ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 62 ገጽ 148
  • ከም ዓባይ ኦም ዝኣመሰለት መንግስቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከም ዓባይ ኦም ዝኣመሰለት መንግስቲ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንምስጢር እታ ዓባይ ኦም ምቕላዕ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ንዘለኣለም እትነብር መንግስቲ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ምትንሳእን ምውዳቕን ናይ ሓደ ዓቢ ምስሊ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓመተ 1914 እንታይ ይሕብር፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 62 ገጽ 148
እታ ነቡካድነጻር ብሕልሚ ዝረኣያ ኦም ትቝረጽ

ትምህርቲ 62

ከም ዓባይ ኦም ዝኣመሰለት መንግስቲ

ሓደ ለይቲ፡ ነቡካድነጻር ዜፍርህ ሕልሚ ሓለመ። ነቶም ጥበበኛታቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ትርጉሙ ኺነግርዎ ሓተቶም። ዋላ ሓዲኦም ግና ትርጉሙ ኺገልጹሉ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ንጉስ ንዳንኤል ተዛረቦ።

ነቡካድነጻር ድማ ንዳንኤል ከምዚ በሎ፦ ‘ብሕልሚ ኦም ርእየ። እታ እሞ ድማ ዓብያ ኽሳብ ሰማይ በጺሓ። ካብ ኵሉ ኽፋላት ምድሪ ኽትርአ ትኽእል ነይራ እያ። ጽቡቕ ኣቝጽልትን ብዙሕ ፍረን እውን ነይርዋ። እንስሳታት ኣብ ጽላላ የዕርፉ፡ ኣዕዋፍ ድማ ኣብ ጨናፍራ ሰፈረን ይሰርሓ ነይረን። ድሕሪኡ፡ ሓደ መልኣኽ ካብ ሰማይ መጺኡ። ንሱ ኸኣ፡ “ነዛ ኦም ቍረጽዋ፣ ጨናፍራ ጸልጽሉ። ነቲ ጕርማጽ ምስ ሰራውራ ግና፡ ብሓጺንን ብነሓስን ተኣሲሩ ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ልቢ እታ ኦም ኻብ ናይ ሰብ ናብ ናይ እንስሳ ኺልወጥ እዩ፣ ሸውዓተ ግዜያት ድማ ኪሓልፎ እዩ። ኵሎም ሰባት ከኣ፡ ኣምላኽ ገዛኢ ምዃኑ፡ መንግስቲ እውን ንዝደለዮ ኺህብ ከም ዚኽእል ኪፈልጡ እዮም።”’

የሆዋ ኸኣ ንዳንኤል፡ እቲ ሕልሚ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ገለጸሉ። ዳንኤል ድማ ትርጉም እቲ ሕልሚ ምስ ተረድኦ፡ ፈርሀ። ከምዚ እውን በለ፦ ‘ኦ ንጉስ፡ እዚ ሕልሚ እዚ ብዛዕባ ጸላእትኻ ኪኸውን እየ ዝምነ፣ ግናኸ፡ ብዛዕባኻ እዩ። እታ እተቘርጸት ዓባይ ኦም፡ ንስኻ ኢኻ። መንግስትኻ ኽትስእን ኢኻ፡ ከም እንስሳ ዘገዳም እውን ኣብ መሮር ሳዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። እቲ መልኣኽ ነቲ ጕርማጽ ምስ ሰራውሩ ኺሕደግ ስለ እተዛረበ ግና፡ መሊስካ ንጉስ ክትከውን ኢኻ።’

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ነቡካድነጻር ኣብ ናሕሲ ቤተ መንግስቱ እናተመላለሰ ንባቢሎን የድንቓ ነበረ። ሽዑ ድማ፡ ‘እዛ ኣነ ዝሃነጽክዋ ኸተማ ኣቤት ክትጽብቕ! ኣነ ብሓቂ ዓብዪ እየ!’ በለ። ከምኡ ኢሉ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብ ሰማይ፡ ‘ነቡካድነጻር፡ ሕጂ መንግስትኻ ስኢንካ ኢኻ’ ዚብል ድምጺ መጸ።

ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ነቡካድነጻር ተጸለለ፡ ከም እንስሳ ዘገዳም እውን ኰነ። ካብ ቤተ መንግስቱ ተሰጒጉ ድማ ምስ እንስሳ ዘገዳም ኣብ መሮር ኪነብር ጀመረ። ጸጕሩ ኸኣ ከም ከነቲት ንስሪ ነውሐ፣ ኣጽፋሩ እውን ከም ኣጽፋር ኣዕዋፍ ኰነ።

ሸውዓተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ነቡካድነጻር ጠዓየ፣ የሆዋ ድማ መሊሱ ንጉስ ባቢሎን ገበሮ። ሽዑ ነቡካድነጻር፡ ‘ንየሆዋ፡ ነቲ ንጉስ ሰማያት እውድሶ ኣለኹ። የሆዋ ገዛኢ ምዃኑ ሕጂ ፈሊጠ እየ። ንሱ ንዕቡያት የዋርድ እዩ፣ መንግስቲ ኸኣ ንዝደለዮ ኺህብ ይኽእል እዩ’ በለ።

“ትምክሕቲ ቕድሚ ውድቀት እያ፣ መንፈስ ትዕቢት ከኣ ቅድሚ ምዕንቃፍ እዩ።”—ምሳሌ 16:18

ሕቶታት፦ ሕልሚ ነቡካድነጻር እንታይ እዩ ትርጉሙ፧ ነቡካድነጻር እንታይ ትምህርቲ ኸም እተማህረ እዩ ገሊጹ፧

ዳንኤል 4:1-37

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ