ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 67 ገጽ 158-ገጽ 159 ሕ.ጽ. 1
  • መካበብያ የሩሳሌም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መካበብያ የሩሳሌም
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መናድቕ የሩሳሌም
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ካብ መጽሓፍ ነህምያ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “ዎ ኣምላኸይ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 67 ገጽ 158-ገጽ 159 ሕ.ጽ. 1
ነህምያ ኣብ ዳግመ ህንጸት መካበብያ የሩሳሌምን ኣብ ምቛም ሓለውትን መምርሒ ይህብ

ትምህርቲ 67

መካበብያ የሩሳሌም

ሒደት ዓመታት እሞ ንድሕሪት ንመለስ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣገልጋሊ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ዝዀነ ነህምያ ዚብሃል እስራኤላዊ፡ ኣብ ፋርስ፡ ኣብ ከተማ ሱሳን ይነብር ነበረ። ሓዉ ድማ፡ ‘እቶም ናብ የሩሳሌም እተመልሱ ህዝቢ ኣብ ስግኣት እዮም ዘለዉ። እቲ ባቢሎናውያን ዘፍረስዎ መካበብያ እታ ኸተማን ኣፍ ደገታታን፡ ዳግም ኣይተሃንጸን’ ዚብል ሕማቕ ወረ ሒዙሉ ኻብ ይሁዳ መጸ። ነህምያ ኸኣ በዚ ጐሃየ። ናብ የሩሳሌም ከይዱ ኺሕግዝ እውን ደለየ፣ ስለዚ፡ ንጉስ ኪፈቕደሉ ጸለየ።

ኣብ ካልእ ግዜ፡ ንጉስ ንነህምያ፡ ጕህዩ ኸም ዘሎ ኣስተብሃለሉ። ‘ከምዚ ዄንካ ርእየካ ኣይፈልጥን እየ። እንታይ ኢኻ ዄንካ፧’ በሎ። ነህምያ ድማ፡ ‘ከተማይ የሩሳሌም ዓንያ ኸላስ ከመይ ኢለ ዘይጕሂ፧’ በሎ። ንጉስ ከኣ፡ ‘እንታይ ክገብረልካ ትደሊ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ሽዑሽዑ፡ ነህምያ ብልቡ ጸለየ። ድሕሪኡ፡ ‘ናብ የሩሳሌም ከይደ ነቲ መካበብያ ዳግም ክሃንጾ በጃኻ ፍቐደለይ’ በሎ። ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኸኣ ንነህምያ ኪኸይድ ፈቐደሉ፣ ነቲ ነዊሕ ጕዕዞኡ ብደሓን ኪጐዓዝ ዜኽእሎ ነገር እውን ገበረሉ። ብዘይካዚ፡ ንነህምያ ሹም ይሁዳ ገበሮ፡ ንመስርሒ ኣፍ ደገታት ዚኸውን ኣዕጫው እውን ሃቦ።

ነህምያ ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሐ፡ ንመካበብያ የሩሳሌም መርመሮ። ድሕሪኡ፡ ነቶም መሳፍንትን ገዛእትን ኣኪቡ፡ ‘ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኢና ዘለና። ክንዓዪ ኣሎና’ በሎም። እቶም ህዝቢ እውን ምስ ሓሳቡ ተሰማምዑ፣ ንመካበብያ የሩሳሌም ከኣ ዳግም ኪሃንጽዎ ጀመሩ።

ገሊኦም ጸላእቲ እስራኤላውያን ግና ኣላገጹሎም፣ ‘ወኻርያ እኳ ነቲ እትሃንጽዎ ዘለኹም መንደቕ መፍረሰቶ’ እውን በልዎም። እቶም ሃነጽቲ ግና ነቲ ጸርፎም ዕሽሽ ኢሎም ነቲ ዕዮ ህንጸት ቀጸልዎ። እቲ መካበብያ ኸኣ እናበረኸን እናደልደለን ከደ።

እቶም ጸላእቲ ኸኣ ካብ እተፈላለየ ኣንፈት ናብ የሩሳሌም ብሃንደበት መጺኦም ኬጥቅዑ ሓሰቡ። ኣይሁድ ነዚ ምስ ሰምዑ ድማ፡ ፈርሁ። ነህምያ ግና፡ ‘ኣይትፍርሁ። የሆዋ ምሳና እዩ’ በሎም። ነቶም ዓየይቲ ዚከላኸሉሎም ሓለውቲ ኸኣ ደው ኣበለ፣ በዚ ኸምዚ፡ እቶም ጸላእቲ ኼጥቅዕዎም ኣይከኣሉን።

ኣብ 52 መዓልቲ፡ እቲ መካበብያን እቲ ኣፍ ደገታትን ተወድአ። ነህምያ ኸኣ ኣብቲ መመረቕታ ንዅሎም ሌዋውያን ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦም። ብኽልተ ጕጅለ ዘመርቲ እውን ወደቦም። በቲ ኣብ ኣፍ ደገ ዓይኒ ማይ ዘሎ መደያይቦ ኣቢሎም ከኣ ናብቲ መካበብያ ደየቡ፣ ካብኡ ድማ ብኽልቲኡ ኣንፈት ናብ ዙርያ እታ ኸተማ ኸዱ። መለኸትን ጸናጽል ሸሓንን መሰንቆን እናተጻወቱ እውን ንየሆዋ ይዝምሩሉ ነበሩ። እዝራ ኸኣ ምስቶም ሓደ ጕጅለ ኸደ፣ ነህምያ ድማ ምስቶም ካልእ ጕጅለ ኸደ፣ ኵላቶም እውን ኣብታ ቤተ መቕደስ ተራኸቡ። ኵሎም እቶም ህዝቢ፡ ማለት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ከኣ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ሰውኡሉ፡ ብዙሕ እውን ተሓጐሱ። ደሃይ ሓጐሶም ከኣ ክሳብ ርሑቕ ኪስማዕ ይኽእል ነበረ።

“ኵሉ እቲ ኣንጻርኪ እተሰርሐ ኣጽዋር ኣይኪጠቅምን እዩ።”—ኢሳይያስ 54:17

ሕቶታት፦ ስለምንታይ እዩ ነህምያ ናብ የሩሳሌም ከይዱ፧ ንመካበብያ የሩሳሌም ዳግም ንምህናጽ ክንደይ ግዜ እዩ ወሲዱ፧

ነህምያ 1:1-11፣ 2:1-20፣ 4:1-23፣ 5:14፣ 6:1-19፣ 12:27-43

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ