ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rj ክፋል 3 ገጽ 8-9
  • ቅሬታ—“ቅር ዜብል ነገር” ምስ ዚህልወና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቅሬታ—“ቅር ዜብል ነገር” ምስ ዚህልወና
  • ናብ የሆዋ ተመለስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና’ ዚኽእል ኣሎዶ፧
  • “የሆዋ ባዕሉ ኸም እተዛረበኒ እዩ ተሰሚዑኒ”
  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ቂም ካብ ምሓዝ ብኸመይ ከም እትርሕቕ
    ንቕሑ!—2014
  • ብናጻ ይቕረ በል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ይቕረታ የሆዋ—ንዕኡ ብኸመይ ክትመስሎ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
ናብ የሆዋ ተመለስ
rj ክፋል 3 ገጽ 8-9

3ይ ክፋል

ቅሬታ—“ቅር ዜብል ነገር” ምስ ዚህልወና

“ኣብ ጉባኤይ ዘላ ሓብቲ ገንዘብ ከም ዝሰረቕክዋ ገይራ ብሓሶት ከሲሳትኒ። ካልኦት ደቂ ጉባኤይ ነዚ ምስ ፈለጡ፡ ኪውግኑ ጀሚሮም። ጸኒሓ፡ እታ ሓብቲ ኣነ ኸም ዘይሰረቕክዋ ዜረጋግጽ ሓድሽ ሓበሬታ ኸም ዝረኸበት ነጊራትኒ። ዋላ እኳ ይቕረታ እንተ ሓተተትኒ፡ ብሰንኪ እቲ ዝበጽሓኒ በደል ብልበይ ይቕረ ኽብለላ ዝኽእል ኰይኑ ኣይተሰምዓንን።”—ሊንዳ።

ንስኻኸ ኸም ሊንዳ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ብዝገበርዎ ነገር ብዙሕ ተጐዲእካ ዲኻ፧ እቲ ዜሕዝን፡ ገሊኦም ክርስትያናት ካልኦት ብዝገበርዎ ነገር ስለ እተጐድኡ፡ መንፈሳዊ ንጥፈታቶም ተጸልዩ እዩ። ንዓኻኸ ኸምኡ ድዩ ኣጋጢሙካ፧

‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና’ ዚኽእል ኣሎዶ፧

ቅር ንዘበለና ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ይቕረ ኽንብለሉ ኣዝዩ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ኢና እንጽበ። (ዮሃንስ 13:34, 35) ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና እንተ በዲሉና፡ ከቢድ ጓህን ስቓይን ኪስምዓና ይኽእል እዩ።—መዝሙር 55:12።

ኣብ መንጎ ክርስትያናት ሓደ ነቲ ሓደ ‘ቕር ዜብል ነገር’ ዚገብረሉ እዋን ኪህሉ ኸም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ቈሎሴ 3:13) ንዓና ብውልቂ ኸምኡ ኼጋጥመና ኸሎ ግና፡ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ነዚ ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ዚኽእል ነገር ይህሉዶ፧ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እስከ ርአ፦

እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዅሉ ይፈልጥ እዩ። የሆዋ ንዅሉ፡ እንተላይ ነቲ ዜጋጥመና ዘይፍትሓውነትን ነቲ እዚ ዜስዕቦ ስቓይን ይዕዘቦ እዩ። (እብራውያን 4:13) ክንሳቐ ኸለና እውን ይስምዖ እዩ። (ኢሳይያስ 63:9) ‘ጸበባ ወይ ጭንቂ’ ወይ ካልእ ነገራት፡ ዋላ እውን ኣገልጋሊኡ እንተ ዀነ፡ ‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና’ ፈጺሙ ኣይፈቅድን እዩ። (ሮሜ 8:35, 38, 39) እዝስ ንሕና እውን ዝዀነ ይኹን ነገር ወይ ሰብ ካብ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸይንፈቅድ ኣየለዓዕለናንዶ፧

ይቕረ ምባል ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ በደል ኣቕሊልካ ምርኣይ ማለት ኣይኰነን። ነቶም ዝበደሉና ይቕረ ኽንብለሎም ከለና፡ ነቲ ተግባሮም ኣቕሊልና ንርእዮ ወይ ነመኽንየሉ ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ንሓጢኣት ዘይሰምሮ እኳ እንተ ዀነ፡ መሰረት እንተ ረኺቡ ግና ይቕረ ይብል እዩ። (መዝሙር 103:12, 13፣ ኣንባቆም 1:13) ንኻልኦት ይቕረ ኽንብለሎም ኬተባብዓና ኸሎ ድማ፡ ንዕኡ ኽንመስሎ እዩ ዚሓትተና ዘሎ። ንሱ “ንዘለኣለም . . . ኣይቅየምን” እዩ።—መዝሙር 103:9፣ ማቴዎስ 6:14።

ቂም ክንሓድግ ከለና፡ ንርእስና ኢና እንጠቅም። ብኸመይ፧ ነዚ ዚስዕብ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓደ ወይ ክልተ ኺሎ ግራም ዚምዘን እምኒ ኣልዒልካ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ሒዝካዮ ኣለኻ ንበል። ንሓጺር እዋን ነቲ እምኒ ሒዝካዮ ምጽናሕ ብዙሕ ኣየሸግረካን ይኸውን። ንንውሕ ዝበለ እዋን ሒዝካዮ ኽትጸንሕ እንተ ኢልካ ግና እንታይ ኢኻ እትኸውን፧ ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኢኻ ሒዝካዮ ኽትጸንሕ እትኽእል፧ ንገለ ደቓይቕ፡ ንሓደ ሰዓት፡ ወይ ካብኡ ንዚነውሕ ግዜ ሒዝካዮ ኽትጸንሕ ትኽእልዶ፧ ኢድካ እናረብረበ ኸም ዚኸይድ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ልክዕ እዩ፡ ክብደት እቲ እምኒ ኣይቅየርን እዩ። ንዝነውሐ ግዜ ሒዝካዮ ብዝጸናሕካ መጠን ግና፡ እናኸበደ ዝኸደ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ። ቂም እውን ከምኡ እዩ። ዋላ እውን ንእሽቶ ቒም ንዝነውሐ ግዜ ሒዝናዮ እንተ ጸኒሕና፡ ዝያዳ እዩ ዚጐድኣና። የሆዋ፡ ቂም ክንሓድግ ምትብባዑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ምሕዳጉ ንጥቕምና እዩ።—ምሳሌ 11:17።

ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልእ ሓብቲ ኽጥምታ ኸላ፡ ቅር ዝበላን እተቐየመታን ትመስል

ቂም ክንሓድግ ከለና፡ ንርእስና ኢና እንጠቅም

“የሆዋ ባዕሉ ኸም እተዛረበኒ እዩ ተሰሚዑኒ”

ሊንዳ ነታ ኣማኒት ዝዀነት ብጸይታ ቒም ከይትሕዘላ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ዝሓገዛ ነገራት፡ ይቕረ ንምባል ብዛዕባ ዚድርኽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ምስትንታና እዩ። (መዝሙር 130:3, 4) ንኻልኦት ይቕረ ኽንብለሎም ከለና፡ የሆዋ እውን ንዓና ይቕረ ኸም ዚብለልና ምፍላጣ ንሊንዳ ይቕረታ ኽትገብር ደሪኽዋ እዩ። (ኤፌሶን 4:32–5:2) እዚ ሓሳባት እዚ ብኸመይ ከም ዝጸለዋ ኽትገልጽ ከላ፡ “የሆዋ ባዕሉ ኸም እተዛረበኒ እዩ ተሰሚዑኒ” ኢላ እያ።

ድሕሪ ግዜ፡ ሊንዳ፡ ቂም ክትሓድግ ክኢላ እያ። ነታ ሓብቲ ብናጻ ይቕረ ኢላትላ እያ፣ ሕጂ ድማ እታ ሓብቲ እቲኣ እትፈትዋ መሓዛኣ እያ። ሊንዳ ኸኣ ንየሆዋ ተገልግሎ ኣላ። የሆዋ ኸምኡ ኽትገብር ከም ዚሕግዘካ ኣይትጠራጠር።

ገበር እታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ

ሜሪ ዘጋጠማ ኽትገልጽ ከላ ከምዚ በለት፦ “ካብ ሓቂ ምስ ወጻእኩ፡ መማረሪት እየ ዀይነ ነይረ። እታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ግና፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኣዝዩ ሕያዋይን ፈቃርን ምዃኑ ኣዘኻኺራትኒ። ከንብባ ኸለኹ ኸኣ፡ ንዕኡ ዝነበረኒ ፍቕሪ ኸም ብሓድሽ ዓብዩ።” ምዕራፍ 26ን 30ን እታ መጽሓፍ እቲኣ፡ የሆዋ ስለምንታይን ብኸመይን ይቕረ ኸም ዚብል፡ ንሕና ድማ ከመይ ጌርና ኽንመስሎ ኸም እንኽእል ትገልጽ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ