ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 66 ገጽ 156-ገጽ 157 ሕ.ጽ. 1
  • እዝራ ሕጊ ኣምላኽ መሃረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እዝራ ሕጊ ኣምላኽ መሃረ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ መጽሓፍ እዝራ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንፉዕ መምህር ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ኣብ ኣጸጋሚ እዋን፡ ተኣማሚንካ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • የሆዋ ብፍታዎም ዚዓይዩ ኣገልገልቲ ይደሊ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 66 ገጽ 156-ገጽ 157 ሕ.ጽ. 1
እዝራ ንየሆዋ ኣብ ኣደባባይ ይውድሶ፡ እቶም ህዝቢ ድማ ኣእዳዎም ኣልዒሎም ከም እተሰማምዑ ይገልጹ

ትምህርቲ 66

እዝራ ሕጊ ኣምላኽ መሃረ

መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ናብ የሩሳሌም ካብ ዚምለሱ ኣስታት 70 ዓመት ኰይኑ ነበረ፣ ገሊኦም ግና ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ነበሩ። ሓደ ኻባታቶም ካህን እዝራ እዩ ነይሩ፣ ንሱ ሕጊ የሆዋ ይምህር ነበረ። እዝራ፡ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ ነቲ ሕጊ ይስዕብዎ ኸም ዘየለዉ ፈለጠ፣ ናብኡ ኸይዱ እውን ኪሕግዞም ደለየ። ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ከኣ፡ ‘ኣምላኽ ሕጉ ምእንቲ ኽትምህር፡ ጥበበኛ ገይሩካ ኣሎ። ምሳኻ ኪኸዱ ዚደልዩ ዘበሉ ተማሊእካ ኺድ’ በሎ። እዝራ ድማ ምስ ኵሎም እቶም ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ዚደልዩ ተራኸበ። ንሳቶም ከኣ፡ ኣብቲ ነዊሕ ጕዕዞ ሓደጋ ኸየጋጥሞም ጸልዮም ነቐሉ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ድማ ኣብ የሩሳሌም በጽሑ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ መሳፍንቲ ኸኣ ንእዝራ፡ ‘እስራኤላውያን ንየሆዋ ኣይእዘዝዎን እዮም ዘለዉ፣ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኻ ኣንስቲ እውን ተመርዕዮም ኣለዉ’ በልዎ። እሞኸ እዝራ እንታይ ገበረ፧ ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ተምበርኪኹ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ብዙሕ ጌርካልና ኽነስኻ፡ ንሕና ግና ኣብ ቅድሜኻ ሓጢእና ኢና’ ኢሉ ጸለየ። እቶም ህዝቢ ድማ ተነስሑ፣ ግናኸ፡ ቅኑዕ ነገር ንምግባር ሓገዝ የድልዮም ነበረ። ስለዚ፡ እዝራ ነቲ ነገር ዚምርምሩ ዓበይትን ፈራዶን ሓረየ። ኣብቲ ዚቕጽል ሰለስተ ወርሒ ድማ፡ ነቶም ንየሆዋ ዘየምልኹ ኻብታ ዓዲ ሰደድዎም።

ድሕርዚ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሓለፈ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን፡ መካበብያ የሩሳሌም ዳግም ተሃኒጹ ነበረ። ስለዚ፡ እዝራ ነቶም ህዝቢ፡ ሕጊ ኣምላኽ ኬንብበሎም ኣብ ኣደባባይ ኣከቦም። እዝራ ነታ መጽሓፍ ምስ ቀልዓ፡ እቶም ህዝቢ ደው በሉ። ንሱ ድማ ንየሆዋ ወደሶ፣ ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ኣልዒሎም ከም እተሰማምዑ ገለጹ። ድሕሪኡ፡ እዝራ ነቲ ሕጊ ኣንቢቡ ገለጸሎም፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ ተጠንቂቖም ይሰምዑ ነበሩ። መሊሶም ካብ የሆዋ ኸም ዝረሓቑ ድማ ተኣመኑ፣ ይበኽዩ እውን ነበሩ። ንጽብሒቱ፡ እዝራ ኻብቲ ሕጊ ተወሳኺ ነገራት ኣንበበሎም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ በዓል ዳስ ኬብዕሉ ኸም ዘለዎም ፈለጡ። ብኡብኡ እውን ነቲ በዓል ኪዳለዉ ጀመሩ።

ኣብቲ እቲ በዓል ዚብዓለሉ ሸውዓተ መዓልቲ፡ እቶም ህዝቢ ተሓጐሱ፡ ስለቲ ዝረኸብዎ ጽቡቕ ምህርቲ እውን ንየሆዋ ኣመስገንዎ። ካብ ዘመን እያሱ ኣትሒዙ ኸምኡ ዝበለ በዓል ዳስ ተባዒሉ ኣይፈልጥን ነበረ። ድሕሪ እቲ በዓል፡ እቶም ህዝቢ ተኣኪቦም፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኻብ ባርነት ኣድሒንካና፡ ኣብ በረኻ መጊብካና፡ ነዛ ጽብቕቲ ምድሪ እውን ሂብካና። ንሕና ግና ብተደጋጋሚ ትእዛዛትካ ጥሒስና። ከተጠንቅቐና ኢልካ ድማ ነብያት ሰዲድካልና፣ ንሕና ግና ኣይሰማዕናዮምን። ግናኸ፡ ንስኻ ዕጉስ ኢኻ። ንኣብርሃም ዝኣቶኻዮ ቓል ሓሊኻዮ ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ ክንእዘዘካ መብጽዓ ንኣቱ ኣለና’ ኢሎም ጸለዩ። ነቲ መብጽዓኦም ድማ ኣብ ጽሑፍ ኣስፈርዎ፣ እቶም መሳፍንትን ሌዋውያንን ካህናትን እውን ማሕተሞም ገበሩሉ።

“ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!”—ሉቃስ 11:28

ሕቶታት፦ እዝራ ነቶም ኣብ የሩሳሌም እተኣከቡ እስራኤላውያን እንታይ እዩ ምሂርዎም፧ እቶም ህዝቢ እንታይ ኪገብሩ እዮም እተመባጽዑ፧

እዝራ 7:1-28፣ 8:21-23, 31, 32፣ 9:1–10:19፣ ነህምያ 8:1-18፣ 9:1-38

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ