ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 33
  • ቀይሕ ባሕሪ ምስጋር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቀይሕ ባሕሪ ምስጋር
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተገብረ ተኣምር
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ‘ያህ ምድሓን ኰነኒ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ኣብ ግብጺ ሓደ ሕሱም ንጉስ ይገዝእ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ‘ጸኒዕኩም ቁሙ: እቲ የሆዋ ዚገብረልኩም ምድሓን ርኣዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 33

ዛንታ 33

ቀይሕ ባሕሪ ምስጋር

እዚ ዝፍጸም ዘሎ እሞ ርኣዮ! እቲ በትሩ ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ዘርጊሑ ዘሎ ሙሴ ኢዩ። እቶም ምስኡ በቲ ሓደ ገምገም ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዉ ኸኣ እስራኤላውያን ኢዮም። ፈርኦንን ኵሉ ሰራዊቱን ግን ኣብቲ ባሕሪ ይጥሕሉ ኣለዉ። እዚ ብኸመይ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ።

ከም እተማሃርናዮ: ኣምላኽ ነታ 10ይቲ መዓት ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን ምስ ኣውረደ: ፈርኦን ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክወጹ ነገሮም። ዳርጋ 600,000 ዝዀኑ እስራኤላውያን ሰብኡት ካብ ግብጺ ወጹ: ምስኦም ከኣ ብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን ወጹ። ኣብ የሆዋ ዝኣመኑ ብዙሓት ካልኦት ህዝቢ እውን ምስ እስራኤላውያን ወጹ። ኵሎም ኣባጊዖምን ኣጣሎምን ከብቶምን ሒዞም ወጹ።

ቅድሚ ምውጽኦም እስራኤላውያን ካብ ግብጻውያን ክዳውንትን ኣቝሑ ወርቅን ብሩርን ለመኑ። ግብጻውያን በቲ ዝወረዶም ናይ መወዳእታ መዓት ኣዝዮም ፈሪሖም ነበሩ። ስለዚ ንእስራኤላውያን ዝሓተትዎ ዘበለ ሃብዎም።

ድሕሪ ሒደት መዓልትታት እስራኤላውያን ቀይሕ ባሕሪ በጽሑ። ኣብኡ ኸኣ ኣዕረፉ። ክሳብ ሽዑ ግን: ፈርኦንን ሰቡን ንእስራኤላውያን ብምስዳዶም ተጣዕሱ። ‘ከይግዝኡናስ: ባሮትና ይኺዱ ገዲፍናዮም!’ ድማ በሉ።

ስለዚ ፈርኦን እንደገና ሕጂ እውን ሓሳቡ ለወጠ። ቀልጢፉ ኸኣ ናይ ውግእ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ኣዳለወ። ብድሕርዚ 600 ሕሩያት ሰረገላታትን: ኵለን ሰረገላታት ግብጽን ሒዙ ደድሕሪ እስራኤል ክስዕብ ጀመረ።

እስራኤላውያን ፈርኦንን ሰራዊቱን ደድሕሪኦም ክመጹ ምስ ረኣዩ ኣዝ​ዮም ፈርሑ። ክሃድምሉ ዝኽእሉ መገዲ ፈጺሙ ኣይነበረን። በቲ ሓደ ወገን ቀይሕ ባሕሪ: በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ግብጻውያን ይመጹ ነበሩ። የሆዋ ግን ኣብ መንጎ ህዝቡን ግብጻውያንን ደበና ገበረ። ስለዚ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ስለ ዘይርእይዎም ከጥቅዕዎም ኣይከኣሉን።

ድሕርዚ የሆዋ ንሙሴ በትሩ ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ክዝርግሕ ነገሮ። ከምኡ ምስ ገበረ ኸኣ የሆዋ ብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ከም ዝነፍስ ገበረ። እቲ ባሕሪ ተመቕለ: እቲ ማይ ከኣ ብኽልቲኡ ወገን ደው በለ።

ብድሕርዚ እቶም እስራኤላውያን ብማእከል ቀይሕ ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ተጓዕዙ። እቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባትን እንስሳታቶምን በቲ ባሕሪ ብሰላም ሓሊፎም ናብቲ በቲ ሓደ ወገን ዝነበረ ገምገም ባሕሪ ንኽኸዱ ብዙሕ ሰዓታት ወሰደሎም። ኣብ መወዳእትኡ እቶም ግብጻውያን ንእስራኤላውያን እንደገና ክርእይዎም ከኣሉ። እቶም ባሮቶም ይሃድሙ ነበሩ! ስለዚ ደድሕሪኦም ናብቲ ባሕሪ ሰዓብዎም።

ከምኡ ምስ ገበሩ ኣምላኽ መንኰርኰር ናይ ሰረገላታቶም ከም ዝመሉቝ ገበረ። እቶም ግብጻውያን ኣዝዮም ፈርሑ እሞ ‘የሆዋ ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ይዋግኣና ኣሎ። ንህደም!’ በሉ። እንተዀነ ግን: ከምኡ ዝበሉ ኣብ መወዳእታ ኢዩ ነይሩ።

ከምኡ ዝበሉ: ኣብዚ ስእሊ ትርእዮ ከም ዘለኻ የሆዋ ንሙሴ በትሩ ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ክዝርግሕ ምስ ነገሮ ኢዩ ነይሩ። ሙሴ ከምኡ ምስ ገበረ ኸኣ እቲ ናይ ማይ መንደቕ ናብ ቦትኡ ክምለስ ጀመረ: ንግብጻውያንን ሰረገላታቶምን ከኣ ደፈኖም። እቲ ሰራዊት ብምሉኡ ኢዩ ንእስራኤላውያን ስዒቡ ኣብቲ ባሕሪ ኣትዩ ዝነበረ። ካብቶም ግብጻውያን ሓደ እውን እንተዀነ ብህይወቱ ዝተረፈ ኣይነበረን!

ብምሉኦም ህዝቢ ኣምላኽ ብምድሓኖም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ተሓጕሶም ይዀኑ! እቶም ሰብኡት ከምዚ ብምባል መዝሙር ምስጋና ንየሆዋ ዘመሩ:⁠- ‘የሆዋ ኣዝዩ ክብ ኢሉ ኢዩ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።’ ሚርያም ሓፍቲ ሙሴ ኸኣ ከበሮ ወሰደት ኵለን ኣንስቲ ድማ ከበሮአን ሒዘን ሰዓብኣ። ተሓጕሰን ክስዕስዓ ከለዋ ኸኣ ከምቲ እቶም ሰብኡት ዝዝምርዎ ዝነበሩ መዝሙር ‘የሆዋ ኣዝዩ ክብ ኢሉ ኢዩ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም’ ብምባል ዘመራ።

ዘጸኣት ምዕራፍ 12 ክሳዕ 15

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ