ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 41 ገጽ 100-ገጽ 101 ሕ.ጽ. 2
  • ዳዊትን ሳኦልን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዳዊትን ሳኦልን
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዳዊት ክሃድም እተገደደሉ ምኽንያት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ዳዊት ንጉስ ኰነ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ‘ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • 1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 41 ገጽ 100-ገጽ 101 ሕ.ጽ. 2
ዳዊት ናብ ሰፈር ሳኦል ይጭድር

ትምህርቲ 41

ዳዊትን ሳኦልን

ዳዊት ንጐልያድ ምስ ቀተሎ፡ ንጉስ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ሓላፍነት ሃቦ። ዳዊት ከኣ ኣብ ብዙሕ ውግእ ሰዓረ፣ ብዙሓት እውን ፈተውዎ። ዳዊት ስዒሩ ኻብ ውግእ ኪምለስ ከሎ፡ ኣንስቲ እናሳዕስዓ፡ ‘ሳኦል ኣሽሓት ቀተለ፡ ዳዊት ከኣ ኣእላፋት ቀተለ’ ኢለን ይደርፋ ነበራ። ሳኦል ድማ ብዳዊት ቀንአ፡ ኪቐትሎ እውን ደለየ።

ዳዊት ከኣ መሰንቆ ወይ ክራር ጽቡቕ ገይሩ ኺጻወት ይኽእል ነበረ። ሓደ መዓልቲ፡ ዳዊት ንሳኦል መሰንቆ እናወቕዓሉ ኸሎ፡ ንጉስ ሳኦል ኲናቱ ወርወረሉ። ዳዊት ግና ኣስሓቶ፣ ስለዚ፡ እቲ ዂናት ኣብ መንደቕ ተሸኽለ። ድሕሪኡ፡ ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ኢሉ ብዙሕ ሳዕ ፈተነ። ዳዊት ከኣ ሃዲሙ ኣብ በረኻ ተሓብአ።

ሳኦል ደቂሱ ኸሎ፡ ዳዊት ንዂናት ሳኦል ይወስዶ

ሳኦል ከኣ 3,000 ሰባት ሒዙ ንዳዊት ኪሃድኖ ኸደ። ብኣጋጣሚ ግና ኣብታ ዳዊትን ሰቡን ተሓቢኦምላ ዝነበሩ በዓቲ ኣተወ። እቶም ሰባት ከኣ ንዳዊት፡ ‘ንሳኦል እትቐትለላ ዕድል እዚኣ እያ’ በልዎ። ዳዊት ከኣ ሰላሕ ኢሉ ናብ ሳኦል ቀረበ እሞ፡ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈሪጹ ወሰደ። ሳኦል ግና ኣየስተብሃለሉን። ዳዊት ድማ ነቲ የሆዋ ዝቐብኦ ንጉስ ኣኽብሮት ስለ ዘጕደለሉ፡ ሕማቕ ተሰምዖ። ግናኸ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት፡ ንሳኦል ኪቐትልዎ ኣይፈቐደሎምን። ደሓር ከኣ ዓው ኢሉ ንሳኦል ጸውዖ እሞ፡ ንምቕታሉ ዕድል ረኺቡ ምንባሩ ነገሮ። እሞኸ ሳኦል ብዛዕባ ዳዊት ዝነበሮ ኣረኣእያ ቐዪሩዶ፧

ኣይቀየረን። የግዳስ፡ ሳኦል ንዳዊት ይሃድኖ ነበረ። ሓደ ለይቲ፡ ዳዊትን ኣቢሻይ ዚብሃል ወዲ ሓብቱን ናብ ሰፈር ሳኦል ሰላሕ ኢሎም ኣተዉ። እቲ ንሳኦል ዚሕልዎ ዝነበረ ኣብኔር እኳ ድቃስ ወሲድዎ ነበረ። ኣቢሻይ ከኣ፡ ‘እዚኣ እያ ዕድልና! ክቐትሎ ሕደገኒ’ በሎ። ዳዊት ግና፡ ‘የሆዋ ንሳኦል ስጕምቲ ኺወስደሉ እዩ። ኲናቱን ኳዳ ማዩን ሒዝና ጥራይ ንኺድ’ በሎ።

ድሕሪኡ፡ ዳዊት ኣብቲ ኣብ ማዕዶ ሰፈር ሳኦል ዚርከብ ከረን ደየበ እሞ፡ ‘ኣብኔር፡ ስለምንታይ ንንጉስካ ዘይሓሎኻዮ፧ ናይ ሳኦል ኳዳ ማይን ኲናትን ኣበይ ኣሎ፧’ ኢሉ ጨደረ። ሳኦል ድማ ድምጺ ዳዊት ኣለልዩ፡ ‘ክትቀትለኒ ትኽእል ኔርካ፡ ግናኸ ኣይቀተልካንን። ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል ከም እትኸውን እፈልጥ እየ’ በሎ። ድሕርዚ፡ ሳኦል ናብ ቦታኡ ኸደ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ቤተ ሰብ ሳኦል፡ ኵሎም ኣይኰኑን ንዳዊት ዚጸልእዎ ነይሮም።

“ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቑራተየ፡ . . . ነቲ ቝጥዓስ ቦታ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።”—ሮሜ 12:18, 19

ሕቶታት፦ ስለምንታይ እዩ ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ዚደሊ ዝነበረ፧ ዳዊት ንሳኦል ምቕታሉ ዝኣበየ ስለምንታይ እዩ፧

1 ሳሙኤል 16:14-23፣ 18:5-16፣ 19:9-12፣ 23:19-29፣ 24:1-15፣ 26:1-25

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ