ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • od ምዕ. 3 ገጽ 17-23
  • ‘ነቶም ዚመርሑኹም ዘለዉ ዘክርዎም’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ነቶም ዚመርሑኹም ዘለዉ ዘክርዎም’
  • ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ብኸመይ ከም እነለልዮ
  • ‘ነቶም ዚመርሑና ዘለዉ እንዝክሮም’ ስለምንታይ ኢና፧
  • እምንቶና ብኸመይ ከም እነርኢ
  • “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ‘ነቲ ገንሸል ይስዕብዎ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • እሙንን ኣስተውዓልን “ባርያ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • እቲ እሙን መጋብን ኣመሓዳሪ ኣካሉን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
od ምዕ. 3 ገጽ 17-23

ምዕራፍ 3

‘ነቶም ዚመርሑኹም ዘለዉ ዘክርዎም’

እዘን ኣብ እብራውያን 13:7 ዚርከባ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረበን ቃላት፡ ‘ንኣመሓደርትኹም ዘክርዎም’ ተባሂለን እውን ኪትርጐማ ይከኣላ እየን። ካብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ፡ እቶም እሙናት ሃዋርያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ነታ ሓዳስ እተመስረተት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚኣልዩ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። (ግብ. 6:2-4) ብ49 ድ.ክ.፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቶም ሃዋርያት የሱስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት እውን የጠቓልል ነይሩ እዩ። እቲ ጕዳይ ግዝረት ኣብ እተወሰነሉ እዋን፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል “ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን” የጠቓልል ነይሩ እዩ። (ግብ. 15:1, 2) ንሳቶም ድማ ኣብ ኵሉ ንዚርከቡ ክርስትያናት ዚምልከት ጕዳያት ናይ ምምርማር ሓላፍነት ነይርዎም። ደብዳበታትን ትእዛዛትን ከኣ ይልእኩ ነይሮም እዮም፣ እዚ ድማ ነተን ጉባኤታት የበርትዐን፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ብሓሳብን ብተግባርን ሓድነት ከም ዚህልዎም ይገብር ነይሩ። እተን ጉባኤታት ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝለኣኸለን መምርሒታት ይእዘዛን ይግዝኣን ነይረን እየን፣ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ በረኸት የሆዋ ረኺበን ይስስና ነይረን።—ግብ. 8:1, 14, 15፣ 15:22-31፣ 16:4, 5፣ እብ. 13:17።

2 ሃዋርያት ድሕሪ ሙማቶም ግና፡ ዓብዪ ኽሕደት ተኣታትዩ። (2 ተሰ. 2:3-12) ከምቲ የሱስ ኣብ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን እተነበዮ፡ ኣብ መንጎ እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ብኽርዳድ እተመሰሉ ኣምሰሉ ክርስትያናት ተዘሪኦም። እዞም ክልተ ጕጅለ እዚኦም፡ ክሳዕ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ንሓያሎ ዘመናት ብሓደ ኺዓብዩ ተሓዲጎም እዮም። (ማቴ. 13:24-30, 36-43) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ዝዀኑ ውልቀ ሰባት ሞገስ የሱስ ይረኽቡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ግና ኣይነበረን፣ ማለት፡ የሱስ ንሰዓብቱ መምርሒ ዚህበሉ ንጹር መትረብ ኣብ ምድሪ ኣይነበረን። (ማቴ. 28:20) ይኹን እምበር፡ ብግዜ ቐውዒ ለውጢ ኸም ዚህሉ፡ የሱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ።

3 “እቲ . . . እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧” የሱስ ምስዛ ሕቶ እዚኣ ኣተሓሒዙ፡ ሓንቲ ምሳሌ መሲሉ ኣሎ፣ እታ ምሳሌ ድማ ሓደ ኻብቲ ን“መደምደምታ እቲ ስርዓት” እትሕብር “ምልክት” እያ። (ማቴ. 24:3, 42-47) ኣብታ ምሳሌኡ ኸኣ፡ እቲ እሙን ባርያ ንህዝቢ ኣምላኽ መንፈሳዊ ምግቦም ተጊሁ “ብግዜኡ” ኺህቦም ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። የሱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብጕጅለ ሰባት ደኣ እምበር ብውልቀ ሰብ ኣይኰነን ዚመርሕ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብዚ መደምደምታ እዚ ስርዓት ዚጥቀመሉ ዘሎ እሙን ባርያ እውን ሓደ ሰብ ኣይኰነን።

ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ብኸመይ ከም እነለልዮ

4 የሱስ ንሰዓብቱ ንምምጋብ ንመን እዩ ሸይሙሎም፧ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት እዩ ዚጥቀም ዘሎ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓታቶም፡ ‘ናይቲ ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዖም ብሉጽነት ምእንቲ ኺእውጁ’ እተመዘዙ “ንጉሳዊ ኽህነት” ምዃኖም ገሊጽዎም ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:9፣ ሚል. 2:7፣ ራእ. 12:17) እሞኸ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዅሎም ቅቡኣት ድዮም ነቲ እሙን ባርያ ዜቝሙ፧ ኣይፋልን። የሱስ ንብዙሓት ህዝቢ—ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣስታት 5,000 ሰብኡት ንዚኣኽሉ ህዝቢ—ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ ዝመገበሉ እዋን፡ ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ እዮም ሂቦምዎም። (ማቴ. 14:19) ብሒደት ንብዙሓት እዩ መጊቡ። ሎሚ ኸኣ መንፈሳዊ ምግቢ ብተመሳሳሊ መገዲ እዩ ዚህብ ዘሎ።

5 እምበኣር፡ “እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ፡” ኣብ እዋን እቲ የሱስ ኣብዚ ዚህልወሉ ግዜ ብቐጥታ መንፈሳዊ ምግቢ ዜዳሉን ዚዕድልን ብሒደት ቅቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ ጕጅለ እዩ። (ሉቃ. 12:42) ኣብ ኵለን እተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ እቶም ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዜቝሙ ቕቡኣት ኣሕዋት፡ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሮም ኬገልግሉ ጸኒሖም እዮም። ሎሚ፡ እዞም ቅቡኣት ኣሕዋት እዚኦም፡ ንኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር የቝሙ።

6 ክርስቶስ በዚ ጕጅለ እዚ ገይሩ ብዛዕባ ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ሓበሬታ የሕትም፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኸመይ ጌርና ኽንዓይየሉ ኸም ዚግባእ ድማ እዋናዊ መምርሒ ይህብ ኣሎ። እዚ መንፈሳዊ ምግቢ እዚ ኸኣ፡ በተን ኣብ ከከባቢኡ ዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቢሉ ይዝርጋሕ ኣሎ። (ኢሳ. 43:10፣ ገላ. 6:16) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሙን ባርያ ወይ መጋቢ፡ ኣመሓዳሪ ቤት እዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብ ዝዀኑ ኼመሓድር ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ። ስለዚ፡ እቲ እሙን ባርያ ንስጋዊ ንብረት፡ ንንጥፈታት ስብከት፡ ንመደባት ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ንሽመት እቶም ኣብ ውድብና እተፈላለየ ሓላፍነት ዚውሃቦም ሓለውቲ፡ ከምኡ ድማ ንመሰናድዎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብሓላፍነት ይከታተል እዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ነቶም “ኣገልገልቲ ቤት” ይጠቅም እዩ።—ማቴ. 24:45።

7 “ኣገልገልቲ ቤት” ተባሂሎም ዘለዉኸ መን እዮም፧ ብሓጺሩ፡ እቶም ተመገብቲ እዮም። ኣብ መጀመርታ፡ ኵሎም እቶም ኣገልገልቲ ቤት፡ ቅቡኣት እዮም ነይሮም። ደሓር ግና፡ እቶም ክፍሊ እተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ እውን ንኣገልገልቲ ቤት ተጸምቢሮምዎም እዮም። (ዮሃ. 10:16) ክልቲኦም ጕጅለ፡ ካብቲ እቲ እሙን ባርያ ዚዕድሎ፡ እዋናዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ምግቢ ይምገቡ እዮም።

8 ኣብቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ስርዓት ፍርዲ ኺፈርድን ነቲ ፍርዲ ኺፍጽሞን ዚመጸሉ ብርቱዕ ጸበባ፡ ነቲ እሙን ባርያ “ኣብ ኵሉ ንብረቱ” ኺሸሞ እዩ። (ማቴ. 24:46, 47) እወ፡ እቶም ነቲ እሙን ባርያ ዜቝሙ፡ ሰማያዊ ዓስቦም ኪረኽቡ እዮም። ምስቶም ዝተረፉ 144,000 ድማ፡ ኣብ ሰማይ መጋዝእቲ ክርስቶስ ኪዀኑ እዮም። ሽዑ ኣብ ምድሪ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዘይህሉ እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋን የሱስን በቶም ዚሽየሙ “መሳፍንቲ” ኣቢሎም ነቶም ምድራውያን ተገዛእቲ እታ መሲሓዊት መንግስቲ መምርሒ ኺህብዎም እዮም።—መዝ. 45:16።

‘ነቶም ዚመርሑና ዘለዉ እንዝክሮም’ ስለምንታይ ኢና፧

9 ‘ነቶም ዚመርሑና ዘለዉ እንዝክረሉን’ ኣባታቶም እምንቶ እነሕድረሉን ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ከምኡ ምግባር ንጥቕምና ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንዚመርሑኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን፣ ከመይሲ፡ ንሳቶም ጸብጻብ ከም ዚህቡ ዀይኖም፡ ነቒሖም ይሕልውኹም ኣለዉ፣ ነዚ ብሓጐስ ኪገብርዎ እምበር፡ እህህ እናበሉ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንዓኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ” ኢሉ እዩ። (እብ. 13:17) ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቝባ ምእንቲ ኽንረክብን ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልናን፡ ነቲ ኻብቶም ነቒሖም ዚሕልዉና ዘለዉ ዚውሃበና መምርሒ ኽንእዘዝን ክንግዛእን ኣሎና።

10 ኣብ 1 ቈረንቶስ 16:14 ተመዝጊቡ ኸም ዚርከብ፡ ጳውሎስ፡ “ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር” ኢሉ እዩ። ንህዝቢ ኣምላኽ ዚግበረሎም ውሳነታት፡ ኣብታ ብልጽቲ ባህርይ ዝዀነት ፍቕሪ እተመስረተ እዩ። ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:4-8 ብዛዕባ ፍቕሪ ኸምዚ ዚብል ንረክብ፦ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን፡ ስዲ ኣይኰነትን፡ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡ ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምን እያ። ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጻ ኣይትሕጐስን እያ። ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትጻወር። ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።” ፍቕሪ መሰረት ኵሉ እቲ ንኣገልገልቲ የሆዋ ኺጠቅም ተባሂሉ ዚግበር ውሳነታት ስለ ዝዀነት፡ ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ መሪሕነት ኣይንሰግእን ኢና። እዚ መሪሕነት እዚ ድማ ንፍቕሪ የሆዋ ዜንጸባርቕ እዩ።

ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልና፡ ነቶም ነቒሖም ዚሕልዉና ዘለዉ ኽንግዛእ ኣሎና

11 ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ንምምሕዳር ዚጥቀመሎም ሰባት፡ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት፡ ዘይፍጹማት እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እውን ፍቓዱ ንምፍጻም ዘይፍጹማት ሰባት ተጠቒሙ እዩ። ኖህ መርከብ ሰሪሑን ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዚመጽእ ጥፍኣት ሰቢኹን እዩ። (ዘፍ. 6:13, 14, 22፣ 2 ጴጥ. 2:5) ሙሴ ንህዝቢ የሆዋ ኻብ ግብጺ መሪሑ ኼውጽእ ተሸይሙ እዩ። (ዘጸ. 3:10) ዘይፍጹማት ሰባት ብመንፈስ ተደሪኾም መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፎም እዮም። (2 ጢሞ. 3:16፣ 2 ጴጥ. 1:21) ሎሚ የሆዋ ነቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ንምምራሕ ዘይፍጹማት ሰባት ምጥቃሙ፡ ነቲ ኣብ ውድብ ኣምላኽ ዘሎና እምንቶ ኣየዳኽሞን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እታ ውድብ ብዘይ ደገፍ የሆዋ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ኽትዓምም ከም ዘይትኽእል ስለ እንፈልጥ፡ በዚ ንበራታዕ ኢና። እቲ እሙን ባርያ ብብዙሕ ሽግር ስለ ዝሓለፈን ተመክሮ ስለ ዘለዎን፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም ዚምራሕ ኣርእዩ እዩ። ኣብታ ሎሚ ዘላ እትርአ ኽፋል ውድብ የሆዋ፡ ብዙሕ በረኸት ፈሲሱ ኣሎ። ስለዚ፡ ብምሉእ ልብና ምሉእ ደገፍና ንህባን ኣብኣ እምንቶ ንገብርን ኢና።

እምንቶና ብኸመይ ከም እነርኢ

12 እቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት እተዋህቦም፡ ነቲ ሽመቶም ዜምጽኦ ግዴታታት ብታሕጓስ ብምቕባልን ብተኣማንነት ብምፍጻምን፡ እምንቶኦም ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። (ግብ. 20:28) ንሕና ድማ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ብቕንኣት ኣብ በቤት እናኸድና ነገልግል፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንገብር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንመርሕ ኢና። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ካብቲ በቲ እሙን ባርያ ዚዝርጋሕ ዘሎ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ምሉእ ብምሉእ ንምጥቃም፡ ብግቡእ ተዳሊና ኣብ ኵሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንእከብ ኢና። እዚ ድማ ንዓበይቲ ኣኼባታት እውን የጠቓልል እዩ። ካብቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስ ኣሕዋትና ኽንሓብር ከለና እንረኽቦ ሓድሕዳዊ ምትብባዕ ብዙሕ ንጥቀም ኢና።—እብ. 10:24, 25።

13 ንውድብና ብስጋዊ ወፈያታት ክንድግፍ ከለና እውን፡ ኣብኣ ዘሎና እምንቶ ይርአ እዩ። (ምሳ. 3:9, 10) ኣሕዋትና ብስጋ ኪሽገሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ከይተደናጐና ኽንድግፎም ኣሎና። (ገላ. 6:10፣ 1 ጢሞ. 6:18) በታ ሕውነታዊት ፍቕሪ ተደሪኽና ኢና ነዚ እንገብር፣ ነቲ ዚግበረልና ሰናይ ከም እነማስወሉ ንየሆዋን ንውድቡን ንምግላጽ ድማ፡ ወትሩ ኣጋጣሚታት ነናዲ ኢና።—ዮሃ. 13:35።

14 ውድብና ንእትገብሮ ውሳነታት ብምድጋፍ እውን፡ ኣብኣ እምንቶ ኸም ዘሎና ነርኢ ኢና። እዚ ድማ ነቶም ከም ሓለውቲ ወረዳን ሽማግለታት ጉባኤን ዝኣመሰሉ ሓለውቲ ኪዀኑ እተሸሙ ዚህብዎ መምርሒ ብትሕትና ምስዓብ የጠቓልል። እዞም ኣሕዋት እዚኦም ምስቶም “ዚመርሑኹም” ተባሂሎም ዘለዉ ይጽብጸቡ እዮም፣ ንዓታቶም ድማ ክንእዘዞምን ክንግዝኦምን ኣሎና። (እብ. 13:7, 17) ገለ ውሳነታት እተገብረሉ ምኽንያት ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተረድኣና፡ ምድጋፉ ግና ንነባሪ ጥቕምና ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። የሆዋ ንቓሉን ንውድቡን እዙዛት ብምዃንና፡ ይባርኸና እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንግዝኦ ኢና።

15 እወ፡ ኣብቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ እምንቶ ኸነሕድር እኹል ምኽንያት ኣሎና። እቲ ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ ዝዀነ ሰይጣን ኣብ ስም የሆዋን ኣብ ውድቡን ጸርፊ ንምምጻእ ዚከኣሎ ዅሉ ይጽዕር ኣሎ። (2 ቈረ. 4:4) ስለዚ፡ ኣደዳ እቲ እኩይ ውዲት ሰይጣን ኣይንኹን። (2 ቈረ. 2:11) ናብቲ መዓሙቝ ኪድርበ “ሓጺር እዋን” ኸም ዝተረፎ ይፈልጥ እዩ፣ ብእተኻእሎ መጠን ከኣ፡ ንሓያሎ ህዝቢ የሆዋ ኻብ ኣምላኽ ኬርሕቖም እዩ ቘሪጹ ዘሎ። (ራእ. 12:12) ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ጻዕርታቱ ኼጽዕቕ ከሎ፡ ንሕና እውን ንየሆዋ ብዝያዳ ንቕረቦ። ኣብ የሆዋን ኣብቲ ሎሚ ንህዝቡ ንምምራሕ ዚጥቀመሉ መትረብን ድማ እምንቶ ነሕድር። ከምኡ ምግባርና፡ ሓድነት ዘለዎ ሕውነት የፍርየልና እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ