ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 115 ገጽ 266-ገጽ 267 ሕ.ጽ. 3
  • እቲ የሱስ ንመወዳእታኡ ዘብዓሎ ፋስጋ ቐረበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ የሱስ ንመወዳእታኡ ዘብዓሎ ፋስጋ ቐረበ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ዘብዕሎ ፋስጋ ቀሪቡ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ‘እዛ መዓልቲ እዚኣ ንመዘከርታ ትኹነልኩም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ነተን የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረለን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ምዝካር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ድራር ጐይታ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 115 ገጽ 266-ገጽ 267 ሕ.ጽ. 3
ይሁዳ ናብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከይዱ ንየሱስ ኣሕሊፉ ኺህቦም እንታይ ከም ዚህብዎ ይሓትቶም

ምዕራፍ 115

እቲ የሱስ ንመወዳእታኡ ዘብዓሎ ፋስጋ ቐረበ

ማቴዎስ 26:1-5, 14-19 ማርቆስ 14:1, 2, 10-16 ሉቃስ 22:1-13

  • ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንየሱስ ኣሕሊፉ ኺህብ ተኸፍሎ

  • ክልተ ሃዋርያት፡ ንፋስጋ ዚኸውን ኣዳለዉ

የሱስ ነቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ እቶም ኣርባዕተ ሃዋርያቱ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን መደምደምታ እቲ ስርዓትን ዘበገስዎ ሕቶታት ብምምላስ ዝሃቦም ትምህርቲ ወድአ።

ብሓቂ 11 ኒሳን ብዙሕ ነገር ዝዓመመላ መዓልቲ እያ ነይራ! ምናልባት ምሕዳሮም ናብ ቢታንያ ኺምለሱ ኸለዉ እዩ ዚኸውን የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም፣ ወዲ ሰብ ድማ ኪስቀል ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ” በሎም።—ማቴዎስ 26:2።

የሱስ ንጽብሒቱ ረቡዕ ምስ ሃዋርያቱ ብሕት ኢሉ ኣሕሊፍዋ ኪኸውን ኣለዎ። ሰሉስ፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት ገኒሕዎምን ኣቃሊዕዎምን ነይሩ እዩ። ንሳቶም ድማ ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። ስለዚ፡ ኣብታ ንጽብሒቱ ምሸት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ እትጅምር 14 ኒሳን፡ ፋስጋ ምእንቲ ኼብዕል ብ12 ኒሳን ብግህዶ ኣይተራእየን።

ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ግና ቅድሚ ፋስጋ ስቕ ኣይበሉን። ኣብ ኣጸድ እቲ ቀያፋ ዚብሃል ሊቀ ኻህናት ተኣከቡ። ስለምንታይ፧ የሱስ ስለ ዘቃልዖም፡ ተቘጢዖም እዮም ነይሮም። ኣብኡ ድማ፡ “ንየሱስ ብተንኰል ኪሕዝዎን ኪቐትልዎን” ውዲት ኣለሙ። ብኸመይን መዓስንከ እዮም ነዚ ኺገብርዎ ሓሲቦም፧ “ኣብ መንጎ ህዝቢ፡ ናዕቢ ምእንቲ ኸይልዓልሲ፡ ብበዓል ኣይኹን” በሉ። (ማቴዎስ 26:4, 5) የሱስ ብብዙሓት ይፍቶ ብምንባሩ፡ ፈርሁ።

እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ሓደ ሰብ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት መጾም። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ሓደ ኻብ ሃዋርያት የሱስ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ እዩ ነይሩ። ንሱ ንጐይታኡ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኺህቦ፡ ሰይጣን ሓሳብ ዘሪኡሉ ነይሩ እዩ። “ንዕኡ ኣሕሊፈ ኽህበኩምሲ፡ እንታይ ትህቡኒ፧” በሎም። (ማቴዎስ 26:15) ደስ ኢልዎም ከኣ፡ “ገንዘብ ብሩር ኪህብዎ ተሰማምዑ።” (ሉቃስ 22:5) ክንደይ እዮም ኪህብዎ ተሰማሚዖም፧ 30 ብሩር ኪህብዎ እዮም ተሰማሚዖም። ዋጋ ባርያ 30 ሲቃል ምንባሩ ኸነስተብህለሉ ይግባእ። (ዘጸኣት 21:32) እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ ንየሱስ ዘለዎም ንዕቀት ወይ ኣትሒቶም ከም ዚርእይዎ በዚ እዮም ኣርእዮም። ይሁዳ ኸኣ፡ “ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ኣሕሊፉ ኺህቦ . . . ምሹእ ኣጋጣሚ ይደሊ ነበረ።”—ሉቃስ 22:6።

ረቡዕ ጸሓይ ምስ ዓረበት 13 ኒሳን ጀመረት፣ እታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ የሱስ ኣብ ቢታንያ ዝሓደረላ ሻድሸይትን ናይ መወዳእታን ለይቲ እያ ነይራ። ንጽብሒቱ፡ ንፋስጋ ዚኸውን ናይ መወዳእታ ምድላዋት ኪግበር ነበሮ። ገንሸል ኪዳሎ ነበሮ፣ 14 ኒሳን ምስ ጀመረት ድማ፡ እቲ ገንሸል ኪሕረድን ብምሉኡ ኺጥበስን ነበሮ። እሞ ደኣ ኣበይ እዮም ኪድረሩ፧ መንከ እዩ ኼዳልዎ፧ የሱስ ነዚ ዝርዝር ነገራት ኣይነገሮምን። ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ፡ ይሁዳ ኣሕሊፉ ነቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኪህቦም ኣይከኣለን።

ጴጥሮስን ዮሃንስን ንሓደ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ይስዕብዎ

ምናልባት ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ፡ የሱስ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን፡ “ኪዱ፡ ክንበልዕሲ ፋስጋ ኣዳልዉልና” ኢሉ ኻብ ቢታንያ ለኣኾም። ንሳቶም ከኣ፡ “ኣበይ ከነዳሉ ትደሊ፧” በልዎ። የሱስ ድማ፡ “እንሆ፡ ናብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብ ኪረኽበኩም እዩ። ናብታ ዚኣትዋ ቤት ስዓብዎ። ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፡ ‘መምህርሲ፡ “እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧” ይብለካ ኣሎ’ በልዎ። ንሱ ድማ ኣብ ደርቢ እተነጽፈ ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉ” በሎም።—ሉቃስ 22:8-12።

እቲ ብዓል ቤት ወደ መዝሙር የሱስ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ምናልባት እውን ነቲ የሱስ ዘቕረቦ ሕቶ ይጽበዮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ክልተ ሃዋርያት ናብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ፡ ኵሉ ኸምቲ የሱስ ዝበሎም ረኸቡ። ስለዚ፡ ገንሸል ኣዳለዉ፣ እቶም 13፡ ማለት የሱስን እቶም 12 ሃዋርያትን ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑ ድማ፡ ዜድሊ ዘበለ ኻልእ ምድላዋት ገበሩ።

  • ረቡዕ 12 ኒሳን፡ የሱስ እንታይ ኪገብር ውዒሉ ኪኸውን ኣለዎ፧ ስለምንታይከ፧

  • እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ስለምንታይ እዮም ተኣኪቦም፧ ይሁዳ ናባታቶም ዝኸደኸ ስለምንታይ እዩ፧

  • ሓሙስ ምስ ኰነ፡ የሱስ ንመነመን እዩ ናብ የሩሳሌም ዝለኣኾም፧ እንታይ ኪገብሩኸ እዩ ዝኣዘዞም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ