ዛንታ 27
ኣብ ግብጺ ሓደ ሕሱም ንጉስ ይገዝእ
እዞም ኣብዚ ዘለዉ ሰባት ነቶም ህዝቢ ክሰርሑ ኢዮም ዝግድድዎም ዘለዉ። ነቲ ንሓደ ካብዞም ሰራሕተኛታት ብዅርማጅ ዝሃርም ዘሎ ሰብኣይ እሞ ርኣዮ! እቶም ሰራሕተኛታት ካብ ስድራ ያእቆብ እዮም: እስራኤላውያን ተባሂሎም ከኣ ኢዮም ዝጽውዑ። እቶም ክሰርሑ ዝግድድዎም ዘለዉ ሰባት ከኣ ግብጻውያን ኢዮም። እስራኤላውያን ናይ ግብጻውያን ባሮት ኢዮም ኰይኖም። እዚ ከመይ ኢሉ ኰነ፧
ንብዙሕ ዓመታት እታ ዓባይ ስድራቤት ያእቆብ ኣብ ግብጺ ብሰላም ትነብር ነበረት። እቲ ኣብ ግብጺ ደድሕሪ ፈርኦን ኣዝዩ ክቡር ዝነበረ ዮሴፍ ከኣ ይኣልዮም ነበረ። ድሓር ግን ዮሴፍ ሞተ። ሓደ ንእስራኤላውያን ዘይፈቱ ሓድሽ ፈርኦን ከኣ ኣብ ግብጺ ነገሰ።
ስለዚ እዚ እኩይ ፈርኦን ንእስራኤላውያን ባሮት ገበሮም። ሕሱማትን ጨካናትን ዝዀኑ ሰባት ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ሸመሎም። እስራኤላውያን ንፈርኦን ከተማታት ምእንቲ ክሰርሑ ኸኣ ኣበርቲዖም ክጽዕሩ ገደድዎም። ገና ግን እስራኤላውያን ቍጽሮም እናበዝሐ ከደ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ብዙሓትን ሓያላትን ከይኰኑ ፈርሕዎም።
ፈርኦን እንታይ ከም ዝገበረስ ትፈልጥዶ፧ ነተን ንእስራኤላውያን ክወልዳ ከለዋ ዝሕግዝአን ዝነበራ መሕረስቲ ከምዚ በለን:- ‘እቶም ዝውለዱ ኣወዳት እንተድኣ ኰይኖም ቅተልኦም።’ እዚኣተን ግን: ሕያዎት ኣንስቲ ስለ ዝነበራ ነቶም ሕጻናት ኣይቀተልኦምን።
ስለዚ ፈርኦን ንዅሎም ህዝቡ ‘እተወልደ እስራኤላዊ ወዲ ዘበለ ቅተልዎ። ነተን ኣዋልድ ግን ብህይወት ሕደግወን’ ኢሉ ኣዘዞም። እዝስ ዘስካሕክሕ ትእዛዝዶ ኣይኰነን፧ ሓደ ካብቶም እተወልዱ ኣወዳት ብኸመይ ከም ዝደሓነ እስከ ንርአ።