ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 137 ገጽ 310-ገጽ 311 ሕ.ጽ. 2
  • ቅድሚ ጰንጠቈስጠ ኣማእታት ረኣይዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቅድሚ ጰንጠቈስጠ ኣማእታት ረኣይዎ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመወዳእታ ግዜ እተራእየሉ እዋናት: ከምኡውን ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ.
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • “መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • የሱስ ናብ ሰማይ ተመልሰ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ነቶም ሃዋርያት ብዛዕባ ምኻዱ የዳልዎም
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 137 ገጽ 310-ገጽ 311 ሕ.ጽ. 2
የሱስ ናብ ሰማይ ይዓርግ

ምዕራፍ 137

ቅድሚ ጰንጠቈስጠ ኣማእታት ረኣይዎ

ማቴዎስ 28:16-20 ሉቃስ 24:50-52 ግብሪ ሃዋርያት 1:1-12፣ 2:1-4

  • የሱስ ንብዙሓት ተራእዮም

  • ናብ ሰማይ ዓረገ

  • የሱስ ኣብ ልዕሊ 120 ደቀ መዛሙርቱ መንፈስ ቅዱስ ኣፍሰሰ

የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ፡ ምስቶም 11 ሃዋርያቱ ኣብ ገሊላ ኣብ ዚርከብ ከረን ተራኸበ። ኣስታት 500 ዚዀኑ ኻልኦት ደቀ መዛሙርቱ እውን ኣብኡ ነይሮም እዮም፣ ገለ ኻባታቶም እውን ኣብ ፈለማ ጥርጣረታት ነይርዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:17፣ 1 ቈረንቶስ 15:6) እቲ የሱስ ቀጺሉ ዝበሎም ነገር ግና፡ ንሱ ብሓቂ ህያው ምዃኑ ንነፍሲ ወከፎም ኣእሚንዎም እዩ።

የሱስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ከም እተዋህቦ ገለጸሎም። “ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” ኢሉ እውን ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:18-20) እወ፡ የሱስ ህያው ኰይኑስ፡ እቲ ብስራት ኪስበኽ ይደሊ ነይሩ እዩ።

እዚ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እተዋህበ መዝነት፡ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ፡ ቈልዓ ኸይበልካ ንዅሎም ሰዓብቲ የሱስ እተዋህበ እዩ። ተጻረርቲ ነቲ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ደው ኬብልዎ ይጽዕሩ ይዀኑ፣ የሱስ ግና፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ መረጋገጺ ሂቡ እዩ። እዚ ንሰዓብቱ እንታይ መልእኽቲ ኣለዎ፧ የሱስ ባዕሉ፡ “እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ኣተባቢዕዎም እዩ። የሱስ ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ዚሳተፉ ዘበሉ ዅሎም ተኣምራዊ ግብርታት ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ኣይገለጸን። ኰይኑ ግና፡ ደገፍ መንፈስ ቅዱስ ኪህልዎም ምዃኑ ሓቢሩ እዩ።

ኵሉዅሉ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ “40 መዓልቲ” ተራእይዎም እዩ። እተፈላለየ ስጋ ለቢሱ እዩ ተራእይዎም፣ “ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ” እናመሃሮም፡ “ብብዙሕ ዜእምን መርትዖታት” ገዛእ ርእሱ ኣርእይዎም እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:3፣ 1 ቈረንቶስ 15:7።

የሱስ ነቶም ሃዋርያቱ ኣብ ገሊላ ምስ ረኸቦም፡ ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ኣዚዝዎም ኪኸውን ኣለዎ። ኣብታ ኸተማ ምሳታቶም ምስ ተራኸበ ኸኣ፡ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ኣቦ ዘተስፈዎ ተስፋ ደኣ ተጸበዩ እምበር፡ ካብ የሩሳሌም ኣይትውጽኡ፣ ዮሃንስሲ ብማይ እዩ ኣጥሚቑ፣ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም” በሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 1:4, 5።

ጸኒሑ፡ የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ኸም ብሓድሽ ተራኸበ። “ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፣” ቢታንያ ብምብራቓዊ ጎቦኡ ንደብረ ዘይቲ እትርከብ እያ። (ሉቃስ 24:50) የሱስ ብዛዕባ ምኻዱ ብዙሕ እኳ እንተ ነገሮም፡ መንግስቱ ብገለ ኣብ ምድሪ ኸም እትቐውም ይኣምኑ ነበሩ።—ሉቃስ 22:16, 18, 30፣ ዮሃንስ 14:2, 3።

ስለዚ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ ግዜ እዚዶ ናብ እስራኤል መንግስቲ ኽትመልስ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ድማ፡ “ነቲ ኣቦ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዝመደቦ ግዜያት ወይ እዋናት ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን” ኢሉ መለሰሎም። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ኺዓይይዎ ዚግባእ ዕዮ ብምትኳር፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 1:6-8።

የሱስ፡ እቶም እሙናት ሃዋርያቱ እናረኣይዎ ናብ ሰማይ ይዓርግ

እቶም ሃዋርያት ኣብ ደብረ ዘይቲ ኸለዉ ድማ፡ የሱስ ናብ ሰማይ ዓረገ። ደበና ኸኣ ካብ ኣዒንቶም ሰወሮ። የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ስጋ ለቢሱ ይርኣዮም ነይሩ እዩ። ኣብቲ ዝዓረገሉ እዋን ድማ፡ ነቲ ሽዑ ዝለበሶ ስጋ ቐንጢጡ መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ናብ ሰማይ ዓረገ። (1 ቈረንቶስ 15:44, 50፣ 1 ጴጥሮስ 3:18) እቶም እሙናት ሃዋርያት ኪጥምትዎ ኸለዉ፡ “ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት” ኣብ ጥቓኦም ደው በሉ። ንሳቶም ስጋ ዝለበሱ መላእኽቲ እዮም ነይሮም፣ ነቶም ሃዋርያት ከኣ፡ “ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ደው ኢልኩም ናብ ሰማይ ትጥምቱ ኣለኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪኸይድ ከሎ ዝረኣኹምዎ፡ ከምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ” በልዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 1:10, 11።

የሱስ ንህዝቢ እናኣወጀ ኣይኰነን ካብ ምድሪ ኸይዱ፣ እሙናት ሰዓብቱ ጥራይ እዮም ርእዮምዎ። “ከምኡ ገይሩ” ኸኣ እዩ ዚምለስ፣ ማለት እቶም ብሓይሊ መንግስቱ ኣብዚ ኸም ዘሎ ዜስተውዕሉ እሙናት ሰዓብቱ ጥራይ እምበር፡ ህዝቢ ብሓፈሻ ኸይፈለጠ እዩ ዚምለስ።

እቶም ሃዋርያት ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ መዓልትታት፡ “ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን” ምስ ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ተኣከቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:14) ጸሎት ድማ የዘውትሩ ነበሩ። ሓደ ኻብቲ ዚጽልዩሉ ዝነበሩ ጕዳይ፡ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚትክእ ወደ መዝሙር ንምሕራይ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንቝጽሪ ሃዋርያት ናብ 12 ንምምላስ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 19:28) ንጥፈታትን ትንሳኤን የሱስ ዝረኣየ ወደ መዝሙር እዮም ደልዮም ነይሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍላጥ ዕጫ ኸም ዝወደቐ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመወዳእታ ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ። (መዝሙር 109:8፣ ምሳሌ 16:33) እቲ ሓደ ኻብቶም የሱስ ዝሰደዶም 70 ዝነበረ ማትያስ ድማ፡ “ምስቶም 11 ሃዋርያት . . . ተቘጽረ።”—ግብሪ ሃዋርያት 1:26።

የሱስ ናብ ሰማይ ድሕሪ ምዕራጉ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ብኣይሁድ ዚብዓል በዓል ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣኸለ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ሓንቲ ደርቢ ድማ ኣስታት 120 ደቀ መዛሙርቲ ተኣኪቦም ነበሩ። ብሃንደበት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚመስል ደሃይ መጺኡ ንብዘላ እታ ቤት መልኣ። ልሳናት ሓዊ ዚመስል ድማ ኣብ ለልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተራእዮም። ኵሎም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። እዚ ኸኣ ምፍሳስ እቲ የሱስ ኣተስፍይዎም ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ እዩ ነይሩ!—ዮሃንስ 14:26።

  • የሱስ ኣብ ገሊላ ኣብ ዚርከብ ሓደ ኸረን ትእዛዛት ኪህብ ከሎ፡ መን እዩ ኣብኡ ዝነበረ፧ የሱስከ እንታይ እዩ ዝበለ፧

  • የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ንደቀ መዛሙርቱ እተራእዮም፧ እንታይከ እዩ ዝገበረ፧

  • የሱስ ብመሰረት እቲ ዝዓረገሉ መገዲ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ዚምለስ፧

  • ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እንታይ እዩ ዝዀነ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ