ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 39 ገጽ 96
  • ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሳኦል እቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ‘ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ጸንዐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ጸንዐ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 39 ገጽ 96
ንጉስ ሳኦል ጫፍ ክዳን ሳሙኤል ይሕዝ፡ እቲ ኽዳን እውን ይቕደድ

ትምህርቲ 39

ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል

የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ዚመርሕዎም ፈራዶ ወይ መሳፍንቲ እኳ እንተ ሃቦም፡ ንሳቶም ግና ንጉስ ደለዩ። ንሳሙኤል ከኣ፡ ‘ኣብ ከባቢና ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ንጉስ ኣለዎም። ስለዚ፡ ንዓና ንጉስ ግበረልና’ በልዎ። ሳሙኤል ከኣ፡ እዚ ጌጋ ኸም ዝዀነ ስለ እተሰምዖ፡ ብዛዕባኡ ናብ የሆዋ ጸለየ። የሆዋ ድማ፡ ‘እቶም ሰባት ንዓይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፡ ንዓኻ ኣይኰኑን ዝነዓቑ። ንጉስ ኪነግሶም ከም ዚኽእል፡ እቲ ንጉስ ግና ብዙሕ ነገር ኪገብሩ ኸም ዚእዝዞም ንገሮም’ በሎ። ይኹን እምበር፡ እቶም ህዝቢ፡ ‘ኣይግድሰናን እዩ። ንጉስ ኣንግሰልና’ በልዎ።

ሽዑ፡ የሆዋ ንሳሙኤል፡ ሳኦል ዝስሙ ሰብኣይ ቀዳማይ ንጉስ ከም ዚኸውን ነገሮ። ሳኦል ንሳሙኤል ኣብ ራማ ኺበጽሖ ምስ ከደ ኸኣ፡ ሳሙኤል ንሳኦል ዘይቲ ኣብ ርእሱ ብምፍሳስ ንጉስ ኪኸውን ቀብኦ።

ድሕርዚ፡ ሳሙኤል ንእስራኤላውያን፡ ነቲ ሓድሽ ንጉሶም ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ ኣከቦም። ኣብኡ ግና ንሳኦል ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን። ስለምንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧ ምኽንያቱ፡ ንሱ ኣብ መንጎ ኣቕሑ ተሓቢኡ ነበረ። ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ካብኡ ወሲዶም ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ደው ኣበልዎ። ሳኦል ድማ ካብ ኵሎም ይነውሕ ነበረ፣ ኣዝዩ መልክዐኛ እውን ነበረ። ሳሙኤል ከኣ፡ ‘ነቲ የሆዋ ዝሓረዮ ርኣይዎ’ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!’ ኢሎም ጨደሩ።

ኣብ መጀመርታ፡ ንጉስ ሳኦል ንሳሙኤል ይሰምዖን ንየሆዋ ይእዘዞን ነበረ። ድሕሪኡ ግና፡ ተቐየረ። መስዋእቲ ምቕራብ፡ ናይ ንጉስ ዕዮ ኣይነበረን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሳሙኤል ንሳኦል፡ ክሳዕ ዚመጾ ኺጽበ ነገሮ፣ ሳሙኤል ግና ብግዜኡ ኣይመጸን። ስለዚ፡ ሳኦል ባዕሉ መስዋእቲ ኬቕርብ ወሰነ። እሞኸ ሽዑ ሳሙኤል እንታይ ኢልዎ፧ ‘ትእዛዝ የሆዋ ኽትጥሕስ ኣይነበረካን’ እዩ ኢልዎ። እሞኸ ሳኦል ካብ ጌጋኡ ተማሂሩዶ፧

ኣብ ካልእ ግዜ፡ ሳኦል ምስ ኣማሌቃውያን ንምውጋእ ኪኸይድ ከሎ፡ ሳሙኤል ንሳኦል ንዋላ ሓደ ብህይወት ከይሓድግ ነገሮ። ሳኦል ግና ንንጉስ ኣጋግ ኣይቀተሎን። የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል፡ ‘ሳኦል ሓዲጉኒ እዩ፣ ኣይሰምዓንን እዩ ዘሎ’ በሎ። ሳሙኤል ድማ ብዙሕ ጐሃየ፣ ንሳኦል እውን፡ ‘ንየሆዋ ስለ ዘይትእዘዞ ዘለኻ፡ ካልእ ንጉስ ኪሓሪ እዩ’ በሎ። ሳሙኤል ኪኸይድ ምስ ነቐለ፡ ሳኦል ብጫፍ ክዳኑ ሓዞ እሞ፡ ክዳኑ ተቐድደ። ሽዑ፡ ሳሙኤል ንሳኦል፡ ‘የሆዋ ነታ መንግስቲ ኻባኻ ቐዲድዋ ኣሎ’ በሎ። እወ፡ የሆዋ ነታ መንግስቲ፡ ንዕኡ ንዜፍቅሮን ንዚእዘዞን ሰብ ኪህቦ ወሰነ።

“ተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ይበልጽ።”—1 ሳሙኤል 15:22

ሕቶታት፦ እስራኤላውያን እንታይ ኪግበረሎም እዮም ሓቲቶም፧ የሆዋ ንሳኦል ከይነግስ ዝነዓቖ ስለምንታይ እዩ፧

1 ሳሙኤል 8:1-22፣ 9:1, 2, 15-17፣ 10:8, 20-24፣ 13:1-14፣ 15:1-35

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ