ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jl ትምህርቲ 19
  • እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን እዩ፧
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • እሙንን ኣስተውዓልን “ባርያ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ‘ነቲ ገንሸል ይስዕብዎ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ‘ነቶም ዚመርሑኹም ዘለዉ ዘክርዎም’
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
ዝያዳ ርአ
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
jl ትምህርቲ 19

ትምህርቲ 19

እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን እዩ፧

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ይዛረቦም
ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ተጽንዕ

ኵላትና ኻብ መንፈሳዊ ምግቢ ንጥቀም ኢና

ክልተ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር

የሱስ ቅድሚ ሙማቱ፡ ምስ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ዚብሃሉ ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ብብሕቲ ተዘራሪቡ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ዚሕብር ምልክት ኪንበ ኸሎ፡ “እቲ ጐይታኡ ምግቦም ብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤቱ ዝሸሞ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧” ዚብል ኣገዳሲ ሕቶ ኣልዓለ። (ማቴዎስ 24:3, 45፣ ማርቆስ 13:3, 4) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ጐይታኦም’ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ ንሰዓብቱ መንፈሳዊ ምግቢ ብቐጻሊ ዚህቡ ኸም ዚሸመሎም እዩ ዜረጋግጸሎም ነይሩ። ነዚ ባርያ እዚ ዜቝሙ መን እዮም፧

ብቕቡኣት ዝቘመ ንእሽቶ ጒጅለ ሰዓብቲ የሱስ እዩ። እቲ “ባርያ፡” ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀነ ተፈሊጡ እዩ። ንሱ ነቶም ብጾቱ ዝዀኑ ኣምለኽቲ የሆዋ በብግዜኡ መንፈሳዊ ምግቢ ይዕድሎም እዩ። ‘ቀለብና በብግዜኡ’ ንምርካብ፡ ኣብቲ እሙን ባርያ ኢና እንምርኰስ።—ሉቃስ 12:42።

ቤተ ሰብ ኣምላኽ የመሓድር። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) የሱስ ነቲ ባርያ፡ ንምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ናይ ምምሕዳር ከቢድ ሓላፍነት ሂብዎ እዩ። እዚ ኸኣ ስጋዊ ሃብቲ ምምሕዳርን ንጥፈታት ስብከት ምምራሕን ብጉባኤታት ኣቢልካ ምምሃርን የጠቓልል። ስለዚ፡ ዜድልየና ዘበለ ኣብ ዜድልየና እዋን ንምድላው፡ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” በቲ ኣብ ኣገልግሎትና እንጥቀመሉ ጽሑፋትን በቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ዚቐርብ መደባትን ኣቢሉ መንፈሳዊ ምግቢ ይዕድል ኣሎ።

እቲ ባርያ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ብስራት ንምስባኽ እተዋህቦ መዝነትን እሙን እዩ፣ ኣብ ምድሪ ዘሎ ረብሓታት ክርስቶስ ብጥበብ ብምክንኻን ዝመጸ እውን ኣስተውዓሊ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42) የሆዋ ብወሰኽን ኣኺሉ ብዚተርፍ መንፈሳዊ መሰናድዎታትን ገይሩ ንዕዮኡ ይባርኾ ኣሎ።—ኢሳይያስ 60:22፣ 65:13።

  • እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪምግቦም ዝሸሞ መን እዩ፧

  • እቲ ባርያ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ