ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 117 ገጽ 270-ገጽ 271 ሕ.ጽ. 3
  • ድራር ጐይታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድራር ጐይታ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ዝኽሪ ድራር
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝነበረት ክፍሊ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ክርስቶስ ኣሕሊፍካ ተዋህበን ተታሕዘን
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ነቲ ናይ የሱስ ናይ ስንብታ ቃላት ብምቕላብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 117 ገጽ 270-ገጽ 271 ሕ.ጽ. 3
የሱስ ምስ ዓሰርተው ሓደ እሙናት ሃዋርያቱ ዀይኑ ድራር ጐይታ ኣቘመ

ምዕራፍ 117

ድራር ጐይታ

ማቴዎስ 26:21-29 ማርቆስ 14:18-25 ሉቃስ 22:19-23 ዮሃንስ 13:18-30

  • ይሁዳ ኸዳዕ ምዃኑ ተገልጸ

  • የሱስ ድራር ጐይታ ኣቘመ

የሱስ ኣእጋር ሃዋርያቱ ብምሕጻብ ብዛዕባ ትሕትና መሃሮም። ድሕሪኡ፡ ፋስጋ ድሕሪ ምብላዖም ኪኸውን ኣለዎ፡ “እቲ ምሳይ ሰላም ዘለዎ ኣነ ዝኣምኖ ሰብ፡ እቲ እንጌራይ ዚበልዕ ዝነበረ እኳ፡ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዒሉ” ዚብል ትንቢታዊ ቓላት ዳዊት ጠቐሰ። ቀጺሉ ድማ፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ” በለ።—መዝሙር 41:9፣ ዮሃንስ 13:18, 21።

እቶም ሃዋርያት ንሓድሕዶም ተጣማመቱ፡ በብሓደ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ኣነ ደዀን እየ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ እውን ከምኡ ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ ከኣ ነቲ ኣብ ጥቓ የሱስ ዝነበረ ዮሃንስ፡ መንነት እቲ ኸምኡ እተባህለሉ ኺሓተት ኣመልከቶ። ዮሃንስ ድማ ናብ የሱስ ተጸጊዑ፡ “ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፧” በሎ።—ማቴዎስ 26:22፣ ዮሃንስ 13:25።

የሱስ ከኣ፡ “እቲ ኣነ ቝራስ ኣጥሊቐ ዝህቦ እዩ” ኢሉ መለሰ። ኣብቲ ኣብ ሰደቓ ዝነበረ ጻሕሊ ቝራስ ኣጥሊቑ ንይሁዳ ሃቦ እሞ፡ “ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተጻሕፈሉ ኪኸይድ እዩ፣ እቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሰብ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሓሾ ነይሩ” በለ። (ዮሃንስ 13:26፣ ማቴዎስ 26:24) ሽዑ፡ ሰይጣን ናብ ይሁዳ ኣተወ። እዚ ብልሹው ዝነበረ ሰብ እዚ፡ ድሕርዚ ፍቓድ ድያብሎስ ኪገብርን “ወዲ ጥፍኣት” ኪኸውንን ገዛእ ርእሱ መጠወ።—ዮሃንስ 6:64, 70፣ 12:4፣ 17:12።

የሱስ ድማ ንይሁዳ፡ “እቲ እትገብሮ ዘለኻ፡ ቀልጢፍካ ግበሮ” በሎ። እቶም ካልኦት ሃዋርያት፡ የሱስ ነቲ ሳጹን ገንዘብ ሒዙ ዝነበረ ይሁዳ፡ “‘ንበዓል ዜድልየና ዓድግ’ ዝበሎ ወይ ንድኻታት ገለ ኺህብ ዝነገሮ መሲልዎም ነበረ።” (ዮሃንስ 13:27-30) ይሁዳ ግና ንየሱስ ኣሕሊፉ ኺህብ እዩ ኸይዱ።

በታ ፋስጋ ዝበልዑላ ምሸት እቲኣ፡ የሱስ ሓድሽ ድራር ኣተኣታተወ። እንጌራ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ፡ ቈሪሱ፡ “እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ስጋይ ማለት እዩ። እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” ኢሉ ንሃዋርያቱ ኺበልዕዎ ሃቦም። (ሉቃስ 22:19) እቶም ሃዋርያት ከኣ ነቲ እንጌራ እናኣዞሩ ኻብኡ በልዑ።

ድሕርዚ፡ ጽዋእ ወይኒ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ፡ ሃቦም። ነፍሲ ወከፎም ድማ ካብታ የሱስ፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ፡ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ደመይ ዚግበር ሓድሽ ኪዳን ማለት እያ” ኢሉ እተዛረበላ ጽዋእ ሰተዩ።—ሉቃስ 22:20።

በዚ ኸምዚ፡ የሱስ እቲ ሰዓብቱ ዓመት ዓመት 14 ኒሳን ዜብዕልዎ ዝኽሪ ሞቱ ሰርዐ። እዚ ኸኣ ነቲ የሱስን ኣቦኡን፡ ሰብ እምነት ካብ ኵነኔ ሓጢኣትን ሞትን ኬምልጡ ኢሎም ዝገበርዎ ነገር ዜዘኻኽር እዩ። ካብቲ ፋስጋ ንኣይሁድ ዘለዎ ትርጉም ንላዕሊ፡ ነቲ ዚኣምኑ ደቂ ሰብ ዚረኽብዎ ናይ ሓቂ ሓርነት ዜጕልሕ ድማ እዩ።

የሱስ ደሙ “ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ” ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ። ካብቶም ነዚ ሕድገት እዚ ዚረኽቡ ብዙሓት ከኣ፡ እቶም እሙናት ሃዋርያቱን ካልኦት ከማታቶም ዝኣመሰሉን ኪጥቀሱ ይከኣሉ። ኣብ መንግስቲ ኣቦኡ ምስኡ ዚዀኑ ድማ ንሳቶም እዮም።—ማቴዎስ 26:28, 29።

  • የሱስ እንታይ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዝጠቐሰ፧ ኣወዓዕላኡኸ ብኸመይ እዩ ዝገለጾ፧

  • የሱስ ንይሁዳ እንታይ ኪገብር እዩ ዝነገሮ፧ እቶም ካልኦት ሃዋርያት ግና እንታይ እዩ መሲልዎም ዝነበረ፧

  • የሱስ እንታይ በዓል እዩ ዘተኣታተወ፧ እቲ በዓልከ ንምንታይ ዕላማ እዩ ዜገልግል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ