‘ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ’
ሳኦል ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነገሰ ናይ መጀመርታ ንጉስ እዩ ነይሩ። ብናይ ሓቂ ኣምላኽ እኳ እንተ ተሓርየ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ዘይእዙዝ ኰይኑ እዩ።
ሳኦል እንታይ ጌጋታት እዩ ፈጺሙ፧ ንኸይጋገ ኺጥንቀቕ ምኸኣለዶ ነይሩ፧ ካብ ታሪኽ ህይወቱኸ እንታይ መለበሚ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧
የሆዋ ንመን ከም ዜንግስ ኣፍለጠ
ሳኦል ቅድሚ ምንጋሱ፡ ነብዪ ሳሙኤል ኣብ እስራኤል ከም ወኪል ኣምላኽ ኰይኑ የገልግል ነበረ። ድሕሪ ግዜ ግን፡ ሳሙኤል ኣረገ፣ ደቁ ድማ እሙናት ኣይነበሩን። እቲ ህዝቢ እውን ብጸላእቱ ሰጊኡ ነበረ። ዓበይቲ እስራኤል ንሳሙኤል፡ ዚፈርዶምን ኣብ ውግእ ዚመርሖምን ንጉስ ኬንግሰሎም ምስ ሓተትዎ፡ የሆዋ ንነብዪ ሳሙኤል፡ ንሳኦል ኪቐብኦ ነገሮ፣ “ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕኖ እዩ” ድማ በሎ።—1 ሳሙ. 8:4-7, 20፣ 9:16።
ሳኦል፡ “ምልምልን መንእሰይን ወዲ” እዩ ነይሩ። ጽቡቕ ባህርያት እውን ነይርዎ እዩ። ትሑት እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ሳኦል ንሳሙኤል፡ “ኣነስ ብንያማዊ፡ ካብ ሓደ ኻብቶም ናእሽቱ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንኩን፧ ዓሌተይ ከኣ እቲ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ነገድ ብንያም ዚንእስዶ ኣይኰነን፧ ስለምንታይ ደአ ኢኻ ኸምዚ ዝበለ ዘረባ እትዛረበኒ ዘሎኻ፧” ኢልዎ እዩ። ኣቦኡ ቂስ “ሓያል ጅግና” ወይ “ኣዝዩ ሃብታም” (NW) እኳ እንተ ነበረ፡ ንርእሱን ንቤተሰቡን ክብ ኣቢሉ ኣይርእን እዩ ነይሩ።—1 ሳሙ. 9:1, 2, 21።
ሳሙኤል፡ የሆዋ ንሳኦል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ከም ዝሓረዮ ምስ ገለጸ፡ ሳኦል ዝገበሮ ነገር እውን ንርአ። ፈለማ፡ ሳሙኤል ንሳኦል ንበይኑ ገይሩ ቐብኦ፡ “ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ እቲ ዚምሽኣካ ግበር” በሎ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ህዝቢ ኣኪቡ፡ የሆዋ ንመን ከም ዝሓረየ ነገሮም። ንሳኦል ከም ዝሓረየ ምስ ተገልጸ ግን፡ ሳኦል ተሓብአ። ኣበይ ተሓቢኡ ኸም ዝነበረ የሆዋ ምስ ሓበሮም፡ ወሲዶም ኣንገስዎ።—1 ሳሙ. 10:7, 20-24።
ኣብ ውግእ
ሳኦል ነዊሕ ከይጸንሐ ብቕዓቱ ብግብሪ ብምምስካር፡ ነቶም ብብቕዓቱ ተጠራጢሮም ዝነበሩ ኣሕፈሮም። ደቂ ዓሞን ንሓንቲ ኻብ ከተማታት እስራኤል ኬጥቅዕዋ ምስ መጹ እሞ፡ ሳኦል ነዚ ምስ ሰምዐ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ወረዶ።” ንተዋጋእቲ እታ ሃገር ኣኽቲቱ፡ ወዲቡ፡ ናብ ዓወት መርሖም። እንተዀነ ግን፡ “እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ” ብምባል፡ እቲ ዓወት ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ገለጸ።—1 ሳሙ. 11:1-13።
ሳኦል ጽቡቕ ባህርያት ነበሮ፣ በረኸት ኣምላኽ እውን ረኺቡ ነበረ። ብሓይሊ የሆዋ ይዕወት ምንባሩ እውን ይኣምን ነበረ። ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያንን ንጉሶምን ዚረኽብዎ ዝነበሩ ኣሳልጦ ቐጻሊ ንኪኸውን፡ ኬማልእዎ ዚግባእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ነበረ። ነዚ ነገር እዚ፡ ሳሙኤል ንህዝቢ እስራኤል ኪገልጸሎም ከሎ፡ “ንእግዚኣብሄር እንተ ትፈርህዎን እንተ ተገልግልዎን ቃሉውን እንተ ትሰምዑ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ እንተ ዘይአቤኹምዎ፡ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ስዒብኩምዎ” በለ። እስራኤላውያን ንኣምላኽ እሙናት እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ እንታይ ምረኸቡ፧ ሳሙኤል ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እግዚኣብሄር ህዝቡ ኺገብረኩም ፈትዩ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሐድጎን እዩ” በሎም።—1 ሳሙ. 12:14, 22።
ሞገስ ኣምላኽ ንኽትረክብ ዜድሊ ወሳኒ ነገር፡ ተኣዛዝነት እዩ። ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ንሱ ዝሃቦም ትእዛዛት ኪሕልዉ ኸለዉ፡ በረኸት ይረኽቡ እዮም። ንየሆዋ እንተ ዘይተኣዚዞምዎ ግን፡ እንታይ እዩ ዜጋጥሞም፧
“ዐሺኻ”
ሳኦል ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ካብኦም ሓያል ተቓውሞ ኸም ዚለዓሎ ገይሩ እዩ። “ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሖም” ሰራዊት ኣንጻሩ ተላዕሉ። “እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ጸቢብዎ ነበረ እሞ ከም ዝጸበቦ ምስ ረአዩ፡ እቶም ህዝቢ ናብ በዓትታትን ናብ ኣድዋርን ናብ ኣኻውሕን ናብ ግምብታትን ናብ ጐዳጕድን ተሐብኡ።” (1 ሳሙ. 13:5, 6) ሳኦል እንታይ ገበረ፧
ሳሙኤል ንሳኦል ኣብ ጊልጋል ኪራኸቡ ነገሮ። ኣብኡ ኸኣ ነብዪ ሳሙኤል መስዋእቲ ኺስውእ ሓሰበ። ሳኦል እተወሰነ ግዜ ተጸበየ፡ ሳሙኤል ግን ደንጐየ፡ ሰራዊት ሳኦል እውን ፋሕ ኪብል ጀመረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሳኦል ብኢደ ወነኑ መስዋእቲ ኣቕረበ። ከምኡ ምስ ገበረ ግን፡ ሳሙኤል መጸ። ሳሙኤል ነቲ ሳኦል ዝገበሮ ነገር ምስ ሰምዐ፡ “ዐሺኻ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ ትእዛዝ ኣይሐሎኻን። እንተ ዘይኰነስ፡ ሕጂ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መጽንዓልካ ነይሩ። ሕጂ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዘካ ኣይሐሎኻን እሞ፡ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ። እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ ደልዩስ፡ ንእኡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሹም ገበሮ” በሎ።—1 ሳሙ. 10:8፣ 13:8, 13, 14።
ሳኦል ንሳሙኤል ኣብ ክንዲ ዚጽበዮ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ጥሒሱ ባዕሉ ብድፍረት መስዋእቲ ስለ ዝሰውአ፡ እምነት ከም ዝጐደለቶ ኣርኣየ። እዚ ተግባሩ፡ ካብቲ እቲ ሓለቓ ሰራዊት እስራኤል ዝነበረ ጊዴዎን ዝገበሮ ነገር ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። የሆዋ ንጊዴዎን፡ ንሰራዊቱ ኻብ 32,000 ናብ 300 ኺንክዮ መምርሒ ምስ ሃቦ፡ ንሱ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ስለምንታይ፧ ኣብ የሆዋ እምነት ስለ ዝነበሮ እዩ። ብሓገዝ ኣምላኽ ከኣ ነቶም 135,000 ዝዀኑ ወረርቲ ሰዓሮም። (መሳ. 7:1-7, 17-22፣ 8:10) የሆዋ ንሳኦል እውን ምሓገዞ ነይሩ። ሳኦል ስለ ዘይተኣዘዘ ግን፡ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤላውያን ወረርዎም።—1 ሳሙ. 13:17, 18።
ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብኸመይ ኢና ውሳነታት እንገብር፧ ብኣረኣእያ እቶም እምነት ዘይብሎም ሰባት ኪርአ ኸሎ፡ ንመለኮታዊ ስርዓታት ዕሽሽ ምባል ዝሓሸ ኺመስል ይኽእል እዩ። ሳኦል እውን ከምኡ እዩ ገይሩ፣ ሳሙኤል ስለ ዘይመጾ፡ እቲ ዝገበሮ ነገር ጥበባዊ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። እቶም ስምረት ኣምላኽ ኪረኽቡ ቘራጽነት ዝገበሩ ሰባት ግን፡ ነቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ንምፍታሕ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኪስዕቡ እዮም ዚመርጹ።
የሆዋ ንሳኦል ነዓቖ
ሳኦል ምስ ኣማሌቃውያን ኣብ ዝገበሮ ውግእ፡ ካልእ ከቢድ ጌጋ ፈጸመ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣብ ዝወጹሉ እዋን፡ ኣማሌቃውያን ዋላ ሓደ ኸይተንከፎም ተንሲኦም ንእስራኤላውያን ስለ ዘጥቅዕዎም፡ ኣምላኽ ኰኒንዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 17:8፣ ዘዳ. 25:17, 18) እዚ ኸይኣክል ከኣ፡ ብግዜ መሳፍንቲ፡ ኣማሌቃውያን ምስ ካልኦት ሓቢሮም ነቶም ኣምላኽ ዝሓረዮም ህዝቢ ኣጥቅዕዎም። (መሳ. 3:12, 13፣ 6:1-3, 33) በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ንኣማሌቃውያን ፈረዶም፡ ንሳኦል ድማ ፍርዱ ኺፍጽም ኣዘዞ።—1 ሳሙ. 15:1-3።
ሳኦል ነቶም ተጻባእቲ ዝዀኑ ኣማሌቃውያንን ንጥሪቶምን ኬጥፍእ እተዋህቦ ትእዛዝ ኣብ ክንዲ ዚሕሉ፡ ንንጉሶም ሓዞ፡ ነተን ዘዝበለጻ እንስሳታቶም ድማ ነሓፈን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሳሙኤል ንሳኦል ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧ ሳኦል፡ “እቶም ህዝቢ . . . ካብተን ኣባጊዕን ኣሓን ዝጸበቓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺስውእወን ኢሎም ዝነሐፍወን እየን” ብምባል፡ ጌጋኡ ኣብቲ ህዝቢ ኼላግብ ፈተነ። ነተን እንስሳታት ብሓቂ ንመስዋእቲ ይድለየን ወይ ኣይድለየን ብዘየገድስ፡ ትእዛዝ እዩ ኣፍሪሱ። ድሕሪ ደጊም፡ ‘ኣብ ዓይኑ ንእሽቶ’ ኣይነበረን። ስለዚ፡ ነብዪ ሳሙኤል ንሳኦል፡ ንኣምላኽ ከም ዘይተኣዘዞ ነገሮ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ፡ ምስማዕ [“ምእዛዝ፡” ትርጕም 1990] ካብ መስዋእቲ . . . ይበልጽ። . . . ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዐቐካ” በሎ።—1 ሳሙ. 15:15, 17, 22, 23።
የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱን ንበረኸቱን ካብ ሳኦል ምስ ኣርሓቐ፡ ነዚ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል “ክፉእ መንፈስ” ኪሓድሮ ጀመረ። ሳኦል ነቲ የሆዋ ጸኒሑ ንግስነት ዝሃቦ ዳዊት ኪጥርጥሮን ኪቐንኣሉን ጀመረ። ብተደጋጋሚ ኪቐትሎ እውን ፈተነ። “እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎ” ምስ ረኣየ፡ “ምሉእ ዕድሜኡ ጸላኢ ዳዊት ኰነ።” ሃዲኑ ኪቐትሎ ፈተነ፡ 85 ካህናትን ካልኦት ሰባትን ኪቕተሉ እውን ኣዘዘ። የሆዋ ንሳኦል ኪሓድጎ እምበኣር ሓቁ እዩ።—1 ሳሙ. 16:14፣ 18:11, 25, 28, 29፣ 19:10, 11፣ 20:32, 33፣ 22:16-19።
ድሕርዚ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ብሓድሽ ኣብ እስራኤል መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ፡ ሳኦል ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ፡ ናብ ጠንቋሊት ከደ። ንጽብሒቱ፡ ኣብ ውግእ ኣመና ስለ ዝቘሰለ፡ ንርእሱ ቐተለ። (1 ሳሙ. 28:4-8፣ 31:3, 4) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ዘይእዙዝ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ “ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላዉን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደሉ ሞተ። ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን።”—1 ዜና 10:13, 14።
እቲ ሳኦል ዝሓደጎ ሕማቕ ኣብነት፡ ንየሆዋ ዘሎና ተኣዛዝነት፡ ካብ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ዚበልጽ ምዃኑ ብንጹር ይሕብረና። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ዮሃ. 5:3) ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ነባሪ ኪኸውን እንተ ደሊና፡ ክንእዘዞ ኸም ዚግብኣና ኸቶ ኣይንረስዕ።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ሳኦል ኣብ ፈለማ ትሑት መራሒ ነበረ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ሳሙኤል ንሳኦል፡ ‘ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ’ ዝበሎ ስለምንታይ እዩ፧