ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 72 ገጽ 170-ገጽ 171 ሕ.ጽ. 2
  • የሱስ ብንእስነቱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ብንእስነቱ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስድራ ቤቱ ዘዕቈበን ዝናበየን ጽኑዕ ኣቦ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ንስድራኡ ዜዕቍብን ዚናብን ጽኑዕ ኣቦ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣብ ናዝሬት ዓበየ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ተኣዛዝነት ተማህረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 72 ገጽ 170-ገጽ 171 ሕ.ጽ. 2
የሱስ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ማእከል መምህራን ኣብ ቤተ መቕደስ ኮፍ ይብል

ትምርህቲ 72

የሱስ ብንእስነቱ

ዮሴፍን ማርያምን ምስ የሱስን ካልኦት ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ናዝሬት ይነብሩ ነበሩ። ዮሴፍ ከኣ ጸራቢ ዀይኑ እናዓየየ ንስድራኡ ይናቢ ነበረ፣ ብዛዕባ የሆዋን ሕጉን እውን ይምህሮም ነበረ። ኣምልኾ ንምቕራብ ከኣ ኣዘውቲሮም ናብ ምኵራብ ይኸዱ ነበሩ። ፋስጋ ንምብዓል ድማ ዓመት ዓመት ናብ የሩሳሌም ይጕዓዙ ነበሩ።

የሱስ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ፡ ስድራ ቤቱ ኸም ልማዶም ናብ የሩሳሌም ነዊሕ ጕዕዞ ተጓዕዙ። እታ ኸተማ ኸኣ ፋስጋ ኼብዕሉ ብዝመጹ ሰባት መሊኣ ነበረት። ድሕሪኡ፡ ዮሴፍን ማርያምን ናብ ዓዶም ኪምለሱ ጀመሩ። ሽዑ ድማ፡ የሱስ ምስቶም መኻይዶም ዘሎ መሲልዎም ነበረ። ኣብ ኣዝማዶም ምስ ደለይዎ ግና፡ ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን።

ናብ የሩሳሌም ተመልሱ እሞ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ደለይዎ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብታ ቤተ መቕደስ ከዱ። ኣብኡ ኸኣ የሱስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ ተጠንቂቑ እናሰምዖምን ጽቡቕ ሕቶታት እናሓተቶምን ረኸብዎ። እቶም መምህራን ድማ ብየሱስ ስለ እተደነቑ፡ ሕቶታት ይሓትትዎ ነበሩ። በቲ ምላሹ እውን የስተንክሩ ነበሩ። ሕጊ የሆዋ ይርድኦ ኸም ዝነበረ፡ ኪርእዩ ይኽእሉ ነበሩ።

ዮሴፍን ማርያምን ከኣ ብዙሕ ተሻቒሎም ነበሩ። ማርያም ድማ፡ ‘ወደየ፡ ኣብ ኵሉ ኽንደልየካ ጸኒሕና! ኣበይ ኢኻ ኔርካ፧’ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ‘ኣብዚ ኣብ ቤት ኣቦይ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧’ በላ።

የሱስ ድማ ምስ ወለዱ ናብ ናዝሬት ከደ። ዮሴፍ ከኣ ንየሱስ፡ ዕዮ ጽርበት መሃሮ። የሱስ መንእሰይ ምስ ኰነ ኸመይ ዝኣመሰለ ሰብ ዝነበረ ይመስለካ፧ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብሞገስን እናወሰኸ ይኸይድ ነበረ።

ዮሴፍን ማርያምን ምስ የሱስን ገሊኦም ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣብ ዙርያ ሰደቓ ኾፍ ይብሉ

“ኦ ኣምላኸይ፡ ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ እዩ፣ ሕግኻ ድማ ኣብ ውሽጠይ እዩ።”—መዝሙር 40:8

ሕቶታት፦ ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ኣበይ እዮም ረኺቦምዎ፧ ስለምንታይ እዩ ኣብኡ ዝነበረ፧

ማቴዎስ 13:55, 56፣ ማርቆስ 6:3፣ ሉቃስ 2:40-52፣ 4:16፣ ዘዳግም 16:15, 16

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ