ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 39
  • በትሪ ኣሮን ዕንባባ ተብቍል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • በትሪ ኣሮን ዕንባባ ተብቍል
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ የሆዋ ዓለዉ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ንኣምላኻዊ ስልጣን ብተኣማንነት ተገዛእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ሙሴ ነቲ ከውሒ ይወቕዖ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 39

ዛንታ 39

በትሪ ኣሮን ዕንባባ ተብቍል

ነዚ ኣብዛ በትሪ ዝበቘለ ዕንባባን ዝበሰለ ካዕካዕን እሞ ርኣዮ። እዚኣ በትሪ ኣሮን ኢያ። እዚ ዕንባባታትን ዝበሰለ ፍረን ብሓንቲ ለይቲ ጥራይ ኣብ ናይ ኣሮን በትሪ ዝበቘለ ኢዩ! ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ።

እስራኤላውያን ንገለ ግዜ ኣብቲ በረኻ ኰለል ክብሉ ጸኒሖም ኢዮም። ገለ ካብቶም ህዝቢ ሙሴ መራሒ ወይ ከኣ ኣሮን ሊቀ ካህናት ክዀኑ ኣይግብኦምን ኢዩ ኢሎም ሓሰቡ። ቆራሕ ሓደ ካብቶም ከምኡ ዝበሉ ኢዩ ነይሩ: ዳታንን ኣቢራምን 250 መራሕቲ ናይቲ ህዝብን እውን ከምኡ ኢዮም ዝሓስቡ ነይሮም። እዚኣቶም ብምሉኦም ናብ ሙሴ መጺኦም ከምዚ በልዎ:⁠- ‘ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ኵልና ትገዝእ፧’

ሙሴ ኸኣ ንቆራሕን ሰዓብቱን ‘ጽባሕ ጽንሃህ ውሰዱ: ዕጣን ከኣ ግበሩሉ። ኣብ ቅድሚ ማሕደር የሆዋ ኸኣ ምጹ። የሆዋ ዝሓረዮ መን ምዃኑ ኸኣ ክንርኢ ኢና’ በሎም።

ንጽብሒቱ ቆራሕን እቶም 250 ሰዓብቱን ናብቲ ማሕደር መጹ። ብዙሓት ካልኦትውን ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንምድጋፍ ምስኦም መጹ። የሆዋ ተቘጥዐ። ሙሴ ኸኣ ‘ካብ ድንኳውንቲ ናይዞም ሕሱማት ሰባት ኣልግሱ። ናቶም ዘበለ ኣይትተንክዩ’ በሎም። እቶም ሰባት ንሙሴ ሰምዕዎ እሞ ካብ ድንኳውንቲ ናይ ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ከኣ ኣልገሱ።

ብድሕርዚ ሙሴ ከምዚ በሎም:⁠- ‘ምድሪ ኣፋ ከፊታ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክትውሕጦም ኢያ። በዚ ኸኣ የሆዋ ንመን ከም ዝለኣኸ ክትፈልጡ ኢኹም።’

ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ: ምድሪ ተኸፍተት። ድንኳን ናይ ቆራሕ ምስ ኵሉ ንብረቱን: ዳታንን ኣቢራምን ምስኦም ዘለዉን ናብኡ ኣተዉ: ኣብኡ ኸኣ ተደፍኑ። እቶም ህዝቢ ድምጺ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ዝኣትዉ ዝነበሩ ምስ ሰምዑ ‘ንዓና እውን ምድሪ ከይትውሕጠና ንህደም’ በሉ።

ቆራሕን እቶም 250 ሰዓብቱን ገና ኣብ ጥቓ ማሕደር ኢዮም ነይሮም። ስለዚ የሆዋ ሓዊ ኣውሪዱ ንዅሎም ብሓዊ በልዖም። ብድሕርዚ የሆዋ ንኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ጽንሃህ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ወሲዱ ንመሸፈኒ መሰውኢ ክኸውን ከርቅቖ ነገሮ። ብዘይካ ኣሮንን ዘርኡን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ካህን ክኸውን ከም ዘይክእል: እዚ መሸፈኒ መሰውኢ ንእስራኤላውያን መጠንቀቕታ ክዀኖም ኢዩ።

እንተዀነ ግን የሆዋ ካህናት ክዀኑ ዝመረጾም ኣሮንን ደቁን ምዃኖም ከረጋግጽ ደለየ። ስለዚ ንሙሴ ከምዚ በሎ:⁠- ‘ነፍሲ ወከፍ ሹም ናይ ነገድ እስራኤል በትሩ የምጽእ። ካብ ነገድ ሌዊ ኣሮን በትሩ የምጽእ። ንነፍሲ ወከፍ በትሪ ኣብቲ ማሕደር ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብረን። በትሪ ናይቲ ካህን ክኸውን ዝሓረኽዎ ሰብኣይ ከትጥጥዕ ኢያ።’

ንጽብሒቱ ሙሴ ምስ ረኣየ: ናይ ኣሮን በትሪ ዓምቢባን ብሱል ካዕካዕ ድማ ፈርያን ረኸባ! ስለዚ የሆዋ በትሪ ኣሮን ከም እትዕምብብ ዝገበራ ስለምንታይ ምዃኑ ሕጂ ተረዲኡካዶ፧

ዘሁልቍ 16:⁠1⁠-​49፣ 17:⁠1⁠-​11፣ 26:⁠10

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ