ነቶም ኪጥመቑ ዚደልዩ ዚኸውን ሕቶታት
ምስ ሕጹያት ጥምቀት ዚግበር ናይ መደምደምታ ምይይጥ
ጥምቀት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ዚግበር። ኣብ መዛዘሚ እቲ መደረ ጥምቀት፡ እቲ ተዛራባይ ነቶም ሕጹያት ጥምቀት ደው ኪብሉን ነዘን ዚስዕባ ኽልተ ሕቶታት ዓው ኢሎም ኪምልሱን ይሓትቶም እዩ፦
1. ካብ ሓጢኣትኩም ተነሲሕኩምን ርእስኹም ንየሆዋ ወፊኹምን ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዚርከብ መገዲ ድሕነት ተቐቢልኩምዎን ዲኹም፧
2. ምጥማቕኩም ምስ ውድብ የሆዋ ብምሕባር ከም ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜፍልጠኩም ምዃኑ ተረዲኡኩም ድዩ፧
እቶም ሕጹያት ጥምቀት ነዚ ሕቶታት እዚ ‘እወ’ ኢሎም ምምላሶም፡ በቲ እተኸፍለ በጃ ኸም ዚኣምኑን ርእሶም ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩን ብግህዶ ኸም ‘እተኣመኑ’ ዜርኢ እዩ። (ሮሜ 10:9, 10) ስለዚ፡ ሕጹያት ጥምቀት ነዚ ሕቶታት እዚ ምስቲ ብልቦም ዝኣመኑሉ ነገር ተሰማሚዖም ምእንቲ ኺምልሱ፡ ኣቐዲሞም ብጸሎት ኪሓስብሉ ኣለዎም።
ንየሆዋ በይኑ ኸም እተምልኾን ምግባር ፍቓዱ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ከም እትህቦን ብጸሎት መብጽዓ ብምእታው፡ ርእስኻ ንዕኡ ወፊኻ ዲኻ፧
ሕጂ ኣብዛ እትመጽእ ዘላ ኣጋጣሚ ኽትጥመቕ ከም ዘሎካ ኣጸቢቕካ ኣሚንካሉ ዲኻ፧
ንጥምቀት ዚኸውን ግቡእ ክዳን ዚብሃል ከመይ ዝበለ እዩ፧ (1 ጢሞ. 2:9, 10፣ ዮሃ. 15:19፣ ፊል. 1:10)
“ንኣምላኽ ተወፋይነት” ከም ዘሎና ምእንቲ ኸነርኢ፡ “ትሕትናን ልብምናን” ዜርኢ ኽዳውንቲ ኽንክደን ኣሎና። ስለዚ፡ ዚጥመቑ ሰባት፡ እተቐላልዐ መሐንበሲ ኽዳን ወይ ድማ ጽሕፈት ወይ መወዓውዒ ዘለዎ ኽዳን ኣይክደኑን እዮም። የግዳስ፡ ጽፉፍን ጽሩይን ባህ ዜብልን ነቲ ኣጋጣሚ ዚግባእን ክዳውንቲ እዮም ዚኽደኑ።
ሓደ ሰብ ኪጥመቕ ከሎ፡ ከመይ ዝበለ መንፈስ እዩ ኼንጸባርቕ ዘለዎ፧ (ሉቃ. 3:21, 22)
ጥምቀት የሱስ ነቶም ሎሚ ዚጥመቑ ክርስትያናት ኣብነት ዚኸውን እዩ። የሱስ፡ ጥምቀት ረዚን ስጕምቲ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ኣረኣእያኡን ተግባራቱን ተንጸባሪቑ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጥምቀት ዚካየደሉ ቦታ መዋዘይን መጻወትን መሐንበስን ካልእ ንርዝነት እቲ ኣጋጣሚ ዜሕስር ነገራት ዚግበረሉን ኪኸውን የብሉን። እቲ ሓድሽ ክርስትያን እውን እንተ ዀነ፡ ዓብዪ ዓወት ከም እተጐናጸፈ ዜምስል ጠገለ ዘይብሉ ባህርያት ኬንጸባርቕ የብሉን። ጥምቀት ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓጐስካ ኣኽብሮት ብዝመልኦ መገዲ ኺንጸባረቕ ኣለዎ።
ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብስሩዕ ምእካብን ምስ ክርስትያናት ምሕባርን ንየሆዋ ዝገበርካዮ ወፈያ ኽትፍጽም ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧
ድሕሪ ምጥማቕካ፡ ጽቡቕ መደብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኺህልወካን ኣዘውቲርካ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትሳተፍን ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ንሽማግለታት ጉባኤ ዚኸውን መምርሒ
ሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኺጥመቕ ከም ዚደሊ ምስ ዚነግር፡ ነቲ ኻብ ገጽ 185-207 ዘሎ፡ “ነቶም ኪጥመቑ ዚደልዩ ዚኸውን ሕቶታት” ዚብል ክፋል ተጠንቂቑ ኺምርምሮ ኸም ዘለዎ ኺንገሮ ኣለዎ። ነቲ ምስ ሽማግለታት ዚገብሮ ምይይጥ ብኸመይ ኪዳለወሉ ኸም ዘለዎ ዚገልጽ ኣብ ገጽ 182 ዘሎ፡ “ንዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዚኸውን መልእኽቲ” ዚብል ክፋል እውን ኬተኵረሉ ኺንገሮ ይግባእ። ከምቲ ኣብኡ ተገሊጹ ዘሎ፡ ኣብ እዋን እቲ ምይይጥ፡ እቲ ሕጹይ ጥምቀት ኣብ ካልእ ወረቐት ዘስፈሮ ናይ ብሕቱ መዘኻኸሪ ወይ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኺጥቀም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ምስ ሽማግለታት ቅድሚ ምርኻቡ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ምስ ካልእ ሰብ ኰይኑ ኪኽልሶ ኣየድልን እዩ።
ሓደ ሰብ ኪጥመቕ ምስ ዚደሊ፡ ነቲ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ኪነግሮ ኣለዎ። እቲ ኺጥመቕ ዚሓትት ዘሎ ሰብ ነቲ፡ “ነቶም ኪጥመቑ ዚደልዩ ዚኸውን ሕቶታት” ዚብል ክፋል ኬንብብ ግዜ ምስ ተዋህቦ፡ እቲ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ነቲ ሰብ፡ ንየሆዋ ፍቓዱ ንምግባር ብጸሎት ርእሱ ወፍዩ እንተ ዀይኑ ይሓትቶ። እቲ ሰብ ርእሱ እንተ ወፍዩ፡ እቲ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ነቲ፡ “ነቶም ኪጥመቑ ዚደልዩ ዚኸውን ሕቶታት” ዚብል ክፋል ምስኡ ዀይኖም ዚመያየጥሉ ኽልተ ሽማግለታት ይምድብ። ንኽልቲኡ እዚ ኽፋላት ነናቱ ሽማግለ ኺምደበሉ ኣለዎ። ነዚ ምይይጥ እዚ ንምግባር ኣኼባ ወረዳ ወይ ኣኼባ ዞባ ዚካየደሉ ግዜ ኽሳዕ ዚቐርብ ክትጽበዩ ኣየድልን እዩ።
እቲ ኽልተ ኽፋላት ነናይ ሓደ ሰዓት ንውሓት ኣብ ዘለዎ ኽልተ እተፈላለየ እዋን ኪውሰድ ይከኣል እዩ፣ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ምይይጥ ካብ ሓደ ሰዓት ኪነውሕ ይኽእል እዩ። ክልቲኡ እዚ ምይይጥ እዚ ብጸሎት ኪኽፈትን ኪዕጾን ኣለዎ። እቶም ሽማግለታት ይኹኑ እቲ ሕጹይ ጥምቀት ነቲ ሕቶታት ንምውዳእ ኪህወኹ የብሎምን። እቶም እተመደቡ ሽማግለታት ነዚ ምይይጥ እዚ ኻብ ካልእ ቀዳምነት ኪህብዎ ኣለዎም።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ሕቶታት ኣብ ክንዲ ብጕጅለ፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ሕጹይ ጥምቀት ብብሕቲ እንተ ተመያየጥኩምሉ ይሓይሽ። ሽማግለታት ነቲ ሕጹይ ጥምቀት ኣብ ኵሉ እቲ ሕቶታት ሓሳቡ ኸም ዚህብ ምስ ዚገብሩ፡ ብዛዕባ ዕምቈት ግንዛበኡ ስለ ዚርድኡ፡ ኪጥመቕ ብቑዕ እንተ ዀይኑ ብንጹር ኪፈልጡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ኺጥመቕ ዚደሊ ዘሎ ሰብ እውን ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ሓሳባቱ ብዝያዳ ኺገልጽ ይፈዅሶ ይኸውን። እዚ ምይይጥ እዚ ንሰብ ሓዳር ብሓንሳእ ኪግበረሎም ይከኣል እዩ።
ሓደ ሽማግለ ንሓንቲ ሓብቲ ሕቶታት ጥምቀት ኪሓትታ ኸሎ፡ ካልኦት ኪርእይዎ ኣብ ዚኽእሉ ግናኸ ንምይይጦም ኪሰምዕዎ ኣብ ዘይክእሉ ቦታ ዀይኑ ኺገብሮ ኣለዎ። ካልእ ሰብ ምስኡ ኺወስድ እንተ ኣድልዩ፡ ከምቲ ኣብ ዚቕጽል ሕጡብ ጽሑፍ ተሓቢሩ ዘሎ፡ ከከምቲ እቲ ዚመያየጡሉ ኽፋል፡ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኺማላእ ኣለዎ።
ኣብተን ሒደት ሽማግለታት ዘለዉወን ጉባኤታት፡ ጽቡቕ ዜመዛዝኑን ዜስተውዕሉን ክኢላታት ኣገልገልቲ ጉባኤ ነቲ ኣብ “1ይ ክፋል፦ ክርስትያናዊ እምነታት” ዘሎ ሕቶታት ጥምቀት ኬመያይጡ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ኣብ “2ይ ክፋል፦ ክርስትያናዊ ህይወት” ዘሎ ሕቶታት ከኣ፡ ሽማግለታት ጥራይ እዮም ኬመያይጡ ዘለዎም። እታ ጉባኤ ብቕዓት ዘለዎም እኹላት ኣሕዋት እንተ ዘይብላ፡ ኣብ ጥቓኣ ኻብ ዘላ ጉባኤ ሓገዝ ንምርካብ፡ ንሓላው ወረዳ ኺሕበሮ ኣለዎ።
እቲ ሕጹይ ጥምቀት ዘይባጽሐ ምስ ዚኸውን፡ ዚኣምን ወላዲኡ (ወለዱ) ኣብቲ ምይይጥ ኪህሉ ኣለዎ። እቲ ወላዲ (ወለዲ) ኺህሉ ዘይክእል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ክልቲኡ ኽፋላት ከክልተ ሽማግለታት (ወይ ድማ ከከምቲ ምይይጥ ዚግበረሉ ኽፋል፡ ሓደ ሽማግለን ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤን) ኪህልዉ ኣለዎም።
ሽማግለታት፡ እቲ ዚጥመቕ ዘሎ ሰብ ብዛዕባ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እኹል ግንዛበ ኸም ዝረኸበ ኼረጋግጹ እዮም። ብተወሳኺ፡ ንሓቂ ዓሚቝ ኣኽብሮት እንተ ኣልይዎን ንውድብ የሆዋ ግቡእ ኣኽብሮት ዜርኢ እንተ ዀይኑን ኬረጋግጹ ይደልዩ እዮም። እቲ ሰብ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተረድኦ እንተ ዀይኑ ግና፡ ኣብ ዚመጽእ ግዜ ንጥምቀት ብቑዕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽማግለታት ዜድልዮ ብሕታዊ ደገፍ ከም ዚረክብ ይገብሩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ንኣገልግሎት ወፍሪ ዝያዳ ኣኽብሮት ምእንቲ ኺህልዎም ወይ ነቲ ብውድብ ዚግበር መሰናድዎ ተገዛእነት ምእንቲ ኼርእዩ፡ ግዜ ኺውሃቦም የድሊ ይኸውን። ሽማግለታት፡ እቲ ሕጹይ ጥምቀት ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ንምውሳድ ድሉው ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ኼስተውዕሉ ምእንቲ ኪኽእሉ፡ ነቲ ኣብ ከክፋል ዚጥቀምሉ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ዚኸውን ግዜ ብግቡእ ኬመቓርሕዎ ኣለዎም። ኣብ ገለ ሕቶታት ዝያዳ ግዜ፡ ኣብ ገሊኡ ኸኣ ዝወሓደ ግዜ ኺውሰድ ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሉ እቲ ሕቶታት ኪሕተት ኣለዎ።
እቶም ንሕጹያት ጥምቀት ኪሓትቱ እተመደቡ ሽማግለታት፡ ድሕሪ እቲ ኻልኣይ ክፋል ተኣኪቦም፡ እቲ ሰብ ንጥምቀት ብቑዕ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ይውስኑ። ሽማግለታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕጹይ ጥምቀት ኣተዓባብያን ክእለትን ካልእ ኵነታትን ኣብ ግምት የእትዉ እዮም። ነቶም ልቦም ናብ የሆዋ ዝመለሱ፡ ትርጉም እቲ መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ እተረድኡ ሰባት ንግደሰሎም ኢና። እቶም ዚጥመቑ ሰባት በቲ ፍቕራዊ ሓገዝኩም ተደጊፎም፡ ነቲ ኸም ኣገልገልቲ እቲ ብስራት መጠን ዚውሃቦም ኣገዳሲ ዕዮ ብግቡእ ኪዳለዉ እዮም።
ድሕርዚ፡ ሓዲኦም ወይ ክልቲኦም እቶም እተመደቡ ሽማግለታት ምስቲ ሰብ ብምርኻብ ንጥምቀት ብቑዕ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ይነግርዎ። እቲ ሰብ ብቑዕ ምስ ዚኸውን፡ እቶም ሽማግለታት ነቲ ኻብ ገጽ 206-207 ዘሎ፡ “ምስ ሕጹያት ጥምቀት ዚግበር ናይ መደምደምታ ምይይጥ” ምስኡ ኺመያየጡሉ ኣለዎም። እቲ ሕጹይ ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ዘይወድአ እንተ ዀይኑ፡ እቶም ሽማግለታት፡ ድሕሪ ጥምቀት ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኺውድእ ኬተባብዕዎ ኣለዎም። ብዘይካዚ፡ ነቲ ሕጹይ ዕለተ ጥምቀቱ ኣብቲ ብስሙ ዚትሓዝ መዝገብ ኣስፋሒ ጉባኤ ኸም ዚኣቱ ይሕብርዎ። እታ ውድብ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ኽትከታተል፡ እቲ ኣስፋሒ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምእንቲ ኺሳተፍን መንፈሳዊ ደገፍ ምእንቲ ኺውሃቦን ተባሂሉ ሽማግለታት ነዚ ብሕታዊ ሓበሬታ ኻብቲ ኣስፋሒ ኸም ዚእክቡ የዘኻኽርዎ። ብተወሳኺ ድማ፡ እቶም ሽማግለታት ነቶም ሓደስቲ ኣስፋሕቲ፡ ዝዀነ ብሕታዊ ሓበሬታ ብመሰረት እቲ ኣብ jw.org ዚርከብ ፖሊሲ ምሕላው ዓለምለኻዊ ሓበሬታ ኸም ዚትሓዝ ኪሕብርዎም ይኽእሉ እዮም። እዚ ምይይጥ እዚ ኻብ ዓሰርተ ደቒቕ ዚነውሕ ግዜ ኺወስድ የብሉን።
ካብ ጥምቀት እቲ ኣስፋሒ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ክልተ ሽማግለታት ኬተባብዕዎን ሓጋዚ ሓሳባት ኪህብዎን ኣለዎም። ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት፡ ሓላው ጕጅለኡ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ሓድሽ ጥሙቕ ዘይባጽሐ እንተ ዀይኑ፡ ኣማኒ ወላዲኡ (ወለዱ) ኣብኡ ኺህሉ ኣለዎ። መንፈስ እቲ ምይይጥ፡ ውዕዉዕን ዜተባብዕን ኪኸውን ኣለዎ። ኣብኡ ድማ፡ ሽማግለታት ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕቤቱ የመያይጥዎ፣ ከመይ ገይሩ ጽቡቕ ልማድ ብሕታዊ መጽናዕትን መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ሰሙናዊ ኣምልኾ ስድራ ቤትን ሒዙ ኸም ዚቕጽል፡ ከመይ ገይሩ ኣዘውቲሩ ኣብ ኣኼባታት ከም ዚእከብን ከም ዚሳተፍን፡ ከመይ ገይሩ እውን ሰሙናዊ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸም ዚነጥፍ ግብራዊ ሓሳብ ይህብዎ። (ኤፌ. 5:15, 16) ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ዘይወድአ እንተ ዀይኑ፡ እቶም ሽማግለታት ዚሕግዞ ሰብ ኬዳልዉሉ ይግባእ። ካብ ፍቕሪ ዝነቐለ ብዙሕ ናእዳ እውን ኪህቡ ኣለዎም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ነጥቢ ዚውሃብ ምኽሪ ወይ ሓሳብ እኹል እዩ።