ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 60 ገጽ 144-ገጽ 145 ሕ.ጽ. 2
  • ንዘለኣለም እትነብር መንግስቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዘለኣለም እትነብር መንግስቲ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምትንሳእን ምውዳቕን ናይ ሓደ ዓቢ ምስሊ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ካብ ትንቢት ዳንኤል ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ከም ዓባይ ኦም ዝኣመሰለት መንግስቲ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ንምስጢር እታ ዓባይ ኦም ምቕላዕ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 60 ገጽ 144-ገጽ 145 ሕ.ጽ. 2
ንጉስ ነቡካድነጻር ብሓንቲ እምኒ ብዛዕባ እተሓምሸሸ ዓብዪ ምስሊ ይሓልም

ትምህርቲ 60

ንዘለኣለም እትነብር መንግስቲ

ሓደ ለይቲ፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ፍልይ ዝበለ ሕልሚ ሓለመ። እቲ ሕልሚ ብዙሕ ስለ ዝረበሾ፡ ኪድቅስ ኣይከኣለን። ነቶም ገበርቲ ስሒር ጸውዑ ኸኣ፡ ‘ሕልመይ ግለጹለይ’ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ‘ኦ ንጉስ፡ ሕልምኻ ንገረና’ በልዎ። ነቡካድነጻር ግና፡ ‘ሕልመይ ንገሩኒ፣ እንተ ዘይኰይኑ፡ ክቐትለኩም እየ’ በሎም። ንሳቶም ከኣ መሊሶም፡ ‘ሕልምኻ ንገረና እሞ ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና’ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ‘ኵላትኩም ከተታልሉኒ ኢኹም ትፍትኑ ዘለኹም። ሕልመይ ንገሩኒ’ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ‘ከምኡ ኺገብር ዚኽእል ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን። ዘይከኣል ኢኻ እትሓትት ዘለኻ’ በልዎ።

ነቡካድነጻር በዚ እምብዛ ስለ እተቘጥዐ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ዅሎም ጥበበኛታት ኪቕተሉ ኣዘዘ። እዚ ኸኣ ንዳንኤልን ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን እውን ዚጸሉ ነበረ። ዳንኤል ድማ ናብ ንጉስ ከይዱ፡ ግዜ ኺህቦ ለመኖ። ሽዑ፡ ንሱን ኣዕሩኹን ናብ የሆዋ ጸለዩ፡ ኪሕግዞም እውን ለመንዎ። እሞኸ የሆዋ እንታይ ገበረ፧

የሆዋ ንዳንኤል፡ ነቲ ነቡካድነጻር ሓሊምዎ ዝነበረ ሕልሚ ብራእይ ኣርኣዮ፡ ትርጉሙ እውን ገለጸሉ። ንጽብሒቱ፡ ዳንኤል ናብቲ ጊልያ ንጉስ ከይዱ፡ ‘ነቶም ጥበበኛታት ኣይትቕተሎም። ኣነ ንንጉስ ሕልሙ ኽገልጸሉ እየ’ በሎ። እቲ ጊልያ ኸኣ ንዳንኤል ናብ ነቡካድነጻር ወሰዶ። ሽዑ፡ ዳንኤል ንንጉስ ከምዚ በሎ፦ ‘ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ገሊጹልካ ኣሎ። ሕልምኻ እዚ እዩ፦ ዓብዪ ምስሊ ኢኻ ርኢኻ። እቲ ምስሊ ኸኣ ርእሱ ወርቂ፡ ደረቱን ቀላጽሙን ብሩር፡ ከብዱን ሰለፉን ነሓሲ፡ መሓውሩ ሓጺን፡ ኣእጋሩ ኸኣ ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ እውን ካይላ ነይሩ። ሽዑ፡ እምኒ ኻብ ከረን ተፈንቂላ መጺኣ፣ ንእግሪ እቲ ምስሊ እውን ወቒዓቶ። እቲ ምስሊ ድማ ተሓምሺሹ፡ ንፋስ እውን ወሲድዎ። እታ እምኒ ድማ ዓብዪ ኸረን ኰይና፣ ንምድሪ እውን መሊኣታ።’

ድሕሪኡ ዳንኤል ከምዚ በለ፦ ‘ትርጉም እቲ ሕልሚ እዚ እዩ፦ መንግስትኻ እቲ ርእሲ ወርቂ እያ። እቲ ብሩር ድማ ድሕሬኻ እትመጽእ መንግስቲ እያ። ድሕሪኡ ኸም ነሓሲ ዝበለት መንግስቲ ተንሲኣ ንብዘላ ምድሪ ኽትገዝኣ እያ። እታ እትቕጽል መንግስቲ ኸኣ ከም ሓጺን ሓያል ክትከውን እያ። ኣብ መወዳእታ፡ ገሊኣ ኸም ሓጺን ብርትዕቲ፡ ገሊኣ እውን ከም ካይላ ድኽምቲ ዝዀነት እተመቓቐለት መንግስቲ ኽትህሉ እያ። እታ ኸረን እትኸውን እምኒ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ እያ። ንሳ ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸን እያ፣ ንዘለኣለም እውን ክትነብር እያ።’

ሽዑ፡ ነቡካድነጻር ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንዳንኤል ሰገደሉ። ‘ኣምላኽካ ነዚ ሕልሚ እዚ ገሊጹልካ። ከምኡ ዝኣመሰለ ኣምላኽ የልቦን’ ድማ በሎ። ነቡካድነጻር ከኣ ንዳንኤል ኣብ ክንዲ ዚቐትሎ፡ ኣብ ርእሲ ዅሎም ጥበበኛታት ስልጣን ሃቦ፡ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን እውን ገዛኢ ገበሮ። እሞኸ የሆዋ ንጸሎት ዳንኤል ብኸመይ ከም ዝመለሶስ ርኢኻዶ፧

“ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሃል ቦታ ኣከብዎም።”—ራእይ 16:16

ሕቶታት፦ ዳንኤል ንነቡካድነጻር ሕልሙ ኺገልጸሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ሕልሚ እንታይ እዩ ትርጉሙ፧

ዳንኤል 2:1-49

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ