ዛንታ 59
ዳዊት ክሃድም እተገደደሉ ምኽንያት
ዳዊት ንጐልያድ ድሕሪ ምቕታሉ: ኣብኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤል ናብ ሳኦል ወሰዶ። ሳኦል ብዳዊት ተሓጐሰ። ኣብ ሰራዊቱ ኸኣ ሓለቓ ገበሮ: ኣብ ቤት ንጉስ ከኣ ኣቐመጦ።
ጸኒሑ እቲ ሰራዊት ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋጊኡ ምስ ተመልሰ: እተን ኣንስቲ:- ‘ሳኦል ሽሕ: ዳዊት ከኣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ቀተለ’ እናበላ ደረፋ። ዳዊት ካብ ሳኦል ዝበዝሐ ክብሪ ስለ እተዋህቦ: ሳኦል ቀንአ። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግን ኣይቀንአን። ንዳዊት ኣዝዩ ፈተዎ: ዳዊት ከኣ ንዮናታን ፈተዎ። ክልቲኦም ድማ ንሓዋሩ ኣዕሩኽ ክዀኑ ንሓድሕዶም ተመባጽዑ።
ዳዊት ክኢላ ወቓዕ በገና ኢዩ ነይሩ: ሳኦል ከኣ ነቲ ዳዊት ዝጻወቶ ሙዚቃ ይፈትዎ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግና ቅንኢ ንሳኦል ሕማቕ ነገር ከም ዝገብር ገበሮ። ዳዊት በገና እናወቕዐ ኸሎ: ሳኦል ‘ንዳዊት ምስቲ መንደቕ ከላግቦ ኢየ!’ ብምባል ኲናቱ ኣልዒሉ ወርወረ። ዳዊት ግና ኣልገሰ እሞ እታ ኲናት ከኣ ሰሓተቶ። ጸኒሑ እውን ሳኦል ንዳዊት ብኲናት ሰሓቶ። ስለዚ ዳዊት ክጥንቀቕ ከም ዘለዎ ተረድአ።
እቲ ሳኦል ዝኣተዎ መብጽዓ ትዝክሮዶ፧ ጐልያድ ንዝቐተለ ሰብኣይ ጓሉ ክህቦ ምዃኑ ተዛሪቡ ነበረ። ኣብ መወዳእትኡ ሳኦል ሚካል ጓሉ ንዳዊት ሰበይቱ ክትኰኖ ሃቦ: ቅድሚ ምሃቡ ግን 100 ፍልስጥኤማውያን ክቐትል ከም ዘለዎ ነገሮ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ሳኦል ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ክቐትልዎ ኢዩ ተስፋ ገይሩ ነይሩ። ክቐትልዎ ግን ኣይከኣሉን: ሳኦል ከኣ ጓሉ ንዳዊት ሰበይቲ ክትኰኖ ሃቦ።
ሓደ መዓልቲ ሳኦል ንዮናታንን ንዅሎም ግዙኣቱን ንዳዊት ክቐትሎ ከም ዝደሊ ነገሮም። ዮናታን ግን ንኣቡኡ ‘ዳዊት ኣይበደለካን። ንዓኻ ዓቢ ሓገዝ ኢዩ ገይሩልካ። ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ንጐልያድ ቀተሎ: እዚ ምስ ረኣኻ ኸኣ ንስኻውን ተሓጒስካ ኢኻ። ንዳዊት ገለ ነገር ከይትገብሮ’ በሎ።
ሳኦል ንወዱ ሰምዖ እሞ ንዳዊት ገለ ከም ዘይገብሮ ነገሮ። ዳዊት ተመልሰ: ከም ቀደሙ ኸኣ ንሳኦል ኣብ ቤቱ ኣገልገሎ። ይኹን እምበር: ሓደ መዓልቲ ዳዊት በገና እናሃረመ ከሎ ሳኦል እንደገና ኲናቱ ናብ ዳዊት ደርበየ። ዳዊት ኣልገሰ: እቲ ኲናት ከኣ ኣብቲ መንደቕ ተሸኽለ። እዚ ሳልሳይ ግዜ ኢዩ ነይሩ! ዳዊት ሕጂ ክሃድም ከም ዘለዎ ተረድአ!
በታ ለይቲ እቲኣ ዳዊት ናብ ቤቱ ኸደ። ሳኦል ግን ዝቐትልዎ ሰባት ለኣኸ። ሚካል ኣቡኣ ክገብሮ ሓሲብዎ ዘሎ ፈለጠት። ስለዚ ንሰብኣያ ‘ሎሚ ለይቲ እንተ ዘይሃዲምካ: ጽባሕ ክትመውት ኢኻ’ በለቶ። በታ ለይቲ እቲኣ ሚካል ንዳዊት ብመስኮት ክሃድም ሓገዘቶ። ሳኦል ምእንቲ ከይረኽቦ ዳዊት ንሸውዓተ ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ይሃድም ነበረ።