ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 74 ገጽ 176-ገጽ 177 ሕ.ጽ. 4
  • የሱስ መሲሕ ኰነ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ መሲሕ ኰነ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዮሃንስ ንየሱስ የጠምቖ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • የሱስ ተጠምቀ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ዮሃንስ መገዲ ኣዳለወ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ጥምቀት የሱስ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 74 ገጽ 176-ገጽ 177 ሕ.ጽ. 4
የሱስ ብዮሃንስ ምስ ተጠምቀ፡ መንፈስ ኣምላኽ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ይዓርፍ

ትምህርቲ 74

የሱስ መሲሕ ኰነ

ዮሃንስ፡ ‘ካባይ ዚዓቢ ይመጽእ ኣሎ’ ኢሉ ይሰብኽ ነበረ። የሱስ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ፡ ካብ ገሊላ ናብቲ ዮሃንስ ንሰባት ዜጥምቐሉ ዝነበረ ፈለግ ዮርዳኖስ ከደ። የሱስ ከኣ ብዮሃንስ ኪጥመቕ ደለየ፣ ዮሃንስ ግና፡ ‘ኣነ ደኣ ብኣኻ ኽጥመቕ ኣሎኒ እምበር፡ ንስኻስ ብኣይ ክትጥመቕ የብልካን’ በሎ። የሱስ ድማ ንዮሃንስ፡ ‘ንስኻ ንዓይ ከተጥምቐኒ፡ የሆዋ ይደልየካ እዩ’ በሎ። ስለዚ፡ ናብቲ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣተዉ፣ ዮሃንስ ከኣ ንየሱስ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ኣጥለቖ።

የሱስ ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ጸለየ። ኣብቲ ህሞት እቲ ኸኣ፡ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ዓረፈ። ሽዑ የሆዋ ኻብ ሰማይ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ኢሉ ተዛረበ።

መንፈስ የሆዋ ናብ የሱስ ምስ መጸ፡ ንሱ ክርስቶስ ወይ መሲሕ ኰነ። ድሕርዚ፡ ነቲ የሆዋ ናብ ምድሪ ኺዓይዮ ዝለኣኾ ዕዮ ኺጅምር ነበሮ።

የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ናብ በረኻ ኸደ፡ ኣብኡ እውን 40 መዓልቲ ገበረ። ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ንዮሃንስ ኪረኽቦ ኸደ። የሱስ ናብ ዮሃንስ ኪቐርብ ከሎ፡ ዮሃንስ፡ ‘ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ እዚ እዩ’ በለ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ዮሃንስ ነቶም ሰባት፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ሓበሮም። የሱስ ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ ከም ዘጋጠሞስ ትፈልጥዶ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

“ካብ ሰማያት ከኣ፡ ‘ዝሰመርኩኻ፡ ፍቑር ወደይ ንስኻ ኢኻ’ ዚብል ድምጺ መጸ።”—ማርቆስ 1:11

ሕቶታት፦ ስለምንታይ እዩ የሱስ ተጠሚቑ፧ የሱስ ገንሸል ኣምላኽ ምዃኑ ዮሃንስ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧

ማቴዎስ 3:13-17፣ ማርቆስ 1:9-11፣ ሉቃስ 3:21-23፣ ዮሃንስ 1:29-34፣ ኢሳይያስ 42:1፣ እብራውያን 10:7-9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ