ ባርያ . . . እንተ ኢሉ”

የሱስ ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣዝዩ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ ሂብዎ። እዚ ሓላፍነት እዚ፡ ንኣገልገልቲ ቤቱ ምሕላውን በብግዜኡ መንፈሳዊ ምግቢ ምሃብን የጠቓልል። የሱስ እቶም ዝያዳ ሓላፍነት እተዋህቦም ሰባት፡ ዝያዳ ተሓታትነት ከም ዘለዎም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 12:48) ስለዚ ድማ እዩ፡ ነቲ ብዛዕባ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዝሃቦ ምሳሌ፡ ሓያል መጠንቀቕታ ብምሃብ ዝደምደሞ።

የሱስ ብዛዕባ ሓደ ብልቡ ጐይታኡ ኸም ዚድንጒ ብምሕሳብ ነቶም ብጾቱ ባሮት ኪወቕዖም ዚጅምር እኩይ ባርያ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። ኣስዒቡ እውን፡ እቲ ጐይታ ምስ መጸ፡ ነቲ እኩይ ባርያ “ብዜስካሕክሕ መገዲ ኪቐጽዖ” ምዃኑ ገለጸ።—ማቴዎስ 24:48-51 ኣንብብ።

የሱስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ሓደ እኩይ ባርያ ኸም ዚመጽእ ድዩ ዚንበ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ገለ ውልቀ ሰባት ከምቲ ናይቲ የሱስ ዝጠቐሶ እኩይ ባርያ ዝዓይነቱ መንፈስ ከም ዘንጸባረቑ ፍሉጥ እዩ። ነዚኣቶም፡ ካብቶም ቅቡኣት ይኹኑ ካብቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ብዘየገድስ፡ ከሓድቲ ኢና እንብሎም። (ራእ. 7:9) ይኹን እምበር፡ እዞም ሰባት እዚኦም ብደረጃ ጕጅለ ሓደ እኩይ ባርያ ኣየቝሙን እዮም። የሱስ፡ ሓደ እኩይ ባርያ ኸም ዚሸይም ኣይተዛረበን። እቲ ኣብዚ እተዛረቦ ቓላት፡ ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዝሃቦ መጠንቀቕታ እዩ ነይሩ።

የሱስ ኣብቲ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ “እንተ ኢሉ” ዚብል ቃላት ከም እተጠቕመ ነስተብህል። ሓደ ምሁር ከም ዝበሎ፡ እዚ ቓላት እዚ፡ ኣብቲ ናይ ግሪኽኛ ጽሑፍ፡ “ብዅሉ ግብራዊ ዕላማታቱ፡ ንሓደ ብሓሳብ እተፈጥረ ዅነታት እዩ ዜመልክት።” የሱስ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ‘እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ነቶም ብጾቱ ባሮት በዚ መገዲ እዚ እንተ ኣጋፊዕዎም፡ እቲ ጐይታ ምስ መጸ ኸምዚ እዩ ዚገብር’ እዩ ዚብል ነይሩ። (ሉቃስ 12:45 እውን ርአ።) ይኹን እምበር፡ እቲ ብሓባር ዚዓዪ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ብንቕሓት፡ ዜዐንግል መንፈሳዊ ምግብ ካብ ምሃብ ዓዲ ኣይወዓለን።

እቶም ብሓባር እሙን ባርያ ብምዃን ዜገልግሉ ቕቡኣት ኣሕዋት፡ በቲ ንኣገልገልቲ ቤቱ ዚሕዝሉ መገዲ ኣብ ቅድሚ ጐይታኦም ተሓተትቲ ምዃኖም ይፈልጡ እዮም። እዞም ቅቡኣት ኣሕዋት እዚኦም፡ ጐይታኦም ምስ መጸ፡ “ንፉዕ” ምእንቲ ኺብሎም፡ ሓላፍነቶም ብተኣማንነት ኪፍጽሙ ልባዊ ባህጊ ኣለዎም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ