ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 93 ገጽ 216-ገጽ 217 ሕ.ጽ. 5
  • የሱስ ናብ ሰማይ ተመልሰ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ናብ ሰማይ ተመልሰ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቅድሚ ጰንጠቈስጠ ኣማእታት ረኣይዎ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ንመወዳእታ ግዜ እተራእየሉ እዋናት: ከምኡውን ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ.
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ኣብ ደብረ ዘይቲ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • የሱስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 93 ገጽ 216-ገጽ 217 ሕ.ጽ. 5
ሃዋርያቱ እናረኣይዎ የሱስ ናብ ሰማይ ይዓርግ

ትምህርቲ 93

የሱስ ናብ ሰማይ ተመልሰ

ኣብ ገሊላ፡ የሱስ ምስ ሰዓብቱ ተራኸበ። ሽዑ ድማ፡ ‘ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ። ኣነ ዝመሃርኩኹም ድማ ምሃርዎም፣ ከምኡ እውን ኣጥምቕዎም’ ኢሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትእዛዝ ሃቦም። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ‘ኣነ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ምዃነይ ኣይትረስዑ’ ኢሉ ቓል ኣተወሎም።

የሱስ ኣብቲ ድሕሪ ትንሳኤኡ ዝነበረ 40 መዓልቲ፡ ኣብ ገሊላን ኣብ የሩሳሌምን ንኣማእታት ደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም። ኣገዳሲ ትምህርትታት ከኣ መሃሮም፣ ብዙሕ ተኣምራት እውን ገበረ። ድሕርዚ፡ የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ደብረ ዘይቲ ተራኸበ። ሽዑ ድማ፡ ‘ካብ የሩሳሌም ኣይትውጽኡ። ነቲ ኣቦ ዘተስፈዎ ተጸበዩ’ በሎም።

ሃዋርያቱ ኸኣ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኣይተረድኦምን። ስለዚ፡ ‘ሕጂ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ዲኻ፧’ ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ‘እቲ የሆዋ ዝመደቦ ኣነ ዝነግሰሉ ግዜ ኣይኣኸለን። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም፣ መሰኻኽረይ እውን ክትኰኑ ኢኹም። ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ኣብ ወሰናት ምድርን ድማ ስበኹ’ በሎም።

ሽዑ፡ የሱስ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ደበና እውን ሸፈኖ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ስቕ ኢሎም ይጥምቱ ነበሩ፣ ንሱ ግና ኣኺልዎ ኸይዱ ነበረ።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ካብ ደብረ ዘይቲ ናብ የሩሳሌም ከዱ። ኣብ ሓንቲ ደርቢ ኸኣ ኣዘውቲሮም ይእከቡን ይጽልዩን ነበሩ። ካብ የሱስ ተወሳኺ መምርሒ ንምርካብ እዮም ዚጽበዩ ነይሮም።

“እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።”—ማቴዎስ 24:14

ሕቶታት፦ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ትእዛዝ እዩ ሂብዎም፧ ኣብ ደብረ ዘይቲ እንታይ እዩ ዀይኑ፧

ማቴዎስ 28:16-20፣ ሉቃስ 24:49-53፣ ዮሃንስ 20:30, 31፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:2-14፣ 1 ቈረንቶስ 15:3-6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ