ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 84 ገጽ 196-ገጽ 197 ሕ.ጽ. 4
  • የሱስ ብማየ ማይ ከደ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ብማየ ማይ ከደ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ኬዕቝበና ይኽእል እዩ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • የሱስ፡ ማዕበል ኣህድአ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ዚቈጻጸር ገዛኢ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • መርከብ ኣብ ሓንቲ ደሴት ተሰብረት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 84 ገጽ 196-ገጽ 197 ሕ.ጽ. 4
የሱስ ብማየ ማይ እናኸደ ንጴጥሮስ ናብኡ ኺመጽእ ይጽውዖ

ትምህርቲ 84

የሱስ ብማየ ማይ ከደ

የሱስ ሕሙማት ኬሕውን ምዉታት ኬተንስእን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንንፋስን ንዝናምን እውን ኪቈጻጸር ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብ ከረን ደዪቡ ድሕሪ ምጽላዩ፡ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኣማዕደወ እሞ፡ ማዕበል ከም ዝዀነ ረኣየ። ሽዑ፡ ሃዋርያቱ ኣብ ጃልባኦም ኰይኖም፡ ኣንጻር ንፋስ ንምቕዛፍ ይቃለሱ ነበሩ። የሱስ ከኣ ካብቲ ኸረን ወሪዱ ብማየ ማይ ናብታ ጃልባ ኸደ። እቶም ሃዋርያት ድማ ብማየ ማይ ዚኸይድ ምስ ረኣዩ፡ ፈርሁ። የሱስ ግና፡ ‘ኣነ እየ። ኣይትፍርሁ’ በሎም።

የሱስ ብማየ ማይ እናኸደ ንጴጥሮስ ናብኡ ኺመጽእ ይጽውዖ

ጴጥሮስ ከኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ብሓቂ ንስኻ እንተ ዄንካስ፡ ክመጸካ ኣዝዘኒ’ በሎ። የሱስ ድማ ንጴጥሮስ፡ ‘ንዓ’ በሎ። ኣብ ማእከል እቲ ማዕበል ከኣ፡ ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየ ማይ ናብ የሱስ ከደ። ጥቓኡ ምስ በጽሐ ግና፡ ህቦብላ ንፋስ ረኣየ እሞ ፈርሀ። ኪጥሕል እውን ጀመረ። ሽዑ፡ ጴጥሮስ፡ ‘ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ!’ ኢሉ ኣእወየ። የሱስ ከኣ፡ ‘ስለምንታይ ተጠራጢርካ፧ እምነትካ ኣበይ ኣላ፧’ እናበለ ብኢዱ ሓዞ።

የሱስን ጴጥሮስን ድማ ናብታ ጃልባ ደየቡ፣ ብኡብኡ እውን እቲ ህቦብላ ንፋስ ሃድአ። እቶም ሃዋርያት እንታይ ከም እተሰምዖምሲ ኽትግምትዶ ትኽእል፧ ንሳቶም ንየሱስ፡ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” በልዎ።

የሱስ ንዅነታት ኣየር እተቘጻጸረሉ ኣጋጣሚ፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ካልእ ግዜ፡ የሱስን ሃዋርያቱን ነቲ ባሕሪ ብጃልባ ኺሳገርዎ ኸለዉ፡ የሱስ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ደቀሰ። ደቂሱ ኸሎ ድማ፡ ብርቱዕ ህቦብላ ተላዕለ። ማዕበል ከኣ ነታ ጃልባ ይጸፍዓ ነበረ፣ እታ ጃልባ እውን ብማይ መልአት። ሽዑ፡ ሃዋርያት ንየሱስ፡ ‘መምህር፡ ክንመውት ኢና! ርድኣና!’ እናበሉ ኣበራበርዎ። የሱስ ከኣ ተንሲኡ ነቲ ባሕሪ፡ “ህዳእ!” በሎ። ብኡብኡ እውን፡ እቲ ንፋስን እቲ ባሕርን ሃድአ። የሱስ ድማ ነቶም ሃዋርያት፡ ‘እምነትኩም ኣበይ ኣላ፧’ በሎም። ንሳቶም ከኣ ንሓድሕዶም፡ “ንፋስን ባሕርን እኳ ይእዘዝዎ” ተባሃሃሉ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቶም ሃዋርያት ብየሱስ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተኣሚኖም፡ ዋላ ሓንቲ ኺፈርሁ ኸም ዘይብሎም ተማህሩ።

“ሕያውነት የሆዋ ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ እንተ ዘይኣምንሲ እንታይ ምዀንኩ፧”—መዝሙር 27:13

ሕቶታት፦ ስለምንታይ እዩ ጴጥሮስ ኪጥሕል ጀሚሩ፧ ሃዋርያት ካብ የሱስ እንታይ ተማሂሮም፧

ማቴዎስ 8:23-27፣ 14:23-34፣ ማርቆስ 4:35-41፣ 6:45-52፣ ሉቃስ 8:22-25፣ ዮሃንስ 6:16-21

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ