ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/2 ገጽ 14
  • “ዎ ኣምላኸይ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ዎ ኣምላኸይ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ካብ መጽሓፍ ነህምያ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • መናድቕ የሩሳሌም
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • መካበብያ የሩሳሌም
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/2 ገጽ 14

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ዎ ኣምላኸይ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ”

“እቲ ኣጸቢቑ ዚፈልጠኒ የሆዋ፡ ፈጺሙ ኸም ዘየፍቅረንን ስምረቱ ኸም ዘይህበንን ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ።” እዚ፡ ሓንቲ ኸም ዘይትጠቅም ኰይኑ ዚስምዓ ዝነበረት እምንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ዝጸሓፈቶ ሓሳባት እዩ። ንስኻኸ፡ ይትረፍዶ ስምረት ኣምላኽ ክትረክብስ፡ ኣቓልቦኡ ኽትረክብ እውን ብቑዕ ከም ዘይኰንካ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ከምዚ ዚስምዓካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እቲ ኣብ ነህምያ 13:31 ዘሎ ሓሳባት ኬተባብዓካ ይኽእል እዩ።

እቲ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ኣመሓዳሪ ኣይሁድ ዝነበረ ነህምያ፡ ንኣምላኽ ንኼሐጕስ ዝከኣሎ ገይሩ እዩ። ተቓውሞ እናሃለወ ኽነሱ፡ መናድቕ የሩሳሌም ከም ብሓድሽ ንምህናጽ ግምባር ቀደም ኰይኑ ዓይዩ እዩ። ሕጊ ኣምላኽ የተግብርን ንግፉዓት ይሓልን ነበረ፣ ብዘይካዚ፡ ንእምነት እቶም ብጾቱ ዝዀኑ እስራኤላውያን ኬደልድል ይጽዕር ነበረ። ኣምላኽ ነቲ እዚ እሙን ሰብኣይ እዚ ዝገበሮ ጽቡቕ ነገራት ኣስተብሂሉሉዶ፧ ነህምያ ስምረት የሆዋ ረኺቡዶ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣብቲ ነህምያ ኣብ መወዳእታ እታ ብስሙ እተሰምየት መጽሓፍ ዘስፈሮ ቓላት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።

ነህምያ፡ “ዎ ኣምላኸይ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ” ኢሉ ጸለየ።a ከምዚ ኢሉ ኺጽሊ ኸሎ፡ ኣምላኽ ከይርስዖ ወይ ነቲ ጽቡቕ ተግባራቱ ዕሽሽ ከይብሎ ድዩ ፈሪሁ፧ ኣይፋሉን። ብዛዕባ እቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበልዎ ነገራት ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ንሳቶም፡ የሆዋ ነቶም እሙናት ኣምለኽቱን ነቲ ጽቡቕ ተግባራቶምን ኣጸቢቑ ኸም ዚግደሰሉ ጽሒፎም እዮም። (ዘጸኣት 32:32, 33፣ መዝሙር 56:8) ነህምያ እንታይ ንኺገብረሉ ደኣ እዩ እሞ ንኣምላኽ ዚልምኖ ነይሩ፧ ሓደ መወከሲ፡ እታ “ሕሰበለይ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ንፍቕርን ዘኪርካ ንእትወስዶ ስጕምትን” ከም እተመልክት ሓቢሩ ኣሎ። ነህምያ ብዛዕባ እቲ ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ምሉእ እምነት ስለ ዝነበሮ፡ ብፍቕሪ ኺዝክሮን ኪባርኾን እዩ ንኣምላኽ ዚልምኖ ነይሩ።—ነህምያ 2:4።

የሆዋ ንጸሎት ነህምያ መልሲ ብምሃብ ዘኪርዎ ድዩ፧ ብሓደ መዳይ፡ ኣቐዲሙ ዘኪርዎ እዩ። የሆዋ ንጸሎት ነህምያ ኣብ ቅዱሳት ጹሑፋት ንሓዋሩ ኸም ዚምዝገብ ምግባሩ፡ ንነህምያ ብፍቕሪ ኸም ዝዘከሮ የረጋግጸልና። እቲ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ዝዀነ ኣምላኽ ነቲ ነህምያ ኻብ ልቢ ዘቕረቦ ጸሎት ብኻልእ መገዲ እውን መሊሱሉ እዩ።—መዝሙር 65:2።

ኣምላኽ ንነህምያ ስለ እቲ ንንጹህ ኣምልኾ ኢሉ ዝገበሮ ዅሉ ጽቡቕ ነገራት ዓስቢ ኺህቦ እዩ። (እብራውያን 11:6) ኣብታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ከኣ ካብ ሞት ብምትንሳእ ኪባርኾ እዩ።b (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:3, 4) ሽዑ ነህምያ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ስለ ዚህልዎ፡ የሆዋ ንጽቡቕ ከም ዝሓሰበሉ ኺርኢ እዩ።

ጸሎት ነህምያ፡ እቲ ንጉስ ዳዊት፡ “ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ሓቂ ምዃኑ እዩ ዜረጋግጸልና። (መዝሙር 5:12) እወ፡ ኣምላኽ ነቲ ንዕኡ ንምሕጓስ እንገብሮ ልባዊ ጻዕሪ የስተብህለሉን ኣኽቢሩ ይርእዮን እዩ። ንዕኡ ንምሕጓስ ዝከኣለካ እንተ ጽዒርካ፡ ብፍቕሪ ኸም ዚዝክረካን ኣብዚሑ ኸም ዚባርኸካን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።

ንለካቲት ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

◼ ነህምያ 1-13

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነህምያ፡ ስለ እቲ ብተኣማንነት ዝገበሮ ነገራት ጽቡቕ ወጽኢት ንኺረክብ ንኣምላኽ ከም ዝለመኖ፡ ኣብ መጽሓፍ ነህምያ ኣርባዕተ ሳዕ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸኣ እታ ራብዐይቲ እያ።—ነህምያ 5:19፣ 13:14, 22, 32።

b ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንእሙናት ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ንኺባርኾም ዘለዎ ዕላማ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3ን 7ን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ