ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 53 ገጽ 128
  • ትብዓት የሆያዳ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትብዓት የሆያዳ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዮኣስ ብሰንኪ ሕማቕ ዕርክነት ንየሆዋ ሓደጎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንየሆዋ ኽንፈርሆ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • የሆዋ፡ ተባዕ ስጕምቲ ይባርኽ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ህርፋን ስልጣን ዝነበራ እክይቲ ሰበይቲ ተቐጺዓ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 53 ገጽ 128
የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ነቲ ቘልዓ ዝነበረ ንጉስ ዮኣስ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ የቕርቦ

ትምህርቲ 53

ትብዓት የሆያዳ

ኢዛቤል ከምኣ እክይቲ ዝዀነት ዓታልያ እትብሃል ጓል ነበረታ። ዓታልያ ድማ ንንጉስ ይሁዳ ተመርዕያ ነበረት። ሰብኣያ ምስ ሞተ፡ ወዳ ኺገዝእ ጀመረ። ወዳ ምስ ሞተ ግና፡ ዓታልያ ባዕላ ኣብ ይሁዳ ኽትገዝእ ጀመረት። ድሕሪኡ፡ ንዅሎም እቶም ኪነግሱ ዚኽእሉ ዘርኢ ንጉስ ከተጥፍኦም ፈተነት፣ ንደቂ ደቃ እውን ኣይመሓረቶምን። ኵሉ ሰብ ይፈርሃ ነበረ።

የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናትን የሆሸባ ዝስማ ሰበይቱን ከኣ፡ እቲ ዓታልያ እትገብሮ ዝነበረት ኣመና ኽፉእ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። ስለዚ፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም፡ ዮኣስ ንዝስሙ ወዲ ወዳ ንዓታልያ ሓብእዎ። ኣብ ቤተ መቕደስ ድማ ኣዕበይዎ።

ዮኣስ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ የሆያዳ ንዅሎም ኣሕሉቕን ሌዋውያንን ኣኪቡ፡ ‘ንመዓጹ ቤተ መቕደስ ሓልውዎ፣ ዋላ ሓደ እውን ብእኡ ኣይእቶ’ በሎም። ድሕሪኡ፡ የሆያዳ ንዮኣስ ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ፡ ኣብ ርእሱ እውን ዘውዲ ደፍኣሉ። ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ፡ ‘ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!’ ኢሎም ጨደሩ።

ንግስቲ ዓታልያ ትጭርሕ

ንግስቲ ዓታልያ ድማ ንደሃይ እቲ ህዝቢ ሰሚዓ ናብቲ ቤተ መቕደስ ጐየየት። ነቲ ሓድሽ ንጉስ ምስ ረኣየቶ ኸኣ፡ “ውዲት! ውዲት!” ኢላ ጨርሐት። እቶም ኣሕሉቕ ድማ ነታ እክይቲ ንግስቲ ወሲዶም ቀተልዋ። ነቲ ኣብቲ ህዝቢ ዘሕደረቶ ኽፉእ ጽልዋ ንምጥፋእ ግና እንታይ እዩ ተገይሩ፧

የሆያዳ ነቶም ህዝቢ፡ ምስ የሆዋ ኺዳን ኣተኣታተዎም፣ ንሳቶም እውን ንየሆዋ ጥራይ ኬምልኹ ተመባጽዑ። ብትእዛዝ የሆያዳ ድማ ንቤተ መቕደስ በዓል ኣፍረስዎ፡ ነቲ ጣኦታት እውን ሓምሸሽዎ። እቶም ህዝቢ ኣብታ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኼምልኹ ኸኣ፡ ካህናትን ሌዋውያንን ሸመ። ርኹስ ዘበለ ናብታ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኸይኣቱ ድማ፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ገበረ። የሆያዳን እቶም ኣሕሉቕን ከኣ ንዮኣስ ናብቲ ቤተ መንግስቲ ወሲዶም ኣብ ዝፋን ኣቐመጥዎ። ህዝቢ ይሁዳ እውን ተሓጐሱ። ካብታ እክይቲ ዓታልያን ካብ ኣምልኾ በዓልን ናጻ ዀይኖም ንየሆዋ ኼምልኹ ኸኣሉ። ትብዓት የሆያዳ ንብዙሓት ሰባት ብኸመይ ከም ዝሓገዘስ ርኢኻዶ፧

“ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ኪቐትሉ ዘይክእሉ ኣይትፍርህዎም፣ የግዳስ፡ ነቲ ንነፍስን ንስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚኽእል ፍርህዎ።”—ማቴዎስ 10:28

ሕቶታት፦ የሆያዳ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ተባዕ ንምዃን የሆዋ ኺሕግዘካ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧

2 ነገስት 11:1–12:12፣ 2 ዜና መዋእል 21:1-6፣ 22:10-12፣ 23:1–24:16

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ