ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/6 ገጽ 3-6
  • ንኣሽቱ ኺጥመቑስ ግቡእ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣሽቱ ኺጥመቑስ ግቡእ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቀንዲ ብቕዓት—ወደ መዝሙር ምዃን
  • መርትዖ ወደ መዝሙር ምዃን
  • ንኣሽቱ ንየሆዋ ኺውድስዎ ይኽእሉ እዮም
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉድኩም ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ትሕግዝዎዶ ኣለኹም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ጥምቀት—ክርስትያናት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • መመላእታ ጽሑፍ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ኣቱም መንእሰያት፡—ንጥምቀት ተዳሊኹም ዲኹም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/6 ገጽ 3-6

ንኣሽቱ ኺጥመቑስ ግቡእ ድዩ፧

ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብር ካርሎስa ዚበሃል ክርስትያን ኣቦ፡ “ጓለይ ኣገልጋሊት የሆዋ ብምዃና ኣዝየ ሕጉስ እየ፣ ንሳ እውን ሕጉስቲ እያ” በለ። ሓደ ኣብ ግሪኽ ዚነብር ኣቦ እውን፡ “ኣነን ብዓልቲ ቤተይን፡ ሰለስቲኦም ደቅና ብግዜ ንእስነቶም ጥሙቓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃኖም ሕጉሳት ኢና። መንፈሳዊ ዕቤት ይገብሩ ኣለዉ፡ ንየሆዋ ብምግልጋሎም እውን ሕጉሳት እዮም” በለ።

ክርስትያን ወለዲ፡ ደቆም ኪጥመቑ ኸለዉ ይሕጐሱ እዮም፣ ሓድሓደ ግዜ ግን፡ ስክፍታታት እውን ይህልዎም እዩ። ሓንቲ ኣደ፡ “ኣዝየ ተሓጒሰን ኣዝየ ተሻቒለን እየ ነይረ” በለት። ስለምንታይ እዩ እተሓዋወሰ ስምዒት ተሰሚዕዋ፧ ምኽንያት ሻቕሎታ፡ “ወደይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲ ምዃኑ ተረዲኡኒ ነይሩ እዩ” ኢላ ገለጸት።

ኵሎም ንኣሽቱ መንእሰያት፡ ጥሙቓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ሸቶ ኺህልዎም ይግባእ። ኰይኑ ግን፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ፡ ‘ውሉደይ ጽቡቕ ዕቤት ከም ዝገበረ እፈልጥ እየ፣ ኰይኑ ግን፡ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገር ንኺገብር ዜጋጥሞ ጸቕጥታት ተጻዊሩ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናኡ ንኺሕሉ ዜኽእሎ ብርታዐ ኣለዎዶ፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ ‘ንውሉደይ ምስ ፍቕረ-ንዋይ እተተሓሓዘ ፈተና ኼጋጥሞ ኸሎ፡ ንኣምላኽ ብሓጐስን ብቕንኣትን ኬገልግሎ ድዩ፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። እሞኸ፡ ወለዲ፡ ደቆም ንጥምቀት ድሉዋት እንተ ዀይኖም ንምውሳን ዚሕግዝ እንታይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መምርሒ ኺረኽቡ ይኽእሉ፧

ቀንዲ ብቕዓት—ወደ መዝሙር ምዃን

ቃል ኣምላኽ ንጥምቀት ዜብቅዕ እተወሰነ ዕድመ ኣይገልጽን እዩ፣ የግዳስ፡ እቶም ነቲ ስጕምቲ እቲ ኺወስዱ ብቕዓት ዘለዎም ኬማልእዎ ዚግባእ መንፈሳዊ ዅነታት እዩ ዚገልጽ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንዅሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቕኩም፡ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴ. 28:19) ስለዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝዀኑ ሰባት እዮም ኪጥመቑ ዘለዎም።

ወደ መዝሙር ማለት፡ እንታይ ማለት እዩ፧ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ “እታ ቓል ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ትምህርትታት ክርስቶስ ዚኣምኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ነቲ ትምህርትታት ኣሚኖም ተጠንቂቖም ዚስዕብዎ ንምምልካት እያ እተገልግል” በለ። ብዕድመ ንኣሽቱ ዘበሉ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ይኽእሉ ድዮም፧ ሓንቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ንልዕሊ 40 ዓመት ሚስዮናዊት ኰይና ዘገልገለት ሓብቲ፡ ብዛዕባ ርእሳን ብዛዕባ ኽልተ ኣሓታን ከምዚ በለት፦ “ኣብቲ ዕድመ እቲ፡ ንየሆዋ ኸነገልግሎን ኣብ ገነት ክንነብርን ከም እንደሊ ንፈልጥ ኔርና ኢና። ብግዜ ንእስነትና ፈተናታት ምስ ኣጋጠመና፡ ወፈያና ንኽንጸንዕ ሓጊዙና እዩ። ብንእስነትና ርእስና ንኣምላኽ ምውፋይና ኣየጣዕሰናን እዩ።”

ውሉድካ፡ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኰይኑ እንተ ኣልዩ፡ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቈልዓ እኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀነ፡ ብግብሩ የፍልጥ” ይብል። (ምሳ. 20:11) ሓደ ብዕድመ ንእሽቶ ሰብ፡ ከም ወደ መዝሙር መጠን ‘እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ’ ዚሕብር ገለ ተግባራት እስከ ንርአ።—1 ጢሞ. 4:15።

መርትዖ ወደ መዝሙር ምዃን

ውሉድካ ይእዘዘካ ድዩ፧ (ቈሎ. 3:20) ኣብ ገዛ ዚወሃቦ ዕዮ ይዓዪ ድዩ፧ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንወለዱ “ይእዘዞም” ከም ዝነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ሉቃ. 2:51) ልክዕ እዩ፡ ንወለዱ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኺእዘዝ ዚኽእል ውሉድ የልቦን። ኰይኑ ግን፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ‘ኣስኣሰር የሱስ ኪስዕቡ’ ኣለዎም። ስለዚ፡ ኪጥመቑ ዚደልዩ ብዕድመ ንኣሽቱ ውሉዳት፡ ንወለዶም ዚእዘዙ ኪዀኑ ኣለዎም።—1 ጴጥ. 2:21።

ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እውን ሕሰበሉ፦ ውሉድካ ንኣገልግሎት ‘መንግስቲ ኣምላኽ የቐድም’ ድዩ፧ (ማቴ. 6:33) ንኻልኦት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪነግር ይደሊ ድዩ፡ ወይስ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸም ዚኸይድን ከም ዚሰብኽን እትገብሮ ንስኻ ኢኻ፧ ነቲ ኸም ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ መጠን ዘለዎ ሓላፍነት ይርድኦ ድዩ፧ ነቶም ዝረኸቦም ተገደስቲ ተመሊሱ ኺበጽሖም ይደሊ ድዩ፧ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ንመማህርቱን ንመምህራኑን የፍልጦም ድዩ፧

ንኣኼባታት ጉባኤ ኣርዚኑ ይርእዮ ድዩ፧ (መዝ. 122:1) ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤን ተሓጒሱ ሓሳብ ይህብ ድዩ፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ብውዕዉዕ መንፈስ ይሳተፍ ድዩ፧—እብ. 10:24, 25።

ውሉድካ ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ካልእ ቦታታትን ካብ ሕማቕ ዕርክነት ብምርሓቕ፡ ስነ-ምግባራዊ ንጽህናኡ ንምሕላው ይቃለስ ድዩ፧ (ምሳ. 13:20) እንታይ ዓይነት ሙዚቃን ፊልምን መደባት ተለቪዥንን ጸወታ ቪድዮን ኢንተርነትን እዩ ዚመርጽ፧ ዘረባኡን ተግባራቱን፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዑ ኺመላለስ ከም ዚደሊ ይሕብር ድዩ፧

ውሉድካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ዚፈልጦ፧ ነቲ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚመሃሮ ትምህርቲ፡ ብናቱ ኣዘራርባ ኺገልጾ ይኽእል ድዩ፧ መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጽ ይኽእል ድዩ፧ (ምሳ. 2:6-9) መጽሓፍ ቅዱስ የንብብን ብእሙን ኣስተውዓሊ ባርያ እተዳለወ ጽሑፋት የጽንዕን ድዩ፧ (ማቴ. 24:45) ብዛዕባ ትምህርትታትን ጥቕስታትን መጽሓፍ ቅዱስ ይሓትት ድዩ፧

እዚ ሕቶታት እዚ ንመንፈሳዊ ዕቤት ውሉድካ ንምግምጋም ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነዚ ምስ ሓሰብካሉ፡ ቅድሚ ምጥማቑ ኣብ እተወሰነ መዳያት ኬመሓይሽ ከም ዜድልዮ ትድምድም ትኸውን። ወደ መዝሙር ኰይኑ ኸም ዘሎ ብኣነባብራኡ እንተ ኣርእዩን ህይወቱ ንኣምላኽ እንተ ወፍዩን ግን፡ ንኺጥመቕ ክትፈቕደሉ ትኽእል ኢኻ።

ንኣሽቱ ንየሆዋ ኺውድስዎ ይኽእሉ እዮም

ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብግዜ ንእስነቶም ተኣማንነቶም ኣርእዮም እዮም። ብዛዕባ እኒ ዮሴፍ፡ ሳሙኤል፡ ዮስያስ፡ የሱስ እሞ ሕሰብ። (ዘፍ. 37:2፣ 39:1-3፣ 1 ሳሙ. 1:24-28፣ 2:18-20፣ 2 ዜና 34:1-3፣ ሉቃ. 2:42-49) እተን ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ኣዋልድ ፊልጶስ እውን፡ ካብ ቍልዕነተን ኣትሒዘን ጽቡቕ ስልጠና ረኺበን ኪዀና ኣለወን።—ግብ. 21:8, 9።

ሓደ ኣብ ግሪኽ ዚነብር ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ በለ፦ “ወዲ 12 ዓመት ከለኹ እየ ተጠሚቐ። ብውሳነይ ተጣዒሰ ኣይፈልጥን እየ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር፡ 24 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ፣ ካብዚ ድማ 23 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እየ እሕሊፈዮ። እታ ንየሆዋ ዝነበረትኒ ፍቕሪ፡ ነቲ ጕብዝና ዘስዓበለይ ጸገማት ንኽዋጽኣሉ ሓጊዛትኒ እያ። ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ከምዚ ሕጂ ዘሎኒ ቕዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ኣይነበረንን። ንየሆዋ ኸም ዘፍቅሮን ንዘለኣለም ከገልግሎ ኸም ዝደልን ግን እፈልጥ ነይረ እየ። ኣብ ኣገልግሎቱ ንክቕጽል ስለ ዝሓገዘኒ፡ ሕጉስ እየ።”

ሓደ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ምዃኑ ዘርኣየ ሰብ፡ ይንኣስ ይዕበ፡ ኪጥመቕ ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሰብ ብልቡ አሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተአሚኑውን ይድሕን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 10:10) ሓደ ብዕድመ ንእሽቶ ዝዀነ ወደ መዝሙር ክርስቶስ፡ ኣገዳሲ ስጕምቲ ብምውሳድ ምስ ዚጥመቕ፡ ንሱን ወለዱን ኣብ ዓብዪ ምዕራፍ እዮም ዚበጽሑ። እምበኣር፡ ንስኻን ውሉድካን፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ካብቲ ሓጐስ እቲ ኼታርፈኩም ኣይተፍቅዱ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ግቡእ ኣረኣእያ ጥምቀት

ገሊኦም ወለዲ ንጥምቀት ደቆም፡ ሓደጋ ኸም ዘለዎ ጠቓሚ ስጕምቲ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ፣ እዚ ኸኣ ፍቓድ ምምራሕ ማኪና ምስ ምርካብ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ጥምቀትን ቅዱስ ኣገልግሎትን ነቲ ሓደ ሰብ ዚረኽቦ ኣሳልጦ ኣብ ሓደጋ የእትዎ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ሓደጋ ኸም ዘየእትዎ እዩ ዚገልጽ። ምሳሌ 10:22፡ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ትብል። ጳውሎስ እውን ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ” ኢሉ ጸሓፈሉ።—1 ጢሞ. 6:6።

ንየሆዋ ምግልጋል ቀሊል ዘይምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኤርምያስ፡ ነብዪ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዙሕ መከራ ኣጋጢምዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዜቕርቦ ኣምልኾ ኺጽሕፍ ከሎ፡ “ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ” በለ። (ኤር. 15:16) እቲ ንኣምላኽ ዜቕርቦ ኣገልግሎት፡ ምንጪ ሓጐሱ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ናይ ሰይጣን ዓለም፡ ምንጪ መከራ እያ። ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ነዚ ፍልልይ እዚ ንኼስተውዕልዎ ኺሕግዝዎም ኣለዎም።—ኤር. 1:19።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ውሉደይ ከይተጠምቀ እንተ ጸንሐዶ ይሓይሽ፧

ሓድሓደ ግዜ፡ ውሉዳት ንጥምቀት ብቑዓት ኰይኖም ክነሶም፡ ወለዶም ግን ኪጸንሑ ይውስኑሎም ይዀኑ። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ዚገብሩ፧

ውሉደይ እንተ ተጠሚቑ፡ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ከይወድቕ እሞ፡ ከይውገድ የፍርሃኒ እዩ። ንኸይጥመቕ ዚደናጐ መንእሰይ፡ ብተግባራቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታቲ ኣይኰነን ድዩ፧ ሰሎሞን ንንኣሽቱ ዘበሉ፡ “ኣምላኽ ብዛዕባዚ ዅሉ [ብዛዕባ ተግባራትካ] ኣብ ፍርዲ ኸም ዜቝመካ ፍለጥ” ኢልዎም እዩ። (መክ. 11:9) ጳውሎስ እውን፡ “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” ኺብል ከሎ፡ ዕድመ ኣይፈለየን።—ሮሜ 14:12።

ጥሙቓት ኰኑ ዘይጥሙቓት ኣምለኽቲ፡ ንኣምላኽ ጸብጻብ ይህቡ እዮም። የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ ‘ካብ ዓቕሞም ንንየው ኪፍተኑ ኸም ዘይሓድጎም’ ኣይትረስዕ። (1 ቈረ. 10:13) ክሳዕ ‘እተጠንቀቑን’ ምስ ፈተና ኽሳዕ እተቓለሱን፡ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘይፍለዮም ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም። (1 ጴጥ. 5:6-9) ሓንቲ ክርስትያን ኣደ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “እተጠምቁ ውሉዳት ካብዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ኽፉእ ነገራት ንምርሓቕ ዝያዳ ምኽንያት ኣለዎም። ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኡ እተጠምቀ ወደይ፡ ምጥማቑ ዕቝባ ኸም ዝዀኖ እዩ ዚስምዖ። ‘ምስ ሕጊ የሆዋ ዚጻረር ነገር ክትገብር ኣይትሓስብን ኢኻ’ እዩ ዚብል። ጥምቀት፡ ብጽድቂ ንምምልላስ ሓያል ድራኸ የሕድር እዩ።”

ንደቅኻ፡ ንየሆዋ ንኺእዘዝዎ፡ ብቓልን ብኣብነትን እንተ ኣሰልጢንካዮም፡ ድሕሪ ምጥማቖም ከምኡ ኸም ዚገብሩ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ምሳሌ 20:7፡ “ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕሲ፡ ብድሕሪኡ ውሉዱ ብሩኻት እዮም” ትብል።

ውሉደይ፡ ፈለማ ኣብ እተወሰነ ደረጃ ኺበጽሕ እደልዮ እየ። መንእሰያት ዓብዮም ርእሶም ምእንቲ ኪኽእሉ፡ ስራሕ ኪመሃሩ ኣለዎም። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘይኰነስ፡ ኣብ ትምህርትን ገንዘባዊ ውሕስነትን ዘተኰረ ናብራ ኺህልዎም ምትብባዕ፡ ሓደጋ ኣለዎ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘይዓቢ “ዘርኢ” ወይ ቃል መንግስቲ ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ፡ “እቲ ኣብ እሾዅ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩ፡ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ” በለ። (ማቴ. 13:22) ሓደ ወላዲ ንውሉዱ፡ ንዓለማዊ ሸቶታት ካብ መንፈሳውነት ንኬቐድም ዜተባብዖ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ውሉድ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝነበሮ ባህጊ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ።

ሓደ ምኩር ሽማግለ፡ ብዛዕባ እቶም ንጥምቀት በቒዖም ክነሶም፡ ወለዶም ዚኽልክልዎም ንኣሽቱ መንእሰያት ከምዚ በለ፦ “ንሓደ ንእሽቶ መንእሰይ ከይጥመቕ ምኽልካሉ፡ መንፈሳዊ ናህሩ ኼዝሕሎን ናብ ተስፋ ምቝራጽ ኪመርሖን ይኽእል እዩ።” ሓደ ገያሺ ሓላዊ እውን፡ “ሓደ መንእሰይ ብመንፈሳዊ መዳይ ስግኣት ኬሕድር ወይ ዘይብቑዕ ኰይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ዕግበት ምእንቲ ኺረክብ ድማ፡ ናብ ዓለም ኪጽጋዕ ይኽእል እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።

[ስእሊ]

ዩኒቨርሲቲ እንተ ቐደመዶ ይሓይሽ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ንእሽቶ መንእሰይ፡ ወደ መዝሙር ከም ዝዀነ ኼርኢ ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእልታት]

ንኣኼባታት ምድላውን ኣብኡ ምስታፍን

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ንወለዲ እዙዝ ምዃን

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ብብሕቲ ምጽላይ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ