ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 27 ገጽ 68-ገጽ 69 ሕ.ጽ. 2
  • ካብ የሆዋ ዓለዉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ የሆዋ ዓለዉ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • በትሪ ኣሮን ዕንባባ ተብቍል
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ንኣምላኻዊ ስልጣን ብተኣማንነት ተገዛእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • የሆዋ ይፈልጠካ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ትዕቢት ናብ ውርደት ይመርሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 27 ገጽ 68-ገጽ 69 ሕ.ጽ. 2
ቆራሕን ደገፍቱን ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣሮንን ደው ይብሉ

ትምህርቲ 27

ካብ የሆዋ ዓለዉ

ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ እስራኤላውያን ገና ኣብ በረኻ ኸለዉ፡ ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን 250 ሰብኡትን ካብ ሙሴ ዓለዉ። ከምዚ ድማ በልዎ፦ ‘ሕጅስ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ! መንዶ ንዓኻ መራሒና፡ ንኣሮን እውን ሊቀ ኻህናት ገይሩ ሸይሙኩም እዩ፧ የሆዋ ምሳኻን ምስ ኣሮንን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ኵላትና እዩ’ በልዎ። የሆዋ በዚ ባህ ኣይበሎን። ካብኡ ኸም ዝዓለዉ ገይሩ እዩ ርእይዎ!

ሙሴ ንቆራሕን ንደገፍቱን፡ ‘ጽባሕ ናብቲ ማሕደር ምጹ፡ ናታትኩም መትሓዚታት ሓዊ እውን ኣምጽኡ። የሆዋ ንመን ከም ዝሓረየ ኼርእየና እዩ’ በሎም።

ንጽብሒቱ፡ ቆራሕን እቶም 250 ሰብኡትን ምስ ሙሴ ንምርኻብ ናብቲ ማሕደር ከዱ። ኣብኡ ኸኣ ካህናት ዘይኰኑ ኽነሶም፡ ከም ካህናት ዕጣን ዓጠኑ። የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ‘ካብ ቆራሕን ካብ ሰቡን ተፈለዩ’ በሎም።

ቆራሕ ናብ ሙሴ፡ ናብቲ ማሕደር እኳ እንተ ኸደ፡ ዳታንን ኣቢራምን ስድራ ቤቶምን ግና ናብኡ ምኻድ ኣበዩ። የሆዋ ኸኣ ንእስራኤላውያን፡ ካብ ድንኳናት ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኪርሕቁ ኣዘዞም። ብኡብኡ፡ እስራኤላውያን ረሓቑ። ዳታንን ኣቢራምን ስድራ ቤቶምን ድማ ኣብ ወጻኢ ድንኳናቶም ደው በሉ። ብሃንደበት ከኣ ምድሪ ተጨዲዳ ወሓጠቶም! ኣብቲ ማሕደር ድማ፡ ሓዊ ወሪዱ ንቆራሕን ነቶም 250 ሰብኡትን ኣንደዶም።

ምድሪ ተጨዲዳ ንዳታንን ንኣቢራምን ንስድራ ቤቶምን ትውሕጦም

ሽዑ የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ከካብ መራሒ ነገድ በትሪ ውሰድ፣ ስም ነፍሲ ወከፍ ድማ ጽሓፈሉ። ኣብ በትሪ ነገድ ሌዊ ኸኣ፡ ስም ኣሮን ጽሓፍ። ነቲ ኣባትር ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕደር ኣንብሮ፣ በትሪ እቲ ኣነ ዝሓረኽዎ ሰብ ከኣ ክትዕምብብ እያ’ በሎ።

ንጽብሒቱ፡ ሙሴ ንዅሉ እቲ ኣባትር ኣውጺኡ ነቶም መራሕቲ ኣርኣዮም። በትሪ ኣሮን ከኣ ዕምባባ ኣውጺኣ፡ ብሱል ለውዚ እውን ፈርያ ነበረት። በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንኣሮን፡ ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ከም ዝሓረዮ መረጋገጺ ሃበ።

“ንዚመርሑኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን።”—እብራውያን 13:17

ሕቶታት፦ ቆራሕን ደገፍቱን ካብ ሙሴ ዝዓለዉ ስለምንታይ እዮም፧ የሆዋ ንኣሮን፡ ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ከም ዝሓረዮ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ዘሁልቍ 16:1–17:13፣ 26:9-11፣ መዝሙር 106:16-18

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ