ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 22 ገጽ 56-ገጽ 57 ሕ.ጽ. 3
  • ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተገብረ ተኣምር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተገብረ ተኣምር
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቀይሕ ባሕሪ ምስጋር
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ‘ያህ ምድሓን ኰነኒ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ‘ጸኒዕኩም ቁሙ: እቲ የሆዋ ዚገብረልኩም ምድሓን ርኣዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ሓራ ኣውጸኦም
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 22 ገጽ 56-ገጽ 57 ሕ.ጽ. 3
ፈርኦንን ሰራዊቱን

ትምህርቲ 22

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተገብረ ተኣምር

ፈርኦን፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኸም ዝወጹ ምስ ሰምዐ፡ ሓሳቡ ለወጠ። ንተዋጋእቱ ኸኣ፡ ‘ንዅሉ ሰረገላታተይ ኣዳልውዎ እሞ ደድሕሪኦም ንስዓብ! ሓራ ኽንሰድዶም ኣይነበረናን’ በሎም። ንሱን ሰቡን ከኣ ንእስራኤላውያን ሰዓብዎም።

የሆዋ ንህዝቡ፡ ብመዓልቲ ብደበና፡ ብለይቲ ኸኣ ብሓዊ ገይሩ ይመርሖም ነበረ። ናብ ቀይሕ ባሕሪ ድማ መርሖም፣ ኣብኡ ኺሰፍሩ እውን ኣዘዞም።

ድሕሪኡ፡ እስራኤላውያን፡ ፈርኦንን ሰራዊቱን ደድሕሪኦም ኪስዕቡ ረኣይዎም። እስራኤላውያን ከኣ ኣብ መንጎ እቲ ባሕርን ኣብ መንጎ ሰራዊት ግብጽን ተቐርቀሩ። ንሙሴ ድማ፡ ‘ክንመውት ኢና! ኣብ ግብጺ እንተ ትሓድገና ምሓሸ ነይሩ’ በልዎ። ሙሴ ግና፡ ‘ኣይትፍርሁ። የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜድሕነና ርኣዩ’ በሎም። ሙሴስ ብሓቂ ብየሆዋ ይእመንዶ ኣይነበረን፧

የሆዋ ኸኣ ንእስራኤላውያን ካብቲ ዝሰፈሩሉ ኺነቕሉ ኣዘዞም። በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሆዋ ነቲ ደበና ኣግዓዞ እሞ፡ ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ገበሮ። ስለዚ፡ ብሸነኽ ግብጻውያን፡ ጸልማት ኰነ። ብሸነኽ እስራኤላውያን ግና፡ ብርሃን ነበረ።

የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ኺዝርግሕ ነገሮ። ሽዑ፡ የሆዋ ምሉእ ለይቲ ብርቱዕ ንፋስ ኣንፈሰ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ኣብ ክልተ ተመቕለ፣ ኣብ ማእከሉ እውን መገዲ ዀነ። እቶም ሚልዮናት እስራኤላውያን ከኣ በቲ ኣብ መንጎ ኽልተ መንደቕ ማያት ዝነበረ ንቑጽ ምድሪ ሰገሩ።

እስራኤላውያን ብንቑጽ ማእከል ባሕሪ ይጕዓዙ፡ እቲ ኸም መንደቕ ዝዀነ ማያት ከኣ ኣብ ጐድኖም ይቐውም

ሰራዊት ፈርኦን ድማ ንእስራኤላውያን ስዒቦም ናብቲ ዝነቐጸ ማእከል ባሕሪ ኣተዉ። ሽዑ፡ የሆዋ ነቶም ሰራዊት ኣሸበሮም። መንኰራዅራቶም ከኣ ካብ ሰረገላታቶም ኪመልቝ ጀመረ። እቶም ተዋጋእቲ ድማ፡ ‘ካብዚ ንርሓቕ! የሆዋ ይዋግኣሎም ኣሎ’ በሉ።

የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ ‘ኢድካ ኣብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሕ’ በሎ። እቲ ኸም መንደቕ ዝዀነ ማያት ድማ ንሰራዊት ግብጻውያን ደፈኖም። ፈርኦንን ኵሎም ሰቡን ከኣ ሞቱ። ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።

ኣብ ስግር እቲ ባሕሪ ግና፡ ብዙሓት ህዝቢ ንኣምላኽ ብመዝሙር ወደስዎ፣ “ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ። ንፈረስን ነቲ እተወጥሖን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ” ኢሎም እውን ዘመሩ። እቶም ህዝቢ ኺዝምሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ኣንስቲ ሳዕስዓ፡ ከበሮ እውን ወቕዓ። ብሓቂ ናጻ ብምዃኖም ድማ፡ ኵላቶም ብዙሕ ተሓጐሱ።

“ስለዚ፡ ተቢዕና፡ ‘የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧’ ክንብል ንኽእል ኢና።”—እብራውያን 13:6

ሕቶታት፦ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብኸመይ እዩ ኣድሒንዎም፧

ዘጸኣት 13:21–15:21፣ ነህምያ 9:9-11፣ መዝሙር 106:9-12፣ 136:11-15፣ እብራውያን 11:29

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ