መመላእታ ጽሑፍ
መመላእታ ጽሑፍ ንክርስትያን ወለዲ ዚኸውን መልእኽቲ፦
ወላዲ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ነቶም እትፈትዎም ደቅኻ ንየሆዋ ኼፍቅርዎን ርእሶም ንዕኡ ኺውፍዩን ክትሕግዞም ትደሊ ኢኻ። ንጥምቀት ንምድላዎም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ መዓስ ድሉዋት ኪዀኑ ይኽእሉ፧
የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴ. 28:19) ብመሰረት እዚ ድማ፡ ንጥምቀት ኪማላእ ዘለዎ ቐንዲ ብቕዓት፡ ወደ መዝሙር ምዃን፡ ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ ትምህርትታት ክርስቶስ ዚርድኦን ዚኣምነሉን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣስኣሰሩ ዚስዕብ ሰብ ምዃን ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ንኣሽቱ እውን ኪገብርዎ ዚኽእሉ እዩ።
ንደቅኹም ሰናይ ኣብነት ኩንዎም፣ ትምህርትታት የሆዋ ድማ ቅረጹሎም። (ዘዳ. 6:6-9) እዚ ድማ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ጌርካ መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃሮም፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሓስቡን ብእኡ ኺመላለሱን ድማ ምድላዎም የጠቓልል። ንደቅኹም፡ እምነቶም ብናይ ገዛእ ርእሶም ቃላት ኪገልጹ ምእንቲ ኪኽእሉ ሓግዝዎም። (1 ጴጥ. 3:15) ካባኻትኩምን ካብ ብሕታዊ መጽናዕትን ካብ ኣምልኾ ስድራ ቤትን ካብ ኣኼባታት ጉባኤን ካብ ጽቡቕ ምሕዝነትን ዚረኽብዎ ፍልጠትን መተባብዕን፡ ክሳዕ ጥምቀትን ድሕሪኡን ዕቤት ኪገብሩ ይሕግዞም እዩ። ብዘይካዚ፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ኬውጽኡ ሓግዝዎም።
ምሳሌ 20:11፡ “ቈልዓ እኳ ጠባዩ ንጹህን ቅኑዕን እንተ ዀይኑ፡ ብተግባራቱ ይፍለጥ እዩ” ትብል። ሓደ ቈልዓ፡ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ከም ዝዀነን ኪጥመቕ ድሉው ምዃኑን ዚሕብር ገሊኡ ተግባራት እንታይ እዩ፧
ናብ ጥምቀት ዚዓቢ ዘሎ ቘልዓ፡ ንወለዱ ኺእዘዞም ይግባእ። (ግብ. 5:29፣ ቈሎ. 3:20) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሮ ባህርይ ኬዘንቱ ኸሎ፡ “[ንወለዱ] ይእዘዞም . . . ነበረ” ይብል። (ሉቃ. 2:51) ልክዕ እዩ፡ ውሉድካ ፍጹም ኪኸውን ኣይትጽበን ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ኪጥመቕ ዚደሊ ሰብ፡ ኣብነት የሱስ ኪስዕብ ይጽዕር እዩ፣ ንወለዱ እውን ይእዘዞም እዩ።
ብዘይካዚ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃር ይደሊ እዩ። (ሉቃ. 2:46) እሞኸ፡ ውሉድካ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብን ኪሳተፍን ይደሊ ድዩ፧ (መዝ. 122:1) ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ብሕታዊ መጽናዕትን ኪገብር ይብህግ ድዩ፧—ማቴ. 4:4።
ናብ ጥምቀት ዚዓቢ ዘሎ ቘልዓ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዘቐድም። (ማቴ. 6:33) ብዛዕባ እምነቱ ንኻልኦት ኪነግር ከም ዘለዎ ሓላፍነት ይስምዖ እዩ። ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት ይሳተፍ፡ ንመምህራኑን ንመማህርቱን ከኣ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነ ምንጋር ኣየሕፍሮን እዩ። ነቲ ኣብ ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ዚውሃቦ ኽፍሊ ድማ ብርዝነት እዩ ዚርእዮ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ሕማቕ ዕርክነት ብምርሓቕ፡ ስነ ምግባራዊ ንጽህናኡ ኺሕሉ ይጽዕር እዩ። (ምሳ. 13:20፣ 1 ቈረ. 15:33) እዚ ድማ ኣብቲ ዚመርጾ ሙዚቃን ፊልምን መደባት ተለቪዥንን ጸወታታት ቪድዮን ኢንተርነትን ይንጸባረቕ እዩ።
ብዙሓት ውሉዳት ነቲ ወለዶም ብትግሃት ዝገበሩሎም ጻዕሪ ተቐቢሎምን ንሓቂ ኣጥርዮምዋን ብንእስነቶም ንጥምቀት በቒዖምን እዮም። ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ንምብጻሕ ኽትሕግዝዎም ከለኹም፡ የሆዋ ይባርኽኩም።
ንዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዚኸውን መልእኽቲ፦
ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዄንካ ምስታ ጉባኤ ሓቢርካ ምግልጋል ዓብዪ መሰል እዩ። ስለቲ ዝገበርካዮ መንፈሳዊ ዕቤት ክትንኣድ ይግብኣካ እዩ። ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ ርጡብ ፍልጠት ረኺብካ ኢኻ፣ በቲ እተምሃርካዮ ኸም እትኣምን እውን ኣርኢኻ ኢኻ።—ዮሃ. 17:3፣ እብ. 11:6።
ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ቅድሚ ምጅማርካ፡ ምስ ካልእ ሃይማኖት ትሓብር ኔርካ ትኸውን፡ ወይ ከኣ ምስ ዋላ ሓደ ሃይማኖት ኣይትሓብርን ኔርካ ትኸውን። ምናልባት ድማ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይሰማማዕ ንጥፈታት ትካፈል ኔርካ ትኸውን። ሕጂ ግና፡ ተነሲሕካ፡ ማለት በቲ ዝሓለፈ ግጉይ መገድኻ ተጣዒስካ ኢኻ፣ ብዘይካዚ እውን፡ ተመሊስካ፡ ማለት ነቲ ግጉይ መገድኻ ሓዲግካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቕኑዕ ኽትገብር ወሲንካ ኢኻ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ እምነትካ ኣርኢኻ ኢኻ።—ግብ. 3:19።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ምናልባት ‘ካብ ሕጻንነትካ’ ኣትሒዝካ ቕዱሳት ጽሑፋት እትፈልጥ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ኣብ ዘይክርስትያናዊ ኣካይዳ ኸይትሳተፍን ዓበይቲ ጌጋታት ከይትፍጽምን ዕቝባ ዀይኑካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:15) ንናይ መዛኑ ጸቕጢ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ሕማቕ ዝዀነ ነገራት ብኸመይ ከም እትጻረርን ተማሂርካ ኢኻ። ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብምድጋፍን ንእምነትካ ንኻልኦት ብምክፋልን፡ እምነትካ ኣርኢኻ ኢኻ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እውን ስልጠና ረኺብካ ኢኻ። ሕጂ ኣብታ ጉባኤ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ብምዃን ንየሆዋ ኸተገልግሎ ብሕታዊ ውሳነ ጌርካ ኢኻ።
ምስ ዓበኻ ሓቂ ዝፈለጥካ ኹን ወይ ካብ ሕጻንነትካ ኣትሒዝካ መገድታት የሆዋ እተማሃርካ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤትካ ዜድልየካ ኽልተ ተወሳኺ ስጕምትታት ትሓስብ ትህሉ ትኸውን፣ እዚ ድማ ወፈያን ጥምቀትን እዩ። እቲ ንየሆዋ እትገብሮ ወፈያ ብጸሎት ናብኡ ቐሪብካ ንዘለኣለም ንዕኡ በይኑ ኸም እተወፈኻ ብብሕቲ ውሳነ እትገልጸሉ እዩ። (ማቴ. 16:24) ድሕሪኡ ድማ፡ ከም መርኣዪ እቲ ዝገበርካዮ ወፈያ፡ ብማይ ክትጥመቕ ኢኻ። (ማቴ. 28:19, 20) ብወፈያን ጥምቀትን ኣቢልካ ኸኣ እተመዘዘ ኣገልጋሊ የሆዋ ኣምላኽ ክትከውን ኢኻ። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ መሰል ኰን እዩ!
እንተዀነ ግና፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ እተምሃርካዮ፡ እዚ ብዙሕ ጸገማት ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ። የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ‘ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ብመንፈስ ናብ በረኻ ኸም እተመርሐ’ ኣይትረስዕ። (ማቴ. 4:1) ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኴንካ ምስ ተጠመቕካ፡ ብዙሕ ፈተናታት ኬጋጥመካ ኽትጽበ ኣሎካ። (ዮሃ. 15:20) ፈተናታት ብእተፈላለየ መልክዕ ኪመጸካ ይኽእል እዩ። ካብ ስድራ ቤትካ ተቓውሞ ኼጋጥመካ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 10:36) እቶም ናይ ቀደም መማህርትኻን መሳርሕትኻን ኣዕሩኽካን ከኣ የላግጹልካ ይዀኑ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ኣብ ማርቆስ 10:29, 30 ዘሎ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት የሱስ ወትሩ ዘክሮ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ምእንታይን ምእንቲ ብስራትን ኢሉ፡ ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ውሉዳት፡ ወይ ግራውቲ ዝሓደገ ዘበለ፡ ሕጂ ኣብዚ እዋን እዚ 100 ዕጽፊ ኣባይትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዴታትን ውሉዳትን ግራውትን ምስ መስጐጕቲ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓት ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን።” ስለዚ፡ ናብ የሆዋ ኽትቀርብን ምስቲ ቕኑዕ ስርዓታቱ ተሰማሚዕካ ኽትነብርን ኣበርቲዕካ ጽዓር።
ክትጥመቕ ምስ እትደሊ፡ ንኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ሓብሮ። ሽማግለታት ድማ በቲ ደድሕሪ እዛ መልእኽቲ እዚኣ ዘሎ ሕቶታት ገይሮም ክትጥመቕ ብቑዕ እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ንምውሳን ኬመያይጡኻ እዮም። ነዚ ሕቶታት እዚ ኣቐዲምካ ኸም ክፍሊ ስሩዕ ናይ ብሕቲ መጽናዕትኻ ጌርካ ኽትምርምሮ ትኽእል ኢኻ።
ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትዳለወሉ ኸለኻ፡ ግዜ መዲብካ ነቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦን ኣስተንትነሉን። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ወይ ኣብ ካልእ ወረቐት ናይ ብሕትኻ መዘኻኸሪ ኽትጽሕፍ ትደሊ ትኸውን። ምስ ሽማግለታት ምይይጥ ኣብ እትገብረሉ እዋን ነቲ መዘኻኸሪ ወይ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ገሊኡ ሕቶታት ንምርዳኡ እንተ ኣሸጊሩካ፡ ካብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓልካ ወይ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ምስ ሽማግለታት ክትመያየጥ ከለኻ፡ ነዊሕ ወይ እተሓላለኸ መልሲ ኽትህብ ከም ዘሎካ ጌርካ ኽትሓስብ የብልካን። ብናትካ ኣበሃህላ ጌርካ ቐሊልን ቀጥታውን መልሲ እንተ ሃብካ ይሓይሽ። ኣብ መብዛሕትኡ ሕቶታት፡ ነቲ ንመልስኻ መሰረት ዚኸውን ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ጠቐስካ ጽቡቕ እዩ።
ብዛዕባ እቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እኹል ፍልጠት እንተ ዘየጥሪኻ፡ ብናትካ ኣበሃህላ ቕኑዕ ግንዛበ ቕዱሳት ጽሑፋት ክትገልጽ ምእንቲ ኽትክእልን ካልእ ግዜ ንጥምቀት ብቑዕ ምእንቲ ኽትከውንን፡ እቶም ሽማግለታት ተወሳኺ ሓገዝ ክትረኽበሉ እትኽእል መገዲ ኼዳልዉልካ እዮም።
[ሓበሬታ ንሽማግለታት ጉባኤ፦ ምስ ሕጹያት ጥምቀት ንዚግበር ምይይጥ ዚኸውን መምርሒ ኣብ ገጽ 208-212 ይርከብ።]