ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 73 ገጽ 172-ገጽ 173 ሕ.ጽ. 2
  • ዮሃንስ መገዲ ኣዳለወ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዮሃንስ መገዲ ኣዳለወ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዮሃንስ መጥምቕ መገዲ ኣዳለወ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ መሲሕ ኰነ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ዮሃንስ መገዲ ይጸርግ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ዮሃንስ እምነት ኣጕዲሉ ድዩ፧
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 73 ገጽ 172-ገጽ 173 ሕ.ጽ. 2
ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ገማግም ፈለግ ዮርዳኖስ ንህዝቢ ይምህር

ትምህርቲ 73

ዮሃንስ መገዲ ኣዳለወ

ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ምስ ዓበየ፡ ነብዪ ዀነ። የሆዋ ኸኣ ንዮሃንስ፡ መሲሕ ይመጽእ ከም ዘሎ ንህዝቢ ንምምሃር ተጠቕመሉ። ዮሃንስ ግና ኣብ ምኵራባት ወይ ኣብ ከተማታት ዘይኰነስ፡ ኣብ በረኻ እዩ ዚምህር ነይሩ። ካብ የሩሳሌምን ካብ ኵላ ይሁዳን ድማ ትምህርቲ ዮሃንስ ኪሰምዑ ይመጹ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ባህ ንምባል፡ ክፉእ ተግባር ኪሓድጉ መሃሮም። ብዙሓት ንዮሃንስ ድሕሪ ምስማዖም ድማ፡ ሓጢኣቶም ይንስሑ ነበሩ፣ ዮሃንስ እውን ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ የጥምቖም ነበረ።

ዮሃንስ ቀሊል ህይወት እዩ ነይርዎ። ብጸጕሪ ገመል እተሰርሐ ኽዳን ይኽደን፡ ኣንበጣን መዓር በረኻን እውን ይበልዕ ነበረ። ሰባት ድማ ብዛዕባኡ ኺፈልጡ ይህንጠዩ ነበሩ። እቶም ዕቡያት ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን እኳ ኺርእይዎ ኸዱ። ዮሃንስ ከኣ ንዓታቶም፡ ‘መገድታትኩም ክትቅይሩን ክትንስሑን ኣሎኩም። ደቂ ኣብርሃም ኢና ስለ እትብሉ፡ ፍሉያት ዝዀንኩም ኣይምሰልኩም። እዚ ነገር እዚ ደቂ ኣምላኽ ምዃንኩም ዜረጋግጽ ኣይኰነን’ በሎም።

ብዙሓት ድማ ናብ ዮሃንስ መጺኦም፡ ‘ንኣምላኽ ባህ ንምባል እንታይ ክንገብር ኣሎና፧’ ኢሎም ሓተትዎ። ዮሃንስ ከኣ ነቶም ኣይሁድ፡ ‘ክልተ ኽዳን እንተ ኣልዩኩም፡ ሓዲኡ ንእተሸገረ ሰብ ሃብዎ’ በሎም። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበለስ ትፈልጥዶ፧ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንኣምላኽ ባህ ንምባል፡ ንሰባት ኬፍቅሩ ኸም ዘለዎም ኪፈልጡ ይደልዮም ስለ ዝነበረ እዩ።

ዮሃንስ ድማ ነቶም ኣከብቲ ቐረጽ፡ ‘ብቕንዕና ተመላለሱ፡ ንዋላ ሓደ ኣይተታልሉ’ በሎም። ነቶም ወተሃደራት ከኣ፡ ‘ጉቦ ኣይትቀበሉ ወይ ኣይትሓስዉ’ በሎም።

ካህናትን ሌዋውያንን እውን ናብ ዮሃንስ መጺኦም፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧ ኵሉ ሰብ ኪፈልጥ ይደሊ ኣሎ’ ኢሎም ሓተትዎ። ዮሃንስ ከኣ፡ ‘ኣነ ኸምቲ ኢሳይያስ እተነበዮ፡ ኣብ በረኻ ዚጭድር ድምጺ እየ፣ ንሰባት እውን ናብ የሆዋ እመርሖም እየ’ በሎም።

ሰባት ድማ ነቲ ዮሃንስ ዚምህሮ ትምህርቲ ፈተውዎ። ብዙሓት ከኣ፡ ዮሃንስ መሲሕ እንተ ዀይኑ ይሓስቡ ነበሩ። ንሱ ግና፡ ‘ካባይ ዚዓቢ ይመጽእ ኣሎ። ኣነስ መእሰር ሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ኣይበቅዕን እየ። ኣነ ብማይ አጥምቕ ኣለኹ፣ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ኬጥምቕ እዩ’ በሎም።

“ኵሎም ዓይነት ሰባት ብእኡ ምእንቲ ኺኣምኑ፡ ንሱ ብዛዕባ ብርሃን ምእንቲ ኺምስክር፡ ምስክር ኰይኑ መጸ።”—ዮሃንስ 1:7

ሕቶታት፦ የሆዋ ንዮሃንስ ናብቶም ህዝቢ ዝለኣኾ ስለምንታይ እዩ፧ ንሳቶምከ ብዛዕባ እቲ መልእኽቱ ኸመይ ተሰሚዕዎም፧

ማቴዎስ 3:1-11፣ ማርቆስ 1:1-8፣ ሉቃስ 3:1-18፣ ዮሃንስ 1:19-28፣ ኢሳይያስ 40:3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ