ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 124 ገጽ 284-ገጽ 285 ሕ.ጽ. 1
  • ክርስቶስ ኣሕሊፍካ ተዋህበን ተታሕዘን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክርስቶስ ኣሕሊፍካ ተዋህበን ተታሕዘን
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣሕሊፍካ ምውሃብን ምእሳርን
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ተታሕዘ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • የሱስ ኣብቲ ጀርዲን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ድራር ጐይታ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 124 ገጽ 284-ገጽ 285 ሕ.ጽ. 1
ጴጥሮስ ብሰይፊ ገይሩ ንማልኮስ እዝኑ ስለ ዝቘረጾ የሱስ ይገንሖ፣ ወተሃደራት ንየሱስ ኪሕዙ ይዳለዉ

ምዕራፍ 124

ክርስቶስ ኣሕሊፍካ ተዋህበን ተታሕዘን

ማቴዎስ 26:47-56 ማርቆስ 14:43-52 ሉቃስ 22:47-53 ዮሃንስ 18:2-12

  • ይሁዳ ንየሱስ ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣሕሊፉ ሃቦ

  • ጴጥሮስ እዝኒ ሓደ ሰብኣይ ቈረጸ

  • የሱስ ተታሕዘ

ፍርቂ ለይቲ ኣጸቢቑ ሓሊፉ እዩ ነይሩ። እቶም ካህናት ንይሁዳ፡ ንየሱስ ኣሕሊፉ እንተ ሂብዎም 30 ብሩር ኪኸፍልዎ ተሰማሚዖም እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ይሁዳ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንፈሪሳውያንን ምስ ብዙሓት ህዝቢ እናመርሖም፡ ንየሱስ ደለይዎ። ምሳታቶም ድማ ጭፍራ ወተሃደራት ሮሜን ሓደ ሓለቓ ሽሕን ነበሩ።

የሱስ ንይሁዳ ካብቲ ድራር ፋስጋ ዝበልዑሉ ምስ ሰጐጎ፡ ይሁዳ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይዱ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 13:27) ንሳቶም ከኣ ገላዉኦምን ጭፍራ ወተሃደራትን ኣከቡ። ይሁዳ ኣብ ፈለማ ናብቲ የሱስን ሃዋርያቱን ፋስጋ ዘብዓሉላ ኽፍሊ መሪሕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ ግና፡ ስንጭሮ ቄድሮን ሰጊሮም ናብታ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸዱ። ንየሱስ ኪረኽብዎ ቈሪጾም ብምንባሮም፡ ብዘይካ እቲ ኣጽዋሮም፡ መብራህትታትን ፋናታትን እውን ሒዞም ነበሩ።

ይሁዳ ነቶም ህዝቢ መሪሑ ናብ ደብረ ዘይቲ ገጹ ኺድይብ ከሎ፡ ንየሱስ ኣበይ ከም ዚረኽቦ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ኣብታ ዝሓለፈት ሰሙን፡ የሱስን እቶም ሃዋርያትን ካብ ቢታንያ ናብ የሩሳሌም ኪመላለሱ ኸለዉ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ የዕርፉ ነይሮም እዮም። በታ ለይቲ እቲኣ ግና፡ የሱስ ኣብቲ ጽላሎት እቲ ኣእዋም ኣውልዕ እንተ ዀይኑ፡ እቶም ንየሱስ ርእዮምዎ ዘይፍለጡ ኪዀኑ ዚኽእሉ ወተሃደራት ከመይ ገይሮም ኬለልይዎ ይኽእሉ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ይሁዳ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ፡ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፣ ሓዝዎ፡ ኣጽኒዕኩም ውሰድዎ” ኢሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ።—ማርቆስ 14:44።

ይሁዳ ነቶም ህዝቢ ናብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ መሪሕዎም ምስ ኣተወ፡ ንየሱስን ንሃዋርያቱን ረኣዮም እሞ ትኽ ኢሉ ናባታቶም ከደ። “ሰላም፡ መምህር” ኢሉ ኸኣ ንየሱስ ኣጥቢቑ ሰዓሞ። የሱስ ድማ፡ “ዓርከይ፡ ንምንታይ መጺእካ፧” በሎ። (ማቴዎስ 26:49, 50) የሱስ ንሕቶኡ ባዕሉ ኺምልስ ከሎ፡ “ይሁዳ፡ ንወዲ ሰብ ብምስዓም ኣሕሊፍካዶ ትህቦ ኣለኻ፧” በሎ። (ሉቃስ 22:48) ድሕርዚ ግና ነቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ግዲ ኣይገበረሉን።

የሱስ ቀጺሉ ናብ ብርሃን እቲ ፋናታትን መብራህትታትን ንቕድሚት ሰጒሙ፡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ ብትብዓት፡ “ኣነ እየ” በሎም። (ዮሃንስ 18:4, 5) እንታይ ከም ዚገብሩ ስለ ዝጠፍኦም፡ እቶም ሰባት ናብ ምድሪ ወደቑ።

የሱስ በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ኣብ ክንዲ ዚሃድም፡ ንመን ይደልዩ ኸም ዘለዉ መሊሱ ሓተቶም። ከም ብሓድሽ፡ “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ” ምስ በሉ ድማ፡ ብህድኣት፡ “‘ኣነ እየ’ ኢለ እኮ ነጊረኩም እየ። ንዓይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” በሎም። ኣብቲ ወሳኒ ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ የሱስ ነቲ ኣቐዲሙ ንሓደ እኳ ኸም ዘየጥፍእ እተዛረቦ ቓላት ዘከረ። (ዮሃንስ 6:39፣ 17:12) የሱስ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ሓልይዎም እዩ፣ “ብዘይካ እቲ ወዲ ጥፍኣት” ከኣ ሓደ እኳ ኣይጠፍአን። (ዮሃንስ 18:7-9) ስለዚ ኸኣ እዩ ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ይኺዱ ኺሓድግዎም ዝሓተቶም።

እቶም ወተሃደራት ተንሲኦም ናብ የሱስ ምስ ቀረቡ፡ እቶም ሃዋርያት እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ተረድኦም እሞ፡ “ጐይታይ፡ ብሰይፊዶ ኽንወቅዕ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ሉቃስ 22:49) የሱስ መልሲ ቕድሚ ምሃቡ ድማ፡ ጴጥሮስ ንሓንቲ ኻብተን እቶም ሃዋርያት ዘምጽእወን ክልተ ሰይፊ መሊሑ፡ ማልኮስ ንዝስሙ ባርያ እቲ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ።

የሱስ ከኣ ንእዝኒ ማልኮስ ተንክዩ ኣሕወዮ። ድሕሪኡ፡ ንጴጥሮስ፡ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ” ኢሉ ብምእዛዝ ኣገዳሲ ትምህርቲ መሃረ። “እቲ በዚ ኸምዚ ኺፍጸም ዚግብኦ ቕዱሳት ጽሑፋት ደኣ ኸመይ ኢሉ ኺፍጸም፧” ብምባል ከኣ፡ ኪተሓዝ ፍቓደኛ ምዃኑ ገለጸ። (ማቴዎስ 26:52, 54) ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ነታ ኣቦይ ዝሃበኒ ጽዋእሲ፡ ክሰትያዶ ኣይግብኣንን እዩ፧” በለ። (ዮሃንስ 18:11) ክሳዕ ሞት እኳ እንተ ዀነ፡ ምስቲ ኣምላኽ ንዕኡ ዘለዎ ፍቓድ ይሰማማዕ ነበረ።

የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ “ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ክትሕዙኒ መጺእኩም፧ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ተቐሚጠ እምህር ነይረ፣ ንስኻትኩም ግና ኣይሓዝኩምንን። እዚ ዅሉ ግና፡ እቲ ጽሑፋት ነብያት ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዀይኑ” በሎም።—ማቴዎስ 26:55, 56።

ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራትን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። እቶም ሃዋርያት ከኣ እዚ ምስ ረኣዩ፡ ሃደሙ። ግናኸ፡ ሓደ “ጐበዝ፡”—ምናልባት ማርቆስ እቲ ወደ መዝሙር እዩ ዚኸውን፡—ንየሱስ ኪስዕቦ ኢሉ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ተረፈ። (ማርቆስ 14:51) ምስ ኣለለይዎ እሞ ኺሕዝዎ ምስ ፈተኑ ግና፡ በፍታኡ ሓዲጉሎም ሃደመ።

  • ይሁዳ ንየሱስ ኣብ ጌተሴማኔ ዝደለዮ ስለምንታይ እዩ፧

  • ጴጥሮስ ንየሱስ ኪከላኸለሉ ኢሉ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ የሱስ ግና ብዛዕባ እዚ እንታይ በለ፧

  • የሱስ ምስቲ ኣምላኽ ንዕኡ ዘለዎ ፍቓድ ተሰማሚዑ ኸም ዚኸይድ ንምግላጽ እንታይ በለ፧

  • እቶም ሃዋርያት ንየሱስ ሓዲጎምዎ ምስ ሃደሙ፡ መን እዩ ዝተረፈ፧ ሽዑኸ እንታይ ኰነ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ